ኣመሓዳሪት ዞባ ሜክሲኮ ማርታ ኤሪካ ኣሎንሶ፡ ብሓደጋ ነፋሪት ሞይታ

ሓዳሽ ኣማሓዳሪት ዞባ ፑዌብላ ሜክሲኮ ኮይና ዝተመርጸት ማርታ ኤሪካ ኣለንሶ ሒደት መዓልታት (14 ታሕሳስ) ቃለ-መሓላ ድሕሪ ምፍጻማ ብሓደጋ ነፋሪት ሞይታ።

በዓል ቤታ ሰኔተር ራፋኤል ሞሬኖ እውን ኣብ`ቲ ሓደጋ መይቱ።

ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና፡ እታ ሄሊኮፕተር ምዃና ዝንገረላ ተሳፊሮሙላ ዝነበሩ ነፋሪት፡ ካብ ርእሰ ከተማ ናይ`ቲ ዞባ ዝኾነት ከተማ ፑዌብላ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምብራራ`ያ ብሰኑይ ተሓምሺሻ።

ኣባል ሰልፊ ማእከል-ጸጋማይ ፒ ኤ ኤን ዝኾነት ጓል 45 ዓመት ማርታ፡ ኣብ`ቲ ሓያል ተወዳደርነት ዝነበሮ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋታ`ያ ናይ ፈለማ ጓል ኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት ኮይና ተመሪጻ።

ሞት ናይ`ዞም ሰብኣይን ሰበይትን ብሓዲሽ ፕረሲደንት ሜክሲኮ ኣንድረስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር`ዩ ተቓሊሑ።

ፕረሲደንት ኦብራዶር ዝተሰምዖ `ዓሙቕ ሓዘን` ንስድራቤት እቶም ፖለቲከኛታት ብመንገዲ ትዊተር ገሊጽሎም።

`ሓቀኛ ጠንቂ` ናይ`ቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ክካየድ ምዃኑ`ውን ሓቢሩ።

እቲ ኣብራሪ ናይ`ታ ነፋሪት ኣብ`ቲ ሓደጋ ሞይቱ ድዩ ኣይሞተን ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ማርታ ኣብ`ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተኻየደ ምርጫ ነቲ ብፕረሲደንት ኦብራዶ ዝድገፍ ተወዳዳሪ ማኑኤል ባርቦሳ ብጸቢብ ድሕሪ ምስዓራ`ያ ብ14 ታሕሳስ ሓላፍነት ምምሕዳር ናይ`ታ ኣብ ሜክሲኮ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ዞባ ስልጣን ተረኪባ።

ሰልፊ ሞሬና ናይ ፕረሲደንት ሎፐኢዝ ኦብራዶ ኣብ`ቲ ምርጫ ጉሉሕ ምድንጋራትን ዘይልሙድ ኣሰራርሓን ነይሩ ኢሉ ድሕሪ ምውንጃሉ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ናይ ምርጫ ብቤት ፍርዲ`ዩ ጸዲቑ።

እቲ ሞት ናይ`ቶም ሰባኣይን ሰብይትን `ዝኾነ ሰብ ንዝኾነ ካልእ ሰብ ዘይምነዮ ዘሕዝን ፍጻመ`ዩ` ኢሉ ሚስተር ባርቦሳ።

`ሰንቢደን ሓዚነን`የ። ንኹሎም ፈተውቶም ድማ ጽንዓት እምነየሎም። ሕጂ ብዛዕባ ጠንቂ ናይ`ቲ ሓደጋ ግምታት ዝወሃበሉ እዋን ኣይኮነን` ድማ ኢሉ ንሱ።

ሞሬኖ ካብ 2011 ክሳብ 2017 ኣመሓዳሪ ፑዌብላ ኮይኑ ኣገልጊሉ`ዩ።

ዳግማይ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፡ ባይቶ ፑዌብላ ጊዜያዊ ኣመሓዳሪ ክስይም`ዩ።

እዚ ናይ ሰኑይ ሓደጋ፡ ሓደ ካብቶም ከም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፍራንቸስኮ ብሌይክ ሞራ ኣብ 2011 ዝሞተሉ ላዕለዎት ሰብ በዚ ዝቐተሉ ሓደጋታት ስዒቡ`ዩ መጺኡ ይብል ልኡኽ ቢቢሲ ዊል ግራንት።

ኣብ ፈለማ ናይ`ዚ ዓመት`ዚ ናይ ሓደ ሚኒስቴር ሄሊኮፕተር ድሕሪ ተሓምሺሻ ኣብ እኩባት ሰባት ድሕሪ ምውዳቓ፡ እቲ ሚኒስተር`ኳ ካም ሞት እንተኣምለጠ ካልኦት 13 ሰባት ሞይቶም`ዮም።