ሜክሲኮ፡ ኣካላት ደቂኣንስትዮ እናቖራረጹ ዝሸጡ ተጻመድቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ፖሊስ ሜክሲኮ፡ ኣካላት ናይ ሰብ ብናይ ቆልዑ መሰከሚ ዓረብያ እናጓዓዓዙ ንዝተታሕዙ ሜክሲካዉያን ተጻመድቲ ብቕትለት ሰባት ስለ ዝጠርጠሮም መርመራ ይግብረሎም ኣሎ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ 20 ደቂኣንስትዮ ከም ዝቐተለ ምእማኑ ተገሊጹ።

መርመርቲ፡ ኣብ መንበር ገዛ ናይቶም ተጻመድቲ፡ ኣብ ብሲሚንቶ ኣብ ዝመልአ ሰንኬሎታት ኣብ ፍሪጅ ዝተቐመጠ ኣካላት ናይ ሰብ ረኺቦም ኣለዉ።

እቶም ተጻመድቲ ነቲ ኣካላት ናይ ሰብ ይሸጥዎ ከም ዝነበሩ ኣኽበረቲ ሕጊ እኳ እንተሓበሩ፡ ንመን ከም ዝሸጥዎ ገና ንጹር ኣይኮነን።

ቅትለት ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ኣብ ሜክሲኮ ልሙድ ተርእዮ እኳ እንተኾነ፡ እዚ ፍጻመ ግና ቁጥዐ ብምልዕዓሉ ናይ ተቃዉሞ ሰልፍታት ኣብታ እቲ ፍጻመ ዝተኸስተላ ከተማ ኤካተፐክ ኣስዒቡ ኣሎ።

መስከረም 28 ሓንቲ ኣደ ምስ ጓላ ምስ ምጥፍኣ ብዝተሓሓዝ እዩ ፖሊስ ካብ ጎረባብቲ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ተኸታቲሉ ነታ እቶም ተጻመድቲ ወትሩ ዝደፍእዋ ዓረብያ ክፍተሽ ዝገበረ።

እቲ ክሱስ ነታ ዝተጠቕሰት ሰበይትን ካልኦት ክልተዉን ምቕታሉ ከም ዝተኣመነን፤ ነቶም ግዳያት ቅድሚ ምቕታሉ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፍጽመለንን ነቲ ኣካላተን ከም ዝሸጦን ኣኽበርቲ ሕጊ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ሰለስቲአን ግዳያት ካብ ሰብኡተን ዝተፈላለያ ኣደታት ኮይነን፡ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ እየን ጠፊአን።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ነቶም ክሱሳት ብግብረ ሰናይ ከም ዝፈልጥዎም መርመርቲ ሓቢሮም።

እቶም መርመርቲ ከም ዝሓበርዎ፡ እታ ሰበይቲ ነተን ግዳያት እናጠበረት'ያ ናብቲ ገዛ ከም ትወስደን።

እቲ ዞባ ኣብ መክሲኮ፡ ምጥፋእ ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ዝረኣየሉ ዞባ ኢዩ።

ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዛያ ናይዚ ዓመት፡ 395 ሰባት ኣብዚ ዞባ ክጠፍኡ ከለዉ ካብዚኦም እተነ 207 ደቂ ኣንስትዮ ኢየን።