ግድብ ታንዛንያ፡ ሓድሽ ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ተቓውሞ ገጢምዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብሉፅ ሕዙእ መዘናግዒ፡ መፈልፈሊ ሓይሊ ንምህናፅ ዝፈረምዎ ስምምዕ፡ ካብ ተሓለቕቲ ከባብያዊ ተፈጥሮ ተቓውሞ ገጢምዎ።
ዩኔስኮ፡ ሓድጊ ዓለም ክብል ኣብ ዝመዝገቦ ሕዙእ መዘናግዒ ሴሉስ ዝርከብ ሩባ ሩፊጂ ዝህነፅ ግድብ፡ ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ተፈሪምዎ'ሎ።
ታንዛንያ፡ እቲ ፕሮጀክት ንቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሃገራ ብክልተ ዕፅፊ ከም ዘበርኾ ኣፍሊጣ። ተሓለቕቲ ከባቢ ግን ኣብቲ ቦታ ንዘለዉ ህይወታውያን ከም ዘጥፍእ ኣጠንቂቖም።
እቲ ስምምዕ ምስ ክልተ ናይ ግብፂ ኩባንያታት ህንፀት'ዩ ተፈሪሙ።
በቲ ግድብ ዝፍጠር ሓፅቢ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ክኸውን ትፅቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ኣስታት 1,200 ትርብዒት ኪሎ ሜትሮ መሬት ክሸፍን እዩ።
ታንዛንያ እቲ ግድብ ዕቤታ ከም ዘቀላጥፈላን ሕዚ ዘሎ ዓቕሚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዕፅፊ ከም ዘዕብየላን ትገልፅ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ እታ ሃገር ሲሶ ዝኸውን ጥራሕ ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ይረክብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ፕሮጀክት ሓረስቶትን ገፈፍቲ ዓሳን ዝርከብዎም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ መፋስስ ዝርከቡ 200,000 ሰባት ህይወቶም ከም ዝፀልው ይግለፅ።
ፍግረ መሬት ክፍጠር ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ፡ ንበፃሕቲ ዓዲ ዝስሕቡ ሩባታት ክነቕፁን ዓቕሚ ፍርያምነት መሬት ሕርሻ ክንክይን ከም ዝገብር'ውን ሓደ መፅናዕቲ ሓቢሩ።
ሕዙእ መዘናግዒ ሴሉስ ንሓራምዝን ሕርሻን ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ እንስሳት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመት ቁፅሪ ሓራምዝ ብ 90 ሚኢታዊት ነክዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



