ትግራይ-ኣላማጣ፡ ጠንቂ ህውከት ኣላማጣ ብቃላት ነበርታ

ወንጭት ዝሓዘ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣላማጣ ኣብ ደቡብ ትግራይ እትርከብ ሓንቲ ካብተን ዝዓብያ ዘለዋ ከተማ እያ።

ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝወስድ ፅርግያ መሬት ራያ ዓዘቦ ዛዚምካ፡ ናብ መዋሰኒ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ጐልጎል ራያ ኣሳፊሓ ዝተጣየሸት ድምቕምቕ ዝበለት ከተማ።

ህዝቢ እታ ከተማ ጥራሕ እንተይኰነስ ሙሉእ እታ ወረዳ ብጥዑም ትግራዋይ ላዝኡ ዝልለ ሓደ ክፋል ራያ ምዃኑ ሓደን ክልተን የብሉን።

እንታይ ደኣ ጉዱ ሎሚ ቕነ ኣብታ ከተማ ደርጓዕጓዕ በዚሑ? ዝብል ንፁር ምላሽ የድልዮ።

ሪፖርተርና ግርማይ ገብሩ፡ እቲ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሽምና ይፅነሐልካ ምስ ዝበሉዎ ተወለድትን ተቐማጦን ከተማ ኣለማጣ ኣውጊዑ ኣሎ።

Presentational grey line

ኣብ ኣላማጣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ትግራይን ዝረኣ ዘሎ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ፀገማት ኣለዉ።

ሰብ ፍትሒ ስኢንና ኢሉ ኣንቃዕሪሩ ኣብየት ከም ዝብል፣ ብጣዕሚ ብዙሓት መናእሰይ ካብ ዩኒቨርሲቲን ኮሌጅን ተመሪቖም ከም ኣገልላፃ እቶም ነበርቲ "ኣብ ምቕጥቃጥ እምኒ ኰብል ስቶን" ከምዝውዕሉ፣ ባህ ዘይበሎም ሓሳብ ብሰለማዊ ሰልፊ ንምግላፅ ከም ዝዕገቱ ይገልጹ።

ተወጢኑ ዝተረፈ ህንጸት ቢንቶ ይዛዘም፣ ሆስፒታል ይስፍሓልና፣ ዩኒቨርሲቲ'ውን ይተሃነጸልና ዝብሉን ካልኦትን ድማ፡ ገለ ካብቶም መሰረታዊ ሕቶታት ልምዓት ሕብረተሰብ እታ ከተማ'ዮም.

እዞም ጉዳያት፡ ምስ ኣካላት መንግስቲ ዘተን ኢህን ምሂንን ስለዘድልዮም፡ መናእሰይ ንሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ወላ'ውን ኣዛርቡና ወላ እንተበሉ፡ ብውነ ቈላሕ ዝብሎም ከም ዝሰኣኑ ይግልፁ።

እንተኾነ ግና፡ ኣብ ገለ መዓልታት እቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ትግራይ፡ ካብቲ ህዝቢ ምስ ዝተወከሉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ከተማ ኣለማጣ ከም ዝተዛተዩ ይዛረቡ።

እቶም መናእሰይ ግና፡ ኣብታ ከተማ ንዘለና ሰባት በይንና ኣዛርቡና እዮም ዝብሉ።

መሬት ራያ ድማ ኣለማጣ ጥራሕ ኣይኰነን፤ ስለዚ ተወከልቲ ህዝቢ ራያ ካብ ወጀራት ክሳብ ዋጃ ክርከቡ ግድን እዩ ዝብል ክትዕ ይዕብልል'ሎ።

ብሰንበት ኣብ ኣለማጣ እንታይ'ዩ ተገይሩ?

ነበርቲ እታ ከተማ ብዛዕባ እቲ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዘሎ እዋን ዝኾነ ነገር እንተብርሁ፡ እቶም መንኣሰይ ንሰለማዊ ሰልፊ ኣይኰኑን ተዳልዮም ፀኒሖም።

ጐዘሞ በሊሑ፣ ወንጭፍ ተሰናዲኡ፣ መንብዒ ጋዝ እንተተነፀገ መከላኸሊ እዩ ዝበልዎ ክርቢት ተታሒዙ፣ ሽጉጥ ዝሓዙ ድማ ኣብ ውሽጢ ባጃጅ ብምስፋር ጀሚርና ንመበሊ፡ ውዳእ ጐማ መኪና ብምቅፃል ኣድማ ተወሊዑ።

እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝብልዎ እዚ ንምውዳድ ካብ ካልእ ከባቢ ናብታ ከተማ ኣትዮም ከተሓባብሩ ዝቐነዩ ሰባት ምህላዎም ርዱእ እዩ። ኣብታ ከተማ እናነበሩ ንህውከት መፈፀሚ ገንዘቦም ዝመደቡ'ውንግን ኣለው'ዮም ይብሉ።

ብዝዀነ ሰንበት ህውከት ተወሊዑ። ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ጐንፂ ንኹሉ ስለ ዘይጠቅም ይትረፍኩም በሉልና እንትብሉ ሽማግለታት ዓዲ ናብቶም መናእሰይ'ኳ እንተሰደዱ፡ እቶም ደሞም ዝፈልሐ መንኣሰይ ግና ኣይተቐበልዎን።

ብድሕሪኡ ብወንጭፍን ደንጐላን ምስቶም ዕጡቓት ገጢሞም። ዕጡቓት ጠያይቲ ናብ ሰማይ ብምትኳስ ክብትንዎም ፈቲኖም፤ ሕዚ'ውን ኣይሰመረን።

መንብዒ ጋዝ ኣምፂኦም ብምንፃግ ክብትንዎም ጀሚሮም። ካብቶም መንኣሰይ ገፅ ኣብ ውሽጢ ባጃጅ ሽጉጥ ናብቶም ዕጡቓት ተተኵሱ ይብሉ።

ኣብ መንጐ እዚ ህይወት ሰለስተ መንኣሰይ ጠፊኡ። ብድሕሪኡ ብፅኑዕ ቈሲሉ ዝነበረ ራብዓይ ሰብ እውን ከምዝሞተ ይገልፁ። እቲ ብውሽጣ ውሽጢ ፈኸም እናበለ ዝቐነየ ናዕቢ፡ ካብ ውሽጢ መንግስታዊ ትካል ዝሰርሑ ሰባት እውን ኢድ ከም ዘለዎ ዝዛረቡ ወሃብቲ ርእይቶ ኣለዉ።

ኣብ ራያ ዝለዓል ሕቶ መንነት ኣሎ ድዩ?

ብስልኪ ትዕዝብቱ ንቢቢሲ ዘካፈለ ወሃቢ ርኢይቶ መንእሰይ፡ 'ሕቶና መንነት ራያ ይከበር' ዝብል ሕቶ ኣሎ ኢሉ።

'ራያ፡ ኣምሓሩ ኢና ኣይበልናን፤ ተጋሩ እውን ኣይኰንናን። ልክዕ ከም ብሄረሰብ ኢሮብን ኣገውን ነበይንና ክንመሓደር ኢና ንሓትት ዘለና። ብናይ ባዕልና ላዛን መራሕትን ክንመሓደር ኢና ንብል ዘለና" ዝብል ኣሎ ይብል።

ኾይኑ ግና፡ እዚ ሕቶ እዚ ሕቶ ህዝቢ ራያ ድዩ? ድዩስ ሕቶ ኣብ ኣለማጣ ዝርከቡ መናእሰይ? ንዝብሉ ሕቶታት ርጉፅ መልሲ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ሕቶ መናእሰይ ኣለማጣ ምዃኑ ግና፡ እቲ ሽሙ ከይንጥቀም ዝሃተተና ነባሪ እታ ከተማ ተረጊፁ ይዛረብ።

ወይዘሮ ጃኖ ንጉሰ፡ ዕባይ ከተማ ኣለማጣ'የን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ወረዳ ኣለማጣ ኣብ ባይቶ ክልል ትግራይ ክውክላ ብህዝቢ ተመሪፀን ይሰርሓ ኣለዋ።

"ኣነ ኣይርዳእን ዝበለትኒ እታ ዓባይ ነገር ንሳ እያ። ቅድሚ ሎሚ ኣምሓሩ ኢና ዝብሉ ሰባት ተረኺቦም፤ ህዝቢ ሆ! ኢሉ ተላዒሉ ንሕና ተጋሩ ኢና ኢሉ ብሰለማዊ ሰልፊ ኣረጋጊፁ'ዩ። ሕዚ ምልስ ኢሎም መንነት ራያ ዝብሉ መፂኦምና። መንነትና መን ከሊኡና። መንነት ራያ 'ታይ ማለት እዩ ኢሉ ዝሓተልና ኢና ስኢንና" ይብላ።

ወሲከን እንትዛረባ፡ እቲ ብሰንበት ከተማ ኣላማጣ ዝገጠማ ነገር ከምዘሕዘነን'የን ዝገልጻ።

"ምቅታል ከ እንታይ ኣምፀኦ? መንነት ራያ ዝገልፅ ባህሊ ኣስፊሑ ኣይተንፀባረቐን እንተዀይኑ ንሕተት፤ ካልእ ሕቶ እንተሃልዩ'ውን ብሰለማውን ሕጋውን መንገዲ ንሕተት እየ ዝብል ኣነ" እንትብላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ ምልልስ ተዛሪበን።

"ብሰንበት ኣብ ተጐሃሃረ ጐንፂ ማይ ሸይጠን ዘዕበየኦም ቈልዑ እዮም ተቐዚፎም፤ እቶም ነቲ ሓዊ ዘሳወሩ ፀግዖም ሒዞም፡ እዚ ድማ ብጣዕሚ የሕዝን ኢለን" ኣዒንተን ንብዓት ቅፅርፅር እናበለ።

ወከልቲ ህዝቢ ወረዳ ኣላማጣ፡ ወይዘሮ ጃኖ ንጉሰ (ጸጋም)፡ ኣይተ ረዳኢ ዝናቡ (የማን)

እቶም ዘዘራረብናዮም ሰባት ሕዚ እውን ድጉል ፀገም እንሄ በሃልቲ እዮም።

ትማሊ መዓልቲ ምሉእ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ተዓፁ ውዒሉ። ታክሲ ኰነ ካልእ ተጓዓዝቲ ኣይነበራን።

ህዝቢ ኣብ ቤቱ ተዓፁ እዩ ውዒሉ፤ ኣጋምሸት'ዩ ቁሩብ ንፋስ ረኺቡ ምውስዋስ ተጀሚሩ። ታክሲ እውን ጀሚረን።

ኰይኑ ግና፡ ሕዚ እውን ምስቶም ዕጡቓት ትንዕ ምንዕ ዝብሉ መናእሰይ ኣለዉ። ትማሊ ረፋድ ምስ ፖሊስ ገጢሞም ብበትሪ ዝተሃሰዩ ክልተ መንኣሰይ ናብ ሆስፒታል ከም ዝኣተዉ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሕ ምስክር ይዛረብ።

ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ከተማ ኣላማጣ ዝምህር መምህር፡ ሎም መዓልቲ ሰላማዊ ኩነታት ከምዝዓሰለ: ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ስራሕ ከም ዝጀመሩን ንሱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ከምዘሎን ብስልኪ ገሊፁልና::ኣብታ ከተማ ድማ ትካላት ንግዲ ብኽፋል ስራሕ ከምዝጀመሩን ምንቅስቓስ ታኽሲን ባጃጅን ይረአ ምህላዉ ወሃብቲ ርእይቶ ንቢቢሲ ገሊፆም::

ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣብታ ከተማ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋፅ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ይብሉ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ቀደሙ ኣብ ከባቢ ዋጃ ስለ ዝነበሩ ሰንበት እቲ ፀገም ምስ ተፈጠረ፡ ኣብ ኦራል ዝዓይነታ መኪና ተሳፊሮም ከም ዝመፅኡን፡ ሽዑ ንሽዑ ተመሊሶም ከም ዝኸዱን እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።

ኣይተ ረዳኢ ዝናቡ'ውን ተወካሊ ህዝቢ ወረዳ ኣለማጣ እዮም። ኣይተ ረዳኢ ኣብ ህዝቢ ኣለማጣ ዝረአ ዘሎ ፀገም ብዘይ ቃል ዓለም ንገሩና ኢልናዮም፤ ተዛሪቦም።

" ድኹዒ የድልየካ'ዩ ዓዲግካ ተጠቐም ተባሂሉ ፅዕድግ'ኳ እንተነበረ፡ ደሓር ግን ዘይኣመነሉ ሰብ ብምንባሩ፡ ኹሉ ህዝቢ ብድኹዒ'ዩ ተማሪሩ ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ቃሕታኻ እንተደሊኻ ዓዲግካ ተጠቐም ተዘይ ኣድልዩካ ግደፎ ተባሂሉ እዩ" ብምባል እታ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ኣለማጣ ጥራሕ እንተይኰነስ ኣብ ካልእ ከባብታት ትግራይ እውን ህዝቢ ዝማረረሉ ዝነበረ ጉዳይ ማዳበርያ ኣልዒሎም።

"መንኣሰይ ንሕና ደቂ እቲ ከባቢ መሬት ዘየግነና ካብ ካልእ ከባቢ ዝመፅኡ ሰባት ግና መሬት ይረኽቡ ኣለዉ፤ ስለዚ መሬት ይወሃበና፤ ተማሂር ናተማሂርና ስራሕ ስኢንና ኰፍ ኢልና ይብሉ" ኢሎም ኣይተ ረዳኢ።

ሕቶ ህዝቢ ናብ መንግስቲ ይቐርብ'ዶ?

ኣይተ ረዳኢ ዝናቡ፡ "ኣብ ኣለማጣ ዘሎ ናይ ማይ ፀገም፣ናይ ፍትሒ ፀገም ኣብ ቤት ምኽሪ ትግራይ ብዝርዝር ነቕርብ ኢና። ግን ናብ ታሕቲ ወድሪዱ ተኸታቲሉ ዝፈትሕ ሰብ የለን" ይብሉ።

ብተወሳኺ ህዝቢ ኣለማጣ ንምንታይ ብናይ ባዕልና ሰብ ዘይንመሓደር? ካብ ካልእ ከባቢ ዝመፀአ ሰብ ፀገምና ኣይርደአልናን እንትብል ህዝቢ ብተደጋጋሚ ጥራዓን ከምዘቕርብ እውን ይገልፁ።

እሞኸ ሕዚ እንታይ ይገበር?

ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ሰባት ዳርጋ ኩሎም ዝህብዎ ርእይቶ ተመሳሳሊ እዩ። ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ትግራይ ናብ ኣለማጣ ብምኻድ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ይግባእ።

ብፍላይ ነቲ መንእሰይ ብግልፂ ቀሪቦም ክሓትዎን ክርድእዎን ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ይወሃብ'ሎ።

እቶም ተወከልቲ ህዝቢ ኣለማጣ ብፍላይ ወይዝሮ ጃኖ ንጉሰ፥ ንዶክተር ድብረጽዮን ብግልፂ ከምዝነገረኦ ይገልፃ። ቅድሚ ሎሚ ናብ ታከተማ በፂሖም ዝተመለሱ ኣክላት ላዕለዎት ምምሕዳር ምስቶም መንኣሰይ ኣይተራኸቡን እውን ይብላ።

ስለዚ ምስቲ መንእሰይ ቀሪብካ ምርድዳእ ኣድላዪ ምዃኑ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡ'ሎ።

ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃይለ ምስጉን ምስ ህዝቢ ዘተ ከምዝተኻየደ ይገልፁ።

ኰይኑ ግና እቲ ዘተ ካብ ኩሎም ከባብታት ዞባ ደቡብ ምስ ዝተወከሉ ሰባት እዩ ተኻይዱ። መንኣሰይ እታ ከተማ ንበይኖም ረኺቡ ዘዛትዮም ወካሊ መንግስቲ ይደልዩ ኣለዉ።

ንሕና እውን ብዛዕባ እዚ ንዝምልከቶም ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ትግራይ ምሕታት ክንቅፅል ኢና።