ተመኩሮ ኤርትራዊ ኣብነታዊ ተማሃራይን መምህርን ገብረገርግስ ፍስሃየ (ጆርጅ)

ምንጪ ስእሊ, ገብረገርግስ ፍስሃየ
ገብረገርግስ ፍስሃዬ (ጆርጆ)፡ ቅድሚ 43 ዓመታት : ናይዚ እዋን 24 መስከረም ብ1974 ድሕሪ ዉድቀት ስርዓት ሃይለስላሰ ኣብ ክልተ ሳምንቲ: ናይ ካልኣይ ዲግሪ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ: ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ንለንደን በሪሩ ።
መባእታ ኣብ ጎደቦ ዓዱ ማእከላይ ደረጃ ነብሲ ወከፍ ሰሙን 10 ኪሎ ሜትር : ብእግሩ እናተጓዕዘ: ላዕለዋይ ደረጃ ኸኣ ምስ መዘናታቱ ገዛ ተኻርዩ ትምህርቲ ድሕሪ ምውድኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብመምህርና ቀዳማይ ዲግሪ ዝዛዘመ ገብረገርግስ ካብቶም ልዑል ነጥቢ ኣምጺኦም ዝተመረቁ ብሉጻት ተምሃሮ ሓደ እዩ ነይሩ ።
ስለዝኾነ ክኣ እዩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀዋሚ መምህር ኾይኑ ንኸገልግል ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቱ ኣብ ወጻኢ ወዲኡ: ንኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ ንክምህር ንዓዲ ኢንግሊዝ ዝተላኣኸ ።
እቲ እዋን ግን ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝሕቆነሉ ግዜ እዩ ነይሩ ።
ስርዓት ደርግ፡ ንሃይለስላሰ ኣልዩ ስልጣን ጨቢጡ: "እምቢ ያለ ሰዉ ጥይት ኣጉርሰዉ" ብዝብል ጭረሐኡ መንእሰያት ዘንቀጥቅጠሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ።
ብፍላይ ንኤርትራዉያንን ትግራዎትን ከኣ: ዝኸፍአ ግዜ እዩ ነይሩ ። ገብረገርግስ ነቲ : ጽቡቅ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ኣብ ነፋሪት ተሰቒሉ ምስ በረረ "ኤርትራ ናጽነታ ከይረኸበትን ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከይተቀየረን ንኣዲስ ኣበባ ኣይምለስን'የ" ኢሉ ምስ ነብሱ ቃል ኣትወ ።
ክሳብ ዝሓሸን ርጉእን ግዜ ዝመጽእ ከኣ: እታ ተሰዲዱ ዝኸዳ ሃገር ዓዲ እንግሊዝ ከም ሃገሩ ተቐቢሉዋ ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተዓዊቱ ናጽነት ምስተረጋገጸ ግን ኣብ ሃገሩ ክነብር'ዩ ነይሩ ትምኒቱ ።
ህይወት ግን ከም ዝደለኻያ ዘይኮነስ ከምዘጋጠመትካን ክትገጥማ ኣለካ። ስለዝኾነ ገብረገርግስ ንህይወት ከምታ ዝገጠመቶ'ዩ ገጢሙዋ።

ምንጪ ስእሊ, ገብረገርግስ ፍስሃየ
ኣብ ጉዕዝኡ ብዙሕ ተሃላሊኹዋ፡ ህልኹ ኸኣ ናብ ዓወት መሪሑዎ ። ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ብዓወት ምስ ዛዘመ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተወዲቡ ብዙሕ ካብ ግዝኡ ንቃልሲ ኣወፊዩዎ።
ኣብ 1989 እዉን ክሳብ ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣትዩ ን6 ወርሒ ንመምሃራን ቤት ትምህርቲ ሰዉራ ብወለንታ ሚሂሩን ኣሰልጢኑን ።
ገብረገርግስ መዛንኡ ተማሃሮ 60ታት ክቱር ድሌት ትምህርቲ ዝነበሮም፡ ንነብሶም ተማሂሮም መንባብሮ ሂወት ስድረኦም ክቕይሩ: ለይትን ቀትርን ከይደቀሱ ዘጽንዑን ዝመሃሩን ትጉሃት ተምሃሮ ምንባሮም ይሕብር።
መብዛሕትኦም ተምሃሮ ካብ ገጠራት ኤርትራ ናብተን ዝርካበን ኣብቲ ከባቢ ተሃኒጸን ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ብእግሮም እናተጓዕዙ ካብኡ፡ ናብተን ርሕቅ ዝበላ ከተማታት ማእከላይን ላዕለዋይን ደረጃ ትምህርቲ ይከታተሉ ነይሮም።
ናብተን ብዙሕ ዕድል ዘይህባ ዝነበራ ዩኒቨርሲታት ብምእታው ህይወቶምን ንምቅያር ተጊሆም ዝጽዕቱ ግዱሳት ተምሃሮ ምንባሮም ይገልጽ ።
"እቶም ተምሃሮ ትጉሃት እዮም፤ እቶም መምሃራን ድማ: ግዱሳት ነይሮም" ይብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፊዚክስን ቁጽርን እዩ ተማሂሩ። ኣብ 3ይ ዓመቱ ከኣ: ኣብ ኣካዳሚ ኮሌጅ ኣለማያ ኢንግሊዘኛ፡ ቁጽርን ሳይንስን ንሓደ ዓመት ሚሂሩ። ሽዑ እቲ ቦታ ምዕቡል ስለዘይነበረ ኣብ ሓንቲ ኣጉዶ ምስ ካልኣዩ መምህር ተኻርዮም እዮም ዝምህሩ ነይሮም ።
ጆርጅ ካብቶም ልዑል ነጥቢ ኣምጺኦም ዝተመረቁ እኳ እንተነበረ: በቲ ዝነበረ ዘርኣዊ ኣድልዎ ግና እቲ ንዕኡ ዝግባእ ዝነበረ ብልጫ ኣይተዋህቦን። ብኣንጻሩ ንኻልእ ሰብ ተዋሂቡ።
"እቲ እዋን ተኣፋፊ ስለዝነበረ ዓዉ ኢልካ ክትዛረብ ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ፡ ስለዚ ዝሃቡኻ ሒዝካ ኢኻ ትኸይድ" ብምባል ድማ ንጽነካረ እቲ ግዜ ይገልጾ።

ምንጪ ስእሊ, ገብረገርግስ ፍስሃየ
ብጾቱ ግና ይፈልጡ'ዮም፡ ምኽንያቱ ኣብ ትምህርቲ ኣዝዩ ንፉዕ ምዃኑ ስለዝፈልጡ፡ እታ ብልጫ ነቲ ዝተዉሃበቶ ሰብ ዘይኮነስ ንጆርጅ ከምእትግባእ፡ ኩሉሳብ እዮም ዝዛረብሉ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ኤርትራዉያን ንትምህርቲ ወጺኦም ኣይተመለሱን። ሙሉእ ኣቓልበኦም ንህዝቦምን ሃገሮምን ክቃለሱ ስለዝነበሩ፡ እናተምሃሩ ደሃይ ሰዉረኦም ክገብሩን ንሰዉራ ኣብ ምሕጋዝን'ዮም ዝነጥፉ ነይሮም። ገብረገርግስ'ዉን፡ ብተመሳሳሊ ከምኦም ነይሩ።
ትምህርቲ ኢንግሊዝን ኤርትራን፡ ወይከኣ ትምህርቲ ኢንግሊዝን ኣፍሪቃን፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዘሎ ደረጃ ትምህርቲ ዝተፈላለየ'ዩ። ኣብ 3ይ ዓለም፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣብነት፡ ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ተምሃራይ ኣብ ክፍሊ እንተዘይሓሊፉ ንምድጋም ጸቢብ ዕድል ስለዝነበረ፡ ትምህርቲ ክቕጽል ኣይኽእልን ነይሩ።
ምኽንያቱ እቲ ዕድል ጸቢብ'ዩ። ኣብ ኤዉሮጳ'ዉን ሓደ ተምሃራይ ዋላ'ዉን ትሑት ዉጽኢት እንተምጽአ፡ እንተተረፈ እቲ ልዑል ነጥቢ ዝሓትት ትምህርቲ'ዩ ክምሃር ዘይኽእል እምበር ብኻልእ ዓዉዲ ይቕጽል'ዩ። እቲ ዝኸፍአ ግን ናይዲስፒሊን ጸገም ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ሳልሳይ ዓለም እቶም ተምሃሮ ስርዓት ኣለዎም። እቲ መምህር ከም ድላዩ ይግበሮም፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ከም ድላዩ ይገብሮም። እንተደልዩ ይሰጎም፡ እንተደልዩ የእትዎም፡ በቲ ባህርያቶምን ጠባያቶምን።
ኣብ ኤዉሮጳ ግን፡ እቶም ተማሃሮ ኣሸገርቲ'ዮም። ኩሉ ግዜ ልዕሊ መምህር'ዮም።
"መምህር ክቐጽዕ ኮነ ክሰጉግ መሰል ስለዘይብሉ፡ ንጠባዮም ክኢሉ ተጸሚሙ'ዩ ክምህር ዘለዎ" ይብል ብጠባያት እቶም ተምሃሮ ተሸጊሩ ምንባሩ ዝዝክር ገብረገርግስ።
ብትምህርቲ እንተመጺእኻ ግን ኩሉ ዓይነት መሳለጢያ ስለዘሎ፡ ኣብ ኤዉሮጳ ተምሃሮ ብዝርአን ዝጭበጥን ኣብነታት እናተሰነዩ ስለዝመሃሩ ብቑዕ ፍልጠት'ዮም ዘጥርዩ።
"እቶም ናይ ኣፍሪቃ ግን ከመዚ ከማይ ተማሃራይ ኣብ ዝነበርኹሉ እዮም" ይብል ጆርጅ፡ ጻዕሪ ሓዊስካ፡ መምህር ዝብለካን ዝምህረካን ሸምዲድኻ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ መደገፊ፣ ምምሃሪ መሳለጢ ኣይነበረን።
ንፋዕ ሕመቕ ስቕ ኢልካ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ሕለፍ (ኣብ ኤዉሮጳ) ፡ ነቲ ተምሃራይ ደረጅኡ'ዩ ዝዉስኖ'ምበር ተሪፍካ ብዝብል ካብ ትምህርቲ ኣይስጎግን። ብተወሳኸዒ ሓገዝን ምትብባዕን ካብ ቤተ ትምህርቲ ኮነ ወለዱ ይረክብ'ዩ። ግን ክኣ ሓደ ተምሃራይ ሓንሳብ እንተድኣ ሰኒፉን ክበራበር እንተዘይፈቲኑን መጻኢ ህይወቱ ኣብ ንእስነቱን እዋን ትምህርቱን ብዝገብሮ ጻዕሪ ስልዝዉሰን ንሳ ፈራዲቱ እያ።
እቲ ኣብ ስራሕ ዓለም ተጠላብን ልዑል ክፍሊት ዘዉህብ ስራሕ ነቲ ሰነፍ ተምሃራይ ጓና'ዩ። ከም ማዕዶ'ዩ ዝጥምቶ። ምኽንያቱ ንኹሉ ነቲ ናብኡ ዘብጽሖ መሳልል ስለዘይተጠቐመሉ ኣብ ሃዋህዉ ተንጠንሊጡ'ዩ ዝተርፍ። ካብ ሃዋህዉ ምስ ወደቐ ክኣ ንነብሱ ኣብቲ ናይ ታሕተዋይ ደረጃ መነባብሮን ስራሕን ይርከብ።
ተምሃራይ ሓንሳብ እንተወዲቑ ባዕሉ ተበራቢሩ ክሕግዝ እንተዘይፈቲኑ፡ ክተተንስኦ ከቢድ እዩ። እቶም ዝለዓሉ ኣአብ ዝለዓለ፡ እቶም ዝተሓቱ ከኣ ኣብ ዝተሓተ ስራሕ እዮም ዝኣትዉ።
"መንፋዕትን ሕመቕን ዝውስኖ መጻኢ ህይወትካ'ዩ" ዝብል ገብረገርግስ፡ ብተወሳኺ'ዉን ካብ ትሑታት ስድራቤታት ዝመጽኡ ንፉዓት ተምሃሮ፡ ጸብለል ኢሎም ክወጽኡን ደረጃ መነባብረኦም ከመሓይሹን ይጽዕሩ'ዮም ይብል።

ምንጪ ስእሊ, ገብረገርግስ ፍስሃየ
ዉሑዳት'ዉን ይዕወቱ'ዮም። ኣቦ ወይ ኣደ ንበይኖም ዘዕብዩዎም ቖልዑ ግን መጻኢኦም ከመይ'ዩ ዝብል ሕቶ ጆርጅ፡
ንሓደ ቖልዓ ኣብ ገዛ ዝሕግዞ ሰብ የድልዮ'ዩ። ምስ አደ ወይ ኣቦ ዝነብሩ፡ ብፍላይ ክኣ እቶም ወለዲ ዝተምሃሩ እንተዘይኮይኖም ንደቆም ከመቲ ዝግባእ ክከታተሉዎምን ክሕግዙዎምን ስለዘይኽእሉ፡ እቶም ቆልዑት ይጽገሙ'ዮም።
" ቖልዓ ክኣ ብባህሪኡ ኣብ ትምህርቲ ጸወታ፣ ካብ መጽናዕቲ ክኣ ዝላን ጎልጎልን ስለዝፈቱ ዝከታተሎ ሰብ የድልዮ'ዩ" ብምባል፡ እቲ ምክልትታል ከኣ ብዓቕምን ፍላጥን ምስ ዝኸዉን'ዩ ዝያዳ ተመራጺ ይብል።
"ወለዲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ምዕባለታት ደቆም ክከታተሉን ክፈልጡን ኣለዎም"
ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ቖልዑ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዕድመ እንታይ ክፈልጡ ከምዘለዎም ዝገልጽ ዝተሰርዐ መሐበሪ ኣሎ። እቲ መጽናዕቲ ነዊሕ ዓመት ዝተኻየደ ኮይኑ ንመምሃራን ከም መምርሒ ዝተዉህበ'ዩ።
ገብረገርግስ መምህር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተወሃቦ መምርሒ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ብወለንትኡ ተርጒሙ ስድራቤታት ክመሃርሉ ንቢቢሲ ትግርኛ ሂቡ ኣሎ።
እቲ መጸዕናዕቲ ብ1975 ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ። እቲ መጽናዕቲ መምሃራን ነቶም ተማሃሮ መባእታ፡ ከመይ ክምህሩዎም ከምዘለዎም መሐበሪ'ዩ።
ሓደ ቖልዓ መባእታ ትምህርቲ ምስወድአ እንታይ'ዩ ክፈልጥ ዘለዎ'ዩ ዝብል እቲ መምርሒ።
ሎሚ ገብረገርግስ ምስ ስድራቤቱን ሓዳሩን ኣብ ብሪጣኒያ ይነብርን ብትምህርቲ ንዝግደሱ ደለይቲ ምኽሪ ብናጻ ሞያዊ ኣበርክትኡ ዘወፊ ህርኩት ኤርትራዊ'ዩ።
ኩሎም ፈለጥቱን ፈተዉቱን ክኣ በዚ ንትምህርቲ ዘለዎ ተገዳስነትን ፍልጠትን ምትሕብባርን ይንእዱዎም የመስግኑዎን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







