"ዝኾነ ይኹን ኣካል ኢትዮጵያ ናይ በይነይ እያ ክብል ኣይኽእልን" ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ጉባኤ ኢህወዴግ

መሪሕነት ኣርባዕትኤን ኣሓት ሰልፍታት (ውድባት) ኣብ ምቑራስ ኬክ

ምንጪ ስእሊ, Fitsum Arega twitter page

መግለጺ ስእሊ, መሪሕነት ኣርባዕትኤን ኣሓት ሰልፍታት (ውድባት) ኣብ ምቑራስ ኬክ

"ሃገራዊ ሓድነት ንኹለመዳያዊ ብልፅግና" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ዝጀመረ ጉባኤ ኢህወዴግ፡ ተወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት፣ ልኡኻት ፈተውቲ ሃገራትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣሳቲፉ'ሎ።

መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ኣቦመንበር ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ጉባኤ ንመፃኢ ኢትዮጵያ ዝውስን ከምዝኸውን ተዛሪቦም።

እቲ ግንባር ንዘጋጠምዎ ፀገማት ብጥንካረን ብሳይንሳዊ መንገድታትን ከምዝፈትሐ ዝተዛረቡ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር፡ "እዋናዊ ለውጢ ክነካይድ ንኽእል ህዝቢ ኣብ ጎንና ሒዝና ብመሪሕነት ኢህወዴግ እዩ" ድማ ኢሎም።

ሓድሽ ወለዶ ኣብ ክንዲ ኩልግዜ ዘማርርን ንሕሉፍ ወለዶ ዝወቕስን ንሕሉፍ ብምምስጋን ሰሰናዩ ብምውሳድ ክመሃር ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ መበል 11 ጉባኤ ዘረባ እናስምዑ

ምንጪ ስእሊ, EBC

"ምትኽኻእ ድማ ብትልሚ ዝተሓዝ ባህሊ ፖለቲካ'ምበር፡ ነንባዕልኻ ትጠፋፍአሉ ክስተት ከይኸውን ስርዓት ክሕዝ ምግባር ይግባእ" ክብሉ ተዛሪቦም።

ኢትዯጵያ ዘይምፍታው መሰል ከምዝኾነን ኣፀባቢቕካ ናብ ካልኦት ምስግጋር ግን ሓላፍነት ከምዝኾነ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ "እታ ሕዚ ዘላ ኢትዮጵያ ድማ ንዓና ክትመስል ዝተዳለወት'ያ" ኢሎም።

ትእምርቲ (ኣርማ) መበል 11 ጉባኤ ኢህወዴግ

ምንጪ ስእሊ, EPRDF FB

መግለጺ ስእሊ, ትእምርቲ (ኣርማ) መበል 11 ጉባኤ ኢህወዴግ

"ዝኾነ ይኹን ኣካል ኢትዮጵያ ናይ በይነይ እያ ክብል ኣይኽእልን" ብምባል፡ ብደምን ረሃፅን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዝተሃነፀት ሃገር ከምዝኾነት ኣረዲኦም።

እቲ ጉባኤ፡ ኢህወዴግ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንምግባር ዘኽእል ኣንፈት ከነፅር ትፅቢት ከምዝግበር'ውን ሓቢሮም።

ካብ ኣርባዕትአን ውድባት ብተወሳኺ ካልኦት ኢትዮጵያውያን እውን ኣብቲ ግምባር ተሓዊሶም ናብ መሪሕነት ዝመፁሉ ዕድል ከምዝፍጠር ገሊፆም።

ወሲኾም ድማ "እቲ ውድድር ምስ ዓለም እምበር ነንበዓልና ክኸውን የብሉን፤ ምስ ዓለም ክንወዳደር ከለና ከኣ ብምጥፍፋእ ዘይኮነስ ኩላህና እንርበሓላ ዓለም ንምፍጣር ብዝብል ክኸውን ይግባእ" ኢሎም።

ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ መበል 11 ጉባኤ ኢህወዴግ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ከምዝካየድ ተፈሊጡ'ሎ።