"ዝኾነ ይኹን ኣካል ኢትዮጵያ ናይ በይነይ እያ ክብል ኣይኽእልን" ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ጉባኤ ኢህወዴግ

ምንጪ ስእሊ, Fitsum Arega twitter page
"ሃገራዊ ሓድነት ንኹለመዳያዊ ብልፅግና" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ዝጀመረ ጉባኤ ኢህወዴግ፡ ተወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት፣ ልኡኻት ፈተውቲ ሃገራትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣሳቲፉ'ሎ።
መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ኣቦመንበር ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ጉባኤ ንመፃኢ ኢትዮጵያ ዝውስን ከምዝኸውን ተዛሪቦም።
እቲ ግንባር ንዘጋጠምዎ ፀገማት ብጥንካረን ብሳይንሳዊ መንገድታትን ከምዝፈትሐ ዝተዛረቡ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር፡ "እዋናዊ ለውጢ ክነካይድ ንኽእል ህዝቢ ኣብ ጎንና ሒዝና ብመሪሕነት ኢህወዴግ እዩ" ድማ ኢሎም።
ሓድሽ ወለዶ ኣብ ክንዲ ኩልግዜ ዘማርርን ንሕሉፍ ወለዶ ዝወቕስን ንሕሉፍ ብምምስጋን ሰሰናዩ ብምውሳድ ክመሃር ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, EBC
"ምትኽኻእ ድማ ብትልሚ ዝተሓዝ ባህሊ ፖለቲካ'ምበር፡ ነንባዕልኻ ትጠፋፍአሉ ክስተት ከይኸውን ስርዓት ክሕዝ ምግባር ይግባእ" ክብሉ ተዛሪቦም።
ኢትዯጵያ ዘይምፍታው መሰል ከምዝኾነን ኣፀባቢቕካ ናብ ካልኦት ምስግጋር ግን ሓላፍነት ከምዝኾነ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ "እታ ሕዚ ዘላ ኢትዮጵያ ድማ ንዓና ክትመስል ዝተዳለወት'ያ" ኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, EPRDF FB
"ዝኾነ ይኹን ኣካል ኢትዮጵያ ናይ በይነይ እያ ክብል ኣይኽእልን" ብምባል፡ ብደምን ረሃፅን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዝተሃነፀት ሃገር ከምዝኾነት ኣረዲኦም።
እቲ ጉባኤ፡ ኢህወዴግ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንምግባር ዘኽእል ኣንፈት ከነፅር ትፅቢት ከምዝግበር'ውን ሓቢሮም።
ካብ ኣርባዕትአን ውድባት ብተወሳኺ ካልኦት ኢትዮጵያውያን እውን ኣብቲ ግምባር ተሓዊሶም ናብ መሪሕነት ዝመፁሉ ዕድል ከምዝፍጠር ገሊፆም።
ወሲኾም ድማ "እቲ ውድድር ምስ ዓለም እምበር ነንበዓልና ክኸውን የብሉን፤ ምስ ዓለም ክንወዳደር ከለና ከኣ ብምጥፍፋእ ዘይኮነስ ኩላህና እንርበሓላ ዓለም ንምፍጣር ብዝብል ክኸውን ይግባእ" ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ መበል 11 ጉባኤ ኢህወዴግ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ከምዝካየድ ተፈሊጡ'ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







