ሰልፊ ተቓውሞ ተሓለቕቲ ልዕልና ጸዓዱ ኣብ ቅድሚ ዋይት ሃውስ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ተሓለቕቲ ልዕልና ጸዓዱ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ቅድሚ ዋይት ሃውስ (ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ) ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም። እንተኾነ ግን ብዝሒ ብዘለዎም ኣንጻሮም ዝተላዕሉ ካልኦት ሰልፈኛታት ተዓብሊሎም።
ኣስታት 20 ዝኾኑ ደገፍቲ ናይ`ቶም ንልዕልና ጸዓዱ ዝሕለቑ የማናውያን ኣብ`ቲ ሰልፊ ተሳቲፎም። እዚ ሰልፊ`ዚ ሓደ ዓመት ድሕሪ`ቲ ህይወት ሓደ ሰብ ዝቐዘፈ ኣብ ሻሎትቪል ናይ ቪርጂኒያ ዘጋጠመ ዕግርግር`ዩ ተኻይዱ።
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ንዕኦም ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ድማ ናይ ባዕሎም ሰልፊ ብምውዳብ ንዓሌታውነትን ዕብለላ ጸዓዱን ኮኒኖም።
ብዝሒ ዝነበሮም ኣባላት ፖሊስ ግን ኣብ መንጎ`ቶም ክልተ ወገናት ኮይኖም ካብ ግጭት ኣድሒኖሞም።
ኣስታት 400 ሰባት ኣብ`ቲ `ዩናይት ዘ ራይት 2` ዝተሰምየ ሰልፊ ክሳተፉ`ኳ ትጽቢት እንተነበር፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ`ቲ ቦታ ዝተረኽቡ ሰባት ግን ጥቕኡ`ውን ኣይቀረበ።
እቶም ተሓለቕቲ ልዕልና ጸዓዱ ብፖሊስ ተዓጂቦም ናብ`ቲ ኣብ ቅድሚ ዋይት ሃውስ ዝርከብ ላፋይት ስኴር በጺሖም።
በብዝሓለፍዎ ጎደናታት `ነውራማት` `ካብ`ዚ ከተማና ውጹ` ኢሎም ብዝጻረፉ ብዙሕ ቁጽሪ ብዝነበሮም ኣንጻሮም ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ድማ ይጽረፉን ይዝለፉን ነይሮም።
ጽኑዕ ሓለዋ ጸጥታ ግን ነይሩ፡ ኣብ`ቲ ቦታ ተተኮስቲ ከይኣትዉ ድማ ተኸልኪሉ ነይሩ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ዝናብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ሰዓታት ኣብቂዑ፡ ደገፍቲ ድማ ብኽልተ ናይ ፖሊስ መካይን ተዓጂቦም ካብ`ቲ ቦታ ወጺኦም።
እንተኾነ ግን ብዙሕ ቁጽሪ ዝነበሮም ንልዕልና ጸዓዱ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ፍሪዶም ፕላዛ ተኣኪቦም ኣርማታት ኣምበልቢሎምን ጨዲሮም።
ዓሌታዊ መልእኽቲ ጥሒሉ
ንኹሉ ተዘክሮታት ነቲ ዓሚ ዘጋጠመ ጎነጻዊ ግጭት ዘለዎ ሰብ እፎይታ ብዝህብ መንገዲ፡ ክልቲኡ ሰልፍታት ብሰላም ተፈጺሙ።
እቶም ክልተ ሸነኻት ኣዝዮም ንኽረሓሓቑ ፖሊስ ኣዝዮም ጽዒቶም`ዮም። ሎሚ ኣዝዩ ጎሊሑ ዝተራእየ ነገር እንተነይሩ፡ ዓሌታዊ መልእኽቲ ሓቀኛ ብዝኾነ መንገዲ ምጥሓሉ`ዩ ኢሉ ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ዋሺንግተን ራጂኒ ቫይድያናታን።
እቲ ዓሚ ኣብ ሻሎትቪል ዝተገብረ ሰልፊ ናይ ደገፍቲ ዕብለላ ጸዓዱ ኣብ ኣሜሪካ፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተኻየደ ዝዓበየ ሰልፊ`ዩ ነይሩ።
እቲ ሰልፊ ኣንጻር ውጥን ምፍራስ ሓወልቲ ናይ ሓደ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ኣሜሪካ ንባርነት ጸለምቲ ደጊፉ ዝተዋግአ ጀነራል ስዒቡ`ዩ ተኻይዱ ነይሩ።
ሓደ ደጋፊ ናዚ ዝኾነ ሰብ ብመኪንኡ ንሂሩ ናብ`ቲ ደገፍቲ ሰልፊ ኣንጻር ልዕልና ጸዓዱ ዝነበርዎ ቦታ ምስ ኣተወ`ኸአ ሂተር ሀየር ዝተባህለ ወዲ 32 ዓመት ተቐቲሉ። ብደርዘናት ዝቑጸሩ ካልኦት ድማ ኣብ`ቲ ዕግርግር ተጎዲኦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







