ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሆንዱራስ ላቲን ኣሜሪካ ተታሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሽዱሽተ ኤርትራውያ ዝርከብዎም ስደተኛታት ብናይ ጸጥታ ሓይልታት ሃገረ ሆንዱራስ ከም ዝተታሕዙ ማዕከናት ዜና'ቲ ከባቢ ሓቢረን።
እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘምርሑ ዝነበሩ ከምዝኽእሉ ይግመት።
ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሆንዱራስ ኮነ ካልኦት ናይ ደቡባውን ላቲንን ኣሜሪካ ሃገራት ክእሰሩ ልሙድ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ከም ብራዚል፡ ኮሎምቢያ፡ ፓናማ፡ ኮስታሪካ፡ ኤልሳ ልቫዶር፡ ጓቴማላን ሜክስኮን፡ ኣብ በበይኑ እዋናት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ካበ ዝተፋላለዩ ከባቢታት ዓለም ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ጸኒሖም'ዮም።
እቲ ናይ ወዳእታ ክበጸሕዎ ዝደልዩ፡ ሃገረ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክኸውን እንከሎ፡ ሓሓሊፉ'ውን ንካናዳ ዝኣትዉ እውን ኣለዉ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







