ሞት ኢንጂኒር ስመኘዉ በቀለ ስዒቡ ኣብ ከተማ ጎንደር ረብሻ ተላዒሉ

ኢንጂነር ስመኘዉ በቀለ ዝተረኸበሉ መኪና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብምኽንያት ሞት ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢኒጂነር ስመኘዉ በቀለ ኣብ ከማ ጎንደር ረብሻ ከምዝነበረ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ቀባ ተባበል ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ዘይምርግጋእ "ምኽንያት ሞት እቲ ኢንጅነር ዝኾኑ ሰባት ናብ ፍርዲ ይቕረቡ" ብዝብል ዝተልዓለ እንትኸውን ትማሊ ሓንቲ ኣዉቶብስ ሰላም ባስ ከምዝተቃጸለት እቲ ከንቲባ ሓቢሩ።

እንተኾነ ግና ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሐ ዝበጽሐ ጉድኣት'ኳ እንተዘይሃለወ ኣብቲ ሰልፊ ዝተካደሉ ከባቢ ሓደ ድንኳን መጥቃዕቲ በጺሑ'ዩ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ዜጋታቱ ናብ ጎንደር ከይጉዓዙ ናይ ጉዕዞ እግድ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ከንቲባ ብወገኑ፤ ብድሕሪት "ዘይተፈቐደን በዓል ዋና ዘይብሉን" ክብል ኣብ ዝገለጾ ሰልፊ ዘለዉ ሰባት ከምዘይተፈለጡ ሓቢሩ።

"ትማሊ ዝነበረ ኩነታት ኢንጅነር ስመኘዉ ኣብዚ ከባቢ ተወሊዱ ዝዓበየ ብምዃኑ፡ ሓዘን ንምግላፅ እምበር ካልእ አይነበረን። ኮይኑ ግና እቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ጎንደር ንምዝራግ ዝደልዩ ክጥቀምሉ ፈቲኖም'ዮም" ይብል።

ብዙሓት ማሕበራዊ ሚዲያ ብቲ ረብሻ ዝተጎድኡ ሰባት፣ ዝዓነወ ንብረት ከምኡ'ዉን ዕለታዊ ምንቅስቃስ ከምዝተኣጓጎለ ይገልጹ ኣለዉ።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተተ ከንቲባ እታ ከተማ ዝተጎድአ ሰብ ከምዘየለን፡ ካብ ሓደ ድንኳን ወጻኢ ኣብ ካልእ ንብረት ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለን ገሊጹ።