ቀብሪ ኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ ንሓደ ጅግና ብዝግባእ ክብሪ ክፍጸም'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስነስርዓት ቀብሪ ኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ፡ ንሓደ ጀግና ብዝግባእ ኣገባብ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ከም ዝፍጸም ሃገራዊ ኮሚቴ ስርዓተቀብሪ ኣፍሊጡ።
ትማሊ ኣብ መኪንኡ ሞይቱ ዝተረኸበ ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ፡ ኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ፡ ናይ ጀግና መሰነይታ ክግበረሉ ምድላዉ ይግበር'ሎ።
ሎም መዓልቲ ስነ ስርዓት ቀብሩ ክፍጸም'ዩ ተባሂሉ'ኳ እንተነበረ፡ ትማሊ ምሸት እዚ መደብ ተሰሪዙ ብደረጃ መንግስቲ ሰንበት 29 ሓምለ ሰዓት ሓደ ናይ ቀትሪ (22 ሓምለ ሰዓት 7 ብኢትዮጵያ) ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ንኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ ብኽብሪ ንምዕራፍ ምድላዉ ይግበር ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ስለሺ በቀለ ዝምራሕን ፖሊስ ፌደራል፣ ምክልኻል ሃገርን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ዘካተተ ኮሚቴ ተጣይሹ፤ ነቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንምዉጋን ምድላዉ ይግበር ከምዘሎ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ግድብ ሕዳሰ ኣቶ ሃይሉ ኣብርሃም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







