ኣርጀንቲና ብምኽንያት ጎንፂ ጋዛ፡ ምስ እስራኤል ዝነበራ ምሕዝነታዊ ፀዋታ ሰሪዛ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣርጀንቲና ንዋንጫ ዓለም ኣብ እትገብሮ ምድላው ምስ እስራኤል ምሕዝነታዊ ፀዋታ ንምክያድ መደብ ነይርዋ። ይኹን ዳኣ'ምበር ብምኽንያት እቲ ምስ ፍልስጤም ዘሎ ጎንፂ ከምዝሰረዘቶ ተገሊፁ።
ኣጥቃዓይ እታ ሃገራዊት ጋንታ፡ ጎንዛሎ ሂጉወይን፡ ትማሊ ሰሉስ ንናይ ሰፖርት መደበር ቴሌቪዥን ኢ ኤስ ፒ ኤን (ESPN) ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እቲ ፀዋታ ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።
"ኣብ መወዳእታ ነቲ ትኽክለኛ ውሳነ ወሲኖም" ክብል ኣብቲ ቃለ-መሕትት ተዛሪቡ።
ኣብ ኣርጀንቲና ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል'ውን እቲ ምሕዝነታዊ ፀዋታ ከምዝተሰረዘ ኣብ ትዊተሩ ኣረጋጊፁ።
ዝወፁ ፀብፃባት ከምዝሕብረዎ ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ናብ ፕረዚደንት ኣርጀንቲና ማውሪስዮ ማክሪ ስልኪ ደዊሎም እቲ ኣብ እየሩሳሌም ክካየድ ዝተሓሰበ ፀዋታ ክካየድ ሓቲቶም'ዮም።
እቲ ፀዋታ ምስራዙ ኣብ ጋዛ ሓጎስ ክፈጥር ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ፍሊስጤም፡ እቲ ፀዋታ ብምስራዙ ንኣርጀንቲናዊ ኣጥቃዓይ ሊዮኔል መሲን ካልኦት ተፃወትቲን ኣመስጊኑ።
ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ጂብሪል ራጁብ "ክብርታት፣ ሞራልን ስፖርትን ሎሚ መዓልቲ ተዓዊቶም" ክብሉ ንሮይተርስ ተዛሪቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







