ስዑዲ ዓረብ ኢትዮጵያውያን እሱራት ክትፈትሕ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሃገሩ ዘለው ኢትዮጵያውያን እሱራት ንምፍታሕ ቅሩብ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን መንገስቲ ከምዘፍለጦ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲኡ ንዝርከቡ ኢትዯጵያውያን እሱራት ንኽፈትሕ ድልዉነቱ ኣረጋጊፁ'ሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብመሰረት ካብ ንጉስ ሰልማን ቢን አብዱላዚዝ ሳውድ ዝቐረበሎም ዕድመ ኣብታ ሃገር ዑደት እናካየዱ'ዮም።
ቅድሚ ሰሙናት ናብ ሱዳንን ኬንያን ኣብ ዝገበርዎ ምብፃሕ፡ ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ኢትዮጵያውን እሱራት ንምፍታሕ ብዝተበፅሐ ምርድዳእ፡ ብዙሓት ከምዝተፈትሑ ይዝከር።
መረዳእታታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ልዕሊ 100 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ብዘይ ሕጋዊ ፈፍቓድ ይነብሩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







