ዜና ዕረፍቲ፡ ግርማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት

ንግስቲ ኤልሳቤጥ II ብ1966 ብዮሱፍ ካርሽ

ምንጪ ስእሊ, Yousuf Karsh / Camera Press

ቀንዲ መለለዪ ናይቲ ነዊሕ ዘመነ-ንግስነት ንግስቲ ኤሳቤጥ ዳግማዊት፡ እቲ ሓያል ርድኢት ሓላፍነተን ኰነ ቆራጽነተን: ህይወተን ንዙፋንን ንህዝበንን ዘበርከትኦ ተወፋይነት'ዩ።

ንንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዋላ'ውን ኣብ እዋን ሽግር፡ ኣብ ምክንኻኑ ዝተጐናጸፍኦ ዓወት ዓቢ'ዩ። ይዅን'ምበር ኣማጽእአን ብርቂ ዝገበሮ ምኽንያት ምስ ተወለዳ ኣብ ንግስነት መጺአን እቲ ዙፋን ከኣ ዕጫአን ክኸውን'ዩ ኢሉ ኣቐዲሙ ዝተገንዘበ ሰብ ከቶ ኣይነበረን።

ኤልሳቤጥ ኣለክሳንድራ መሪ ዊንድሰር፡ ኣብ ለንደን ብ 21 ሚያዝያ 1926 'የን ተወሊደን።

ንሰን ቦዅሪ-ጓል ኣልበርት፡ መስፍን ናይ ዮርክ እየን - ማለት ካልኣይ ወዱ ንንጉስ ጆርጅ ሓሙሻይ። ኣዲአን ድማ እተን ኣቐዲመን ብእመቤት ኤልሳቤጥ ቦወስ-ልዮን ዝፍለጣ'የን።

ልዕልቲ ኤልሳቤጥ ምስ ወለዳ ኣብ ስነ-ስርዓት ጥምቀታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህጻን ኤልሳቤጥ ምስ ወለዳ ኣብ መዓልቲ ጥምቀታ

ኤልሳቤጥ ኰና ማርገረት ሮዝ፡ እተን ብ1930 ዝተወልዳ ንእሽቶ ሓብተን፡ ኣብ ቤተን ኰይነን'የን ተማሂረን።

ምእንቲ ምስ ካልኦት መዛኑአን ኣዋልድ እናተራኸባ ክዓብያ ድማ፡ ሓደ ፍሉይ ብ"መራሕ-ኣዋልድ" (ገርል-ጋይድ) ዝፍለጥ ማሕበር ደቂ'ንስትዮ - ምስ ኣህጕራዊ ምንቅስቓስ ስካውት ዝተኣሳሰረ ማሕበር - ኣብ ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ተተኽለ።

ካብ ብንእሽትአን ጀሚሩ፡ ኤልሳቤጥ ጉሉሕ ምርዳእ ሓላፍነት የርእያ ከም ዝነበራ ይንገረለን።

ዊኒስተን ቸርቺል፡ ድሒሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝዀነ፡ ብዛዕብአን ከምዚ ዝስዕብ ከም ዝበለ ይንገረሉ፡ - "ኣብ ማንም ቆልዓ ዘይርአ ፍሉይ ግርማዊ መዚ ነይሩወን"።

ልዕልቲ ኤልሳቤጥ ብንእሽቶ ሓፍታ ልዕልቲ ማርጋሬት ሮዝ ተሰንያ ንመጀመርታ እዋን ኣብ 12 ጥቅምቲ 1940 ኣብ ለንደን ናይ ሬድዮ መልእኽቲ ከተቃልሕ እንከላ
መግለጺ ስእሊ, ልዕልቲ ኤልሳቤጥን (የማን) ልዕልቲ ማርጋሬትን ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም መልእኽተን ብሬድዮ እንናመሓላለፋ

እናገደደ ዝኸደ ወጥሪ

ብ1936 ፣ ንጉስ ጆርጅ ሓሙሻይ ኣብ ዝሞቱሉ እዋን፡ ቦኽሪ ወዶም - ደይቪድ - ኤድዋርድ ሻሙናይ ዝብል ንጉሳዊ ስም ለቢሶም ኣብ ንግስነት መጹ።

ይዅን'ምበር፡ እቶም ንጉስ በዓልቲ-ቤቶም ንክኾና ዝመረጽወን ሰብ ኣብቲ ማሕበረ-ሰብ ንግስነት ኣማታኢ ጕዳይ ኰነ።

በዓልቲ ቤቶም - ኣሜሪካዊት ዋሊስ ስምፕሶን - ፍትሕቲ ስለ ዝነበራ ብፖለቲካውን ሃይማኖታውን ሸነኻት ቅብልቲ ኣይነበራን።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ድማ ንጉሳዊ ስልጣኖም ለቐቑ።

ኣልበርት፡ መስፍን ናይ ዮርክ፡ ብዘይ ድልየቶም ጆርጅ 6ይ ዝብል ንጉሳዊ ስም ለቢሶም ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዀኑ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበረ ናዕቢ ንዅነታቶም ይህውኽ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሓድሽ ንጉስ፡ ምስ በዓልቲ ቤቶም ንግስቲ ኤልሳቤጥ (ኣዲአን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ማለት'ዩ) ከይኖም ህዝቢ ኣብ ንግስነት ዝነበሮ እምነት ንኽምለስ ጸዓሩ።

እቲ ዘርኣይዎ ኣርኣያነት ድማ ኣብ ቦኽሪ ጓሎም ዓሰለ።

ኣብ 1939፡ እታ 13 ዓመት ዝዕድሚኣ ንግስቲ ንኣቦኣን ኣዲኣን ናብ "ሮያል ነይቫል ኮለጅ" / ዘውዳዊ ኮለጅ ሓይሊ-ባሕሪ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ኣሰነየቶም። ኣብኡ ንኤልሳቤጥን ማርጋረትን፡ ንእሽቶ ሓፍታ፡ ብሓደ ካደት ተዓጂበን ኣተዋ - ብልኡል ፊሊፕ ናይ ግሪኽ።

እቲ ሽዑ ዘውዲ ንግስነት ዝደፍአ ንጉስ ጆርጅ 5ይን ንግስቲ ኤልሳቤጥን ምስ ልዕልቲ ኤልሳቤጥን ማርጋሬትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልዕልቲ ኤልሳቤጥ ምስ ወለዳን ምስ ንእሽቶ ሓፍታ ማርጋሬትን ኣብ እዋን ናይቲ 'ኣዝዩ ግሩም' ዝነበረ ናይ ኣቦኣ ኣብ ዙፋን ምምጻእ ጽምብል

መሰናኽላት

ምስ ልኡል ፊሊፕ ንመጀመርታ እዋን ኣይኰኑን ተራኺቦም፣ ግናኸ ንመጀመርታ እዋን ተገዳስነት ዘርኣያሉ እዋን ነበረ።

ልኡል ፊሊፕ፡ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ንዕረፍቲ ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ብንጉሳውያን ቤተ-ሰብ ኣቢሉ ብውግዒ ብዛዕባ ኤልሳቤጥ ክሓትት ጀመረ።

ኣብ 1944፡ ኤልሳቤጥ፡ 18 ዓመት ምስ መልአት፡ ፍቕራ ከተግህዶ ጀመረት። ስእልታቱ ኣብ መደቀሲኣ ብምሕባእን፣ ብምስጢር'ውን ደብዳቤታት ይለዋወጡ ነበሩ።

ኣብ ኣጋ ምውዳእ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ጐርዞ ኤልሳቤጥ ኣብ "ተወሳኺ ግዝኣታዊ ኣገልግሎት" (ኦክዚለሪ ተሪቶርያል ሰርቪስ) ብምእታው ምዝዋር ዓባይ ማኪና ተማህረት።

ድሕሪ'ቲ ዉግእ ንልኡል ፊሊፕ ንምምርዓው ዝነበራ ድልየት ሓደ-ሓደ ሽግራት ዓገቱዎ።

መርዓ ልዕልቲ ኤልሳቤጥን ንፊሊፕ ማውንትባተንን

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ልዕልቲ ኤልሳቤጥ ንፊሊፕ ማውንትባተን ዝተመርዓወትሉ መዓልቲ ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሰፊኑ ዝነበረ ጸሊም ደበና ዝቐንጠጠ ህሞት'ዩ ነይሩ

እቲ ንጉስ ነታ ኣሐንቂቖም ዘዕበይዋ ጓሎም ንሓደ ንኸመርዕዉዋ ሰገጥ በሉ፡ ልዑል ፊሊፕ ግዳይ ቅድም-ፈረድ ንጉሳዊ ትካል ኰኑ - እቲ ምኽንያት ድማ ናይ ወጻኢ ትውልዲ ስለ ዝነበሮ እዩ።

ሞት ኣቦ

እቲ ድልየት ናይ ክልቲኦም ሓያል ስለ ዝነበረ ነቲ መሳናኽል ዓብለሎ - ብ20 ሕዳር 1947 ድማ ኣብ ዌስትሚኒስተር-ኣቢ ተመርዓዉ።

ልኡል ፊሊፕ፡ መስፍን-አዲንብራ ዚብል መጸዋዕታ ተቐበሉ፣ ኣገልግሎቶም፡ ከም መኰነን ሓይሊ ባሕሪ ግን ቀጸለ።

ንሓጺር እዋን፡ ብዉሑዱ፡ እቶም መርዓዊ ኣብ ማልታ ተመዲቦምሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ምስ መርዓቶም በይኖም ኰይኖም ብመጠኑ ናይ ተራ ሰብ ናብራ ከስተማቕርዎ ከኣሉ።

ቻርለስ፡ እቲ ቦኽሪ ወዶም፡ ኣብ 1948 ተወልደ፣ ብድሕሪኡ ኣን ጓሎም ኣብ 1950 ተወልደት።

እቶም ንጉስ፡ ኣቦ ኤልሳቤጥ ግን፡ ብግዜ ውግእ ኣዝዮም ሓጸልጸል ኢሎም ስለ ዝነበሩ፡ ብቐጻሊ ምትካኽ ሽጋራ ዝመጸ ዘይምሕር ሕማም መንሽሮ ሳንቡእ ይሳቐዩ ነበሩ።

ብጥሪ 1952፡ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ 25 ዕድሜኣ፡ ምስ በዓል ቤታ ንኣቦኣ ብምውካል ንዑደት ንወጻኢ ገይሻ።

ኣብ ኬንያ ኣብ ሓደ ሕዛእቲ-ሃድን ከለዋ ሞት ኣቦአን ተርድኣ፡ ብኡ-ንብኡ ሓዳስ ንግስቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ኰይነን ንለንደን ክምለሳ ተገደዳ።

ኣውትራልያን ኒውዘላንድን

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዘውዲ ዝደፍኣትሉ መዓልቲ ኣብ 1953

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ተለቪዢን ብቐጥታ ዝተመሓለፈ ጽንብል ምድፋእ ዘውዲ ናይታ ንግስቲ

ብወርሒ ሰነ 1953፡ ኣብቲ ዘውዲ ዝደፍኣሉ እዋን ብተሌቪዥን ተቓልሐ - ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ዙርያ ተለቪዥን ኰይኖም፡ ገሊኦም ንመጀመርታ ጊዜ፡ ነቲ ከም ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ዝገበርኦ ፍጻሜ-ማሕላ ተኸታተልዎ።

ካልኣይ ዉግእ ዓለም ንብሪጣንያዊ -ኤምበራጦርያ ኣብ ምውድኡ ገጹ ስለ ዝኸደ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኮሞንወልዝ ሃገራት - ገሊአን'ኳ ድሮ ናጽነተን ተጓናጺፈን ነይረን'የን - ካብ ሕዳር 1953 ጀሚረን ዑደት ፈጸማ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዑደት ፈጸማ - ብግምት ሰለስተ-ርብዒ ህዝቢ ኣውስትራልያ ብኣካል ንኽርእዩወንን ክቕበልወንን ወጹ።

ኣብ 1950'ታት ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ግዝኣትን ቍጽጽርን ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበራ ሓደ-ብሓደ ባንዴራ እንግሊዝ ከውርዳ ጀመራ፣ ከም ሓደ ስድራ-ቤት ከኣ ሓድሽ ማሕበር ብፍቓደን ኣቖማ።

ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ እቲ ሓድሽ ማሕበር 'ኮሞንወልዝ' ነቲ ሽዑ መልክዕ ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ሕብረት ሒዙ ክበቍል ዝጀመረ ማሕበር ዚምክት ዓቕሚ፡ ዋላ'ኳ ብመጠኑ ይዅን፡ ክህልዎ ይኽእል'ዩ ኢሎም ብምሕሳብ ፖሊሲታት ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ክፍለ-ዓለም ኤውሮጳ ከም ዘልግስ ገበሩ።

ጽልዋ ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ ብናይ 1956 ሕንፍሽፍሽ ስዊዝ ምንቍልቋል ክቀላጠፍ ጀመረ።

ብጕዳይ መትርብ ስዊዝ ዝተበገሰ፡ ሃገራውነት ግብጺ ንምቍጽጻር ዝተወስደ ስጕምቲ - ወተሃደራት ብሪጣንያ ንግብጺ ምስዳድ ዝተወስደ ዉሳኔ ብምንስሓብ ስለ ዝፈሸለ፡ ብስንብታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኢድን ተሰነየ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥን ልዑል ፊሊፕን ምስ ፕረዚደንት ኣይሰንኣወርን በዓልቲ ቤቱን ኣብ 1957

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሕቡራት ኣሜሪካ ኣብ 1957 ዝገበረቶ ምብጻሕ ሓደ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝገበረቶ ዑደት'ዩ ነይሩ

ምስ ጊዜ ምጕዓዝ

ኣብ መወዳእታ 1960'ታት ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ሓደስቲ ስጕምትታት ንምትእትታው ተበገሰት።

እቲ እናሓደረ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ እናተባህለ ክጽዋዕ ዝጀመረ ክቱር ወግዓውነት ንግስነት ንምፍኳስ ለውጥታት ምትእትታው ጀመረ።

እቲ ዉጽኢት ናይዚ ተበግሶ ብሓድሽ ነግሒ ዝቐደደ ኣቀራርባ፡ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ዘርእስቱ ፊልም ተቐርጸ።

ቢቢሲ ንቤተ-ሰብ ዊንሰር ኣብ ቤቶም ዉሽጢ ብምእታው ክስእል ከኣለ። እቲ ቤተ-ሰብ ኣብ ግዳም ስጋ እናጠበሱ፡ ገረብ-ልደት እናሰለሙ፡ ንቈልዑ ብመኪና ከበጻጽሑ - ስርሓት ተራ ሰባት ክሰርሑ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምርኢት ኰነ።

ብ1977፡ ብእዋን ብሩራዊ ኢዮበልዩ- ንዝኽሪ መበል 25'ዊ ዓመት ንግስነት ንግስቲ ኤልሳቤጥ - ብዉዕዉዕ ስምዒት ዝመልኦ ናይ ጽርግያ በዓላት ይዅን ብኣብ ፈቐድኡ ዝተኻየዱ ጽንብላት ተኸቢሩ ወዓለ።

ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ናይ ህዝቢ ፍቕሪ ምስኦም ምህላዉ ብምፍላጥ ቀሰኑ - ምንጪ ናይቲ ፍቕሪ'ቲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምዃነን'ውን ተራእየ።

ሓደ ክፋል ናይቲ 'ሮያል ፋሚሊ' ዝብል ፊልም
መግለጺ ስእሊ, እታ 'ሮያል ፋሚሊ' ('ንጉሳዊ ቤተሰብ') እትብል ሰነዳዊት ፊልም ብድሕሪ'ቲ ወግዓዊ ገጽ ዘሎ ሂወት ናይ ንጉሳዊ ቤተሰብ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ኣንጸባሪቕዎ'ዩ

ክልተ ዓመት ጸኒሑ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብፋላመይቲ ጓል'ንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚንስተር ተቦኰረት።

ኰይኑ ግን ሓድ-ሓደ እዋን ርክባት ናይ ክልቲአን- መራሒት መንግስትን መራሒት ሃገርን - ምዕሩይ ከም ዘይነበረ ይዝረበሉ ነበረ።

እቲ ምንጪ ናይቲ ጸገም ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሓላፊት ናይ ኮሞንወልዝ ስለ ዝነበራ ንስርሐን ዉፍይቲ፡ ንዅሎም መራሕቲ ኣፍሪቃ ኸኣ ብቀረባ ስለ ዝፈልጣኦም ሽግሮም'ውን ይርድአን ነበረ።

ናይ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ታቸር ኣቃጫጭ ኰነ እቲ ተፋጣጢ ቅዲ ኣቀራርባ ይድንጽወን ነበረ፣ ብፍላይ'ኳ ታቸር ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌታዊት ደቡብ ኣፍሪቃ እተወስደ ማዕቀባዊ ስጕምቲ ብምጽራረን።

ካብ ዓመት ናብ ዓመት ናይ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ህዝባዊ ሓላፍነት ቀጸለ።

ድሕሪ ናይ 1991 ኲናት ወሽመጥ- መንግስቲ እንግሊዝ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምድጋፍ ኩዌት ሓራ ንምውጻእ ኣንጻር ዒራቕ ዝተኻፈልቶ ዉግእ - ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንኣሜሪካ ክበጽሓ ከዳ።

ኣብ ቅድሚ ናይ ሓባር ኣኼባ ባይቶ (ኮንግረስ) ኰይነን መደረ ኣስምዓ - እዚ ዝዀነሉ ካብ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ንመጀመርታ ጊዜ'ዩ ።

ፕረሲደንት ጆርጅ ቡሽ "ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዓርኪ ናጽነት ምዃነን ካብ ነዊሕ እዋን ኢና ንፈልጥ" ክብሉ ድማ ኣመጐስወን።

ጕዳም ነገራት

ቤተመንግስቲ ዊንድሶር ኣብ ጽባሕ ናይቲ ባርዕ

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቤተመንግስቲ ዊንድሶር ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ'ውን ነታ ዓመት ዝኸፍአት ክትከውን ግዲኡ ኣበርኪቱ'ዩ
White Line 1 Pixel

ዓመት ጸኒሑ ብተኸታታሊ ገለ-ገለ ዘጕህዩ ጕዳያትን ሃንደበታውያን ጸገማት ንንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ክነኽኦም ጀመረ።

ካልኣይ ወደን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ መስፍን ናይ ዮርክ፡ ካብ ብዓልቲ ቤቱ - ሳራ - ክፈላለዩ፡ ሓዳር ናይ ጓለን - ልዕልቲ ኣን - ካብ ሰብኣያ ማርክ ፊሊፕስ - ብፍትሕ ክፈላለዩ፡ ጸኒሑ ድማ ልዑልን ልዕልቲ ናይ ወይልስ 'ውን ሓዳሮም ተበተነ።

ኣብ ዉሽጢ'ቲ ዓመት እቲ ዝፈትወኦ መንበሪ ቤተን- ህንጻ ዊንሰር - ብሓዊ ተባርዐ።

እቲ ባርዕ ከም ሓደ ኣብ'ቲ ዉሽጢ ቤተ-መንግስቲ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ ዝእምት ምልክት ተወስደ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ድማ ሓደ ዓቢ ምፍሕፋሕ ዝነበሮ ክትዕ ተፈጥረ - ወጻኢታት ናይቲ ብባርዕ ዝዓነወ ህንጻ መን ይሸፍኖ - ገባራይዶ ወይ ንግስቲ ኤልሳቤጥ?

ንግስቲ ኤሳቤጥ ን1992 "ኣኑስ ሆሪቢልስ" - እቲ ዝኸፍአ ዓመት - ኢለን ሰምየንኦ። እቲ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ፡ ኣብ ክንዲ ኣደዳ ተጻራሪ መድያ ዝኸውን፡ ንህዝቢ ምኽፋቱ ከም ብሓይሽ ተገንዘባ።

ባኪንግሃም ፓላስ ንበጻሕቲ ከም ዝኽፈት ተገብረ - እቲ እትዋቱ ድማ ንመዐረዪ ህንጻ-ዊንሰር ክኸውን ተወሰነ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥን ወደን፡ ልኡል ቻርለስ - ወራስ-ዓራት - ካብ ኣታዊ-ወፍሪ ቀረጽ ከም ዝኸፍሉ ኸኣ ተሓበረ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብቲ ኣብ ፐርዝ ኣውስትራልያ ዝተጋበአ ናይ 2011 ኣኼባ መራሕቲ መንግስታት ኮመንዌልዝ እናተሳተፈት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ምሉእ ዘመን ንግስነታ ንኮመንዌልዝ ዘለዋ ደገፍ ፈጺሙ ኣይተለወጠን።

ኣብ ግዳማዊ ስርሓት፡ እቲ ኣብ ዘመነ-መግዛእተን ንኮሞንወልዝ ተነቢሩሉ ዝነበረ ልዑል ትጽቢት ከም ዝድለ ኣይኰነን፣ ዓባይ ብሪጣንያ ነቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኽታ- ንሃገራት ኤውሮጳ ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ንምግባር: ሕቘኣ ሃበቶም ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ግን ጥቕሚ ኮሞንወልዝ ካብ ሓሳበን ኣይውጽእኦን፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኣፓርታይድ ምስ ሓኸኽዎ ኣዝየን ተደሰታ።

ነቲ ጕዳይ ንምብዓሉ ድማ ብመጋቢት 1995 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዑደት ፈጸማ።

ሞት ዳያና - ልእልቲ ናይ ወይልስ

እታ ንግስትን ልዑል ፊሊፕን ንዝኽሪ ሞት ልዕልቲ ዳያና ዝተኾመረ ዕንባባታት እንናተዓዘቡ

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ድሕሪ ሞት ናይታ ልዕልቲ ዌልስ ዝነበረት ዳያና ብዙሕ ነቔፈታ በጺሑዋ'ዩ

ዳያና፡ ልእልቲ ወይልስ ብነሓሰ 1997 ኣብ ፓሪስ ብናይ መኪና ሓደጋ ምስ ሞተት ዝገደደ ሽግር ተረኽበ፣ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካብ ህዝቢ ክሲ ቀረበ።

ህዝቢ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ዕጉግ ኢሉ፡ ዕንባባ ንዝኽሪ መዋቲት ከፍስስ ክርአ ንግስቲ ኤሳቤጥ ግን ቅልጥፍ ኢለን ኣይተራእያን - መብዝሕትኡ እዋን ከምዚ ዓይነት ሓዘን ክርከብ ህዝቢ ናብአን ስለ ዘተኵር ከም ቀደመን ኣብ ቦትአን፡ ኣብ ቅድሚት ኰይነን ክመርሓ ኣይተረኽባን።

ጸኒሐን ብቀጥታ ዝተፈነወ ንዝኽሪ ሰበይቲ ወደን ድማ መልእኽቲ ኣቕረባ፡ ስድራ-ቤተን ከኣ ንከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ግብራዊ መልሲ ንኸተኣታቱ መብጽዓ ኣተዋ።

ሓዘንን ጽምብልን

ግርማዊት ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ለንድን፡ ቅዱስ ጳውሎስ ካቴድራል ድሕሪ ቅዳሴ ካብ ደጋፊ ንግስነት ቴሪ ሃት ንኽብሪ መበል 80 ዕለተ ልደታ ዕታር ዕንባባ እንናተቐበለት

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ህቡብነታ ከይጎደለ'ዩ ቀጺሉ

ኣብ 2002 ኣዲአን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ (ንግስቲ ዓባይ) ከምኡ'ውን ልእልቲ ማርጋረት ስለ ዝሞታ ነቲ ኣብቲ ዓመት'ቲ ተወሲኑ ዝነበረ ናይ ኢዩበልያዊ ጽንብል - መበል 50 ዓመት ንግስናአን - ደኰኖ።

ይዅን'ምበር፡ ዋላ'ኳ እቲ ደጋጊሙ ዝለዓል ክትዕ - መጻኢ ንግስነት - ኣብ ቦትኡ ሃልዩ ንኢዩበልዩ ንግስቲ ኤሳቤጥ ንኸብዕሉ ሓደ ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ቅድሚ ባኪንግሃም ፓላስ ተኣከቡ።

ብሕዳር 2007 ንግስቲ ኤልሳቤጥን ሰብኣየን ልኡል ፊሊፕን፡ መበል 60 ዓመት መርዕኦም ኣብዓሉ። ብሚያዝያ 2011 ድማ መርዓ ወዲ-ወደን፡ መስፍን ናይ ከይምብሪጅ፡ ምስ ካተሪን ሚድልተን፡ ኣብዓላ።

ብ2012 ብእዋን ኣልማዛዊ ኢዮበልዩ - ኣብ ንግስና ዝመጻሉ - ብርክት ዝበሉ ጽንብላት ተኻየዱ።

ብመስከረም 2014፡ ስኮትላንድ ናጽነታ ንምርካብ ረፈረንደም ኣብ ዝተገብረሉ እዋን፡ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ፈታኒ እዋን ነበረ።

እቲ ውጽኢት ናይቲ ረፈረንደም ምስ ተፈልጠ - ብጸቢብ ጋግ ህዝቢ ስኮትላንድ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ምዃን ይሕሸና ምስ በለ - ሽዑ ዘስምዕኦ መግለጺ በቲ ውጽኢት ከም ዝቐሰና የስምዕ - እቲ ሕብረት ኣብ ቦትኡ ብምህላዉ።

ብዕለት 9 መስከረም 2015 ኣብ ታሪኽ ዓባይ ብሪጣንያ እተን ዝነውሐ እዋን ኣብ ዙፋን ኮፍ ዝበላ ንግስቲ ምዃነን ተነግረ - ንንግስና ንግስቲ ቪክቶርያ፡ ዓባይ-ዓባይ-ዓባየን ሓለፍኦ።

ብድሕሪኡ፡ ዓመት ከይመልአ፡ ብሚያዝያ 2016፡ መበል 90 ዓመት ልደተን ኣብዓላ፣ ብሕዳር 2017 መበል 70'ዊ ዓውደ-ዓመት መርዐአን ምስ ልኡል ፊሊፕ ኣብዓላ።

ዋላ'ኳ ንግስነት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሓይለ-ንግስነተን ከምቲ ዝጀመሮ ሓያል ኣይኹን፡ ኣብ ልቢ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ብኣኽብሮት ዝልለ ፈቃርን ጥጡሕን ቦታ ሃልይዎ ህላወኡ ከም ዝቕጽል ገይረን'የን።

ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚ - ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ - ዝኣተውኦ መብጽዓ ዘከራ።

"ጓል 21 ዓመት ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ንህዝበይ ንኸገልግል መብጽዓ ኣብ ዝኣተኽሉ እዋን ሓገዝ እግዚኣቢሄር ከይፍለየኒ ለሚነ ነይረ። ኣይተፈለየንን ከኣ፣ ኵነታት ናይ ምምዛን ዓቕመይ ክብ ለጠቕ ይበል'ኳ እንተነበረ ካብቲ ዝተመባጻዕኩዎ ሓንቲ ቃል'ኳ ትዅን ንድሕሪት ኣይስሕብን።"

ብሪቻርድ ስቶን ዝተሳእለ ወግዓዊ ስእሊ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት

ምንጪ ስእሊ, Richard Stone

መግለጺ ስእሊ, ግርማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት