ሞሳና ደበሳይ ቀዳመይቲ ኤርትራዊት ፕሮፈሽናል ጓል_ኣንስተይቲ ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ኾይና

ምንጪ ስእሊ, MD
ኤርትራዊት ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ሞሳና ደበሳይ ናብ ሰርቬቶ ስትራዳሊ ኣሉሪሳይክሊንግ ዝተባህለት ኢጣልያዊት ክለብ ብምጽንባር፡ ኣሰር ምዕባያ ዝኾኑ ኣሓዋታ መኽሰብን ፍረቓልሲን ተኸቲላ ቀዳመይቲ ጓል_ኣንስተይቲ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚት ክትከውን በቒዓ'ላ።
ምጽንባር ጓል 24 ዓመት ዝኾነት ሞሳና ናብታ ብፕረዚደንት ስቴፋኖ ቦርቶላቶ እትምራሕ ክለብ ሰርቬቶ ስትራዳሊ ኣሉሪሳይክሊንግ ኣብ ወግዓዊ ገጻት ፌይስቡክ ናይ'ታ ኢጣልያዊት ጋንታ እዩ ብሰኑይ ንመጀመርታ ተገሊጹ።
ኣካያዲ ሰርቬቶ፡ ዳሪዮ ካሮሲኖ፡ "ሞሳና ብዘመዝገበቶ ዓወታት፡ ብርትዕቲ ኣትሌት ምዃና ዘመስከረት ተቐዳዳሚት እያ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ጋንታና ኣብ ዝህልዋ ውድድር ብወግዒ ከነፋልጣ ኢና" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, MD
መኽሰብን ፈረቓልሲን ደበሳይ ዝበሃሉ ክልተ ኣሕዋታ'ውን ፍሉጣትን ብዙሕ ዓወታት ዝጨበጡን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ ምዃኖም ይፍለጥ።
ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ኪጋሊ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዉድድር ብሽክሌታ ኣፍሪቃ፡ ሞሳና ኣብ ናይ ግዜ ቅድድም ቀዳመይቲ ብምእታው፡ ወርቂ ዝተሸለመት ጎብለል ኣፍሪቃ'ያ።
ብኻልእ ዜና፡ ኣብ ትማሊ ኣብ ማሌዥያ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረኽ ቱር ዲ ላንግካዊ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኩቤካ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ሳልሳይ ብምእታው ተሸላሚ ንሓስ መዳልያ ኾይኑ'ሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







