ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ናይ ክረምቲ ኦሎምፒክ ምጅማሩ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰሜን ኮርያ ድሮ'ቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ፅባሕ ዝጅመር ናይ ክረምቲ ኦሎምፒክ መበል 70 ዝኽሪ ዓመት ምምስራት ሰራዊታ ብወተሃደራዊ ምርኢት ኣኽቢራ። ፕረዚደንት ኪም ጆንግ-ኣን ኣብቲ ፅምብል ተረኺቦም።
እቲ ዓመታዊ ወተሃደራዊ ጽምብል መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኢዩ ዝብዓል ነይሩ፡ ሕጂ ግና ሎሚ 8 ለካቲት ክብዓል ተወሲኑ ኣሎ።
ቅድሚ'ቲ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ናይ ኮርያ ቴሌቪዥን ካብ ማህደር ታሪኽ - ናይ ቀደም መራሕትን ናይታ ሃገር መልክኣ ምድርን ናይ ፕሮፖግንዳ ፊልምታትን ዘርኢ ቪድዮ የርኢ ነይሩ።
መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ'ቲ ናይ ክረምቲ ኦሎምፒክ ከተካይዶ ዝመደበቶ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣመልኪቶም ዘቕረቡላ ነቐፌታ ነጺጋ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ መሰል የብሉን ድማ ኢላ።
"ዝኾነት ሃገር ኣብዛ ዓለም ምምስራት ሰራዊታ ብልዑል ኣገባብ ምብዓል ከም ባህሊ ኢዩ ዝውሰድ" ኢሉ ናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ልሳን - ሮዶንግ ሲንሙን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በንጻሩ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ እቲ ኣቓልቦ ዓለም ናብቲ ኣህጉራዊ ውድድር መታን ክኸውን፡ እቲ ወተሃደራዊ ምርኢት እንተዘይካየድ ምሓሸ ኢላ።
ብሓሙስ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ኣህጉራዊ ውድድር ዝካየደሉ እዋን ምስ ሰበስልጣናት ኣሜሪካ ክትራኸብ ዝኾነ መደብ ከምዘይብላ፡ ናይ ሰሜን ኮርያ ወግዓዊ ናይ ዜና ማዕከን [KCNA]ገሊጹ።
ናይ ደቡብ ኮርያ ሰበስልጣናት ዝሓለፈ ወርሒ ኣስታት 13,000 ወተሃደራትን 200 ዝኾና ወተሃደራዊ መካይንን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰ ከተማ ፒዮንግያንግ ነቲ ወተሃደራዊ ምርኢት ልምምድ ከካይዱ ተራእዮም ኢሎም።
ክኢላታት ሰሜን ኮርያ ከምዝብልዎ ኣብቲ ወተሃደራዊ ምርኢት ሰሜን ኮርያ ነቲ ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይላ ከተርኢ ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







