ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ናይ ክረምቲ ኦሎምፒክ ምጅማሩ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣካይዳ

ወተሃደራዊ ምርኢት ኮርያ ኣፅዋር ብዝተዓጠቓ ተሽከርከርቲ ኲናት ተዓጂቡ ይካየድ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራዊ ምርኢት ኮርያ ኣፅዋር ብዝተዓጠቓ ተሽከርከርቲ ኲናት ተዓጂቡ ይካየድ ነይሩ

ሰሜን ኮርያ ድሮ'ቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ፅባሕ ዝጅመር ናይ ክረምቲ ኦሎምፒክ መበል 70 ዝኽሪ ዓመት ምምስራት ሰራዊታ ብወተሃደራዊ ምርኢት ኣኽቢራ። ፕረዚደንት ኪም ጆንግ-ኣን ኣብቲ ፅምብል ተረኺቦም።

እቲ ዓመታዊ ወተሃደራዊ ጽምብል መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኢዩ ዝብዓል ነይሩ፡ ሕጂ ግና ሎሚ 8 ለካቲት ክብዓል ተወሲኑ ኣሎ።

ቅድሚ'ቲ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ናይ ኮርያ ቴሌቪዥን ካብ ማህደር ታሪኽ - ናይ ቀደም መራሕትን ናይታ ሃገር መልክኣ ምድርን ናይ ፕሮፖግንዳ ፊልምታትን ዘርኢ ቪድዮ የርኢ ነይሩ።

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ'ቲ ናይ ክረምቲ ኦሎምፒክ ከተካይዶ ዝመደበቶ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣመልኪቶም ዘቕረቡላ ነቐፌታ ነጺጋ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ መሰል የብሉን ድማ ኢላ።

"ዝኾነት ሃገር ኣብዛ ዓለም ምምስራት ሰራዊታ ብልዑል ኣገባብ ምብዓል ከም ባህሊ ኢዩ ዝውሰድ" ኢሉ ናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ልሳን - ሮዶንግ ሲንሙን።

ኣብ 2015 ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰሜን ኮርያ ብብዝሒ ሰራዊት ዝተዓጀበ ዓብዪ ምርኢት ክተዳልው ዝተለመደ ኣይነበረን

በንጻሩ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ እቲ ኣቓልቦ ዓለም ናብቲ ኣህጉራዊ ውድድር መታን ክኸውን፡ እቲ ወተሃደራዊ ምርኢት እንተዘይካየድ ምሓሸ ኢላ።

ብሓሙስ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ኣህጉራዊ ውድድር ዝካየደሉ እዋን ምስ ሰበስልጣናት ኣሜሪካ ክትራኸብ ዝኾነ መደብ ከምዘይብላ፡ ናይ ሰሜን ኮርያ ወግዓዊ ናይ ዜና ማዕከን [KCNA]ገሊጹ።

ናይ ደቡብ ኮርያ ሰበስልጣናት ዝሓለፈ ወርሒ ኣስታት 13,000 ወተሃደራትን 200 ዝኾና ወተሃደራዊ መካይንን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰ ከተማ ፒዮንግያንግ ነቲ ወተሃደራዊ ምርኢት ልምምድ ከካይዱ ተራእዮም ኢሎም።

ክኢላታት ሰሜን ኮርያ ከምዝብልዎ ኣብቲ ወተሃደራዊ ምርኢት ሰሜን ኮርያ ነቲ ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይላ ከተርኢ ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጾም።