ሶማሊ ላንድ መቕጽዒ ሕጊ ዓመጸኛታት ኣጽዲቓ

ጽላሎት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሕዚ ዝተዓመጻ ኣዋልድ ንዝዓመጸን ወዲ ክምርዓዋ ይግደዳ ነይረን።

ንርእሳ ካብ ሶማልያ ነጺላ ርእሰ ምምሕዳራ ዘጣየሸት ሃገረ ሶማሊ ላንድ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ጓል ዝዓመጸ ወዲ ተባዕታይ ዝቕጽዓሉ ሕጊ ኣጽዲቓ።

ቅድሚ እዚ ሕጊ ምጽዳቑ ግና ስድራ ግዳያት ከይፈተዉ፡ ጓሎም ንዓማጺኣ ከመርዕዉዋ ይግደዱ ነይሮም።

በቲ ሕጂ ኣጽዲቓቶ ዘላ ሕጊ መሰረት ግና፡ ሓደ ዓማጻይ ክሳዕ 30 ዓመት ማእሰርቲ ክብየነሉ ይኽእል'ዩ።

ሶማሊ ላንድ ኣብ 1991 ካብ ሶማልያ ንባዕላ ነጺላ ርእሰ ምምሕዳራ ዝኣወጀት ሃገር እኳ እንተኾነት ክሳብ ሕጂ ግን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ሶማልያ ግን ዛጊድ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ዝገትእ ሕጊ ኣየጽደቐትን ዘላ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሶማሊ ላንድ ባሸ መሓመድ ፋራሕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኣብታ ሃገር ገበናት ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ እናበዝሐ ብምምጽኡ፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ምግታእ እቲ ጸገም ልዑል እጃም ንክህልዎ ተስፉኡ ገሊጹ።

''ሕሉፍ ሓሊፉስ ዝተዓመጻ ኣዋልድ ተሸኪሞም ዝኸዱ ሰባት ኣብ ጽርግያ ክንርኢ ጀሚርና'' ዝብል መሓመድ ፋራሕ ቀንዲ ቆላሕታ እቲ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ጸገም ምግታእ ከምዝኾነ ገሊጹ።

እቲ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ህጻዉንትን ደቂ ኣንስትዮን ንዓመታት ብዘካየድዎ ጎስጓስን ግንዛበ ናይ ምጭባጥ ስራሕን ከምዝኾነ'ውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ዩ።

ፋስያ ዓሊ የሱፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እቲ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ህዝቢ ሶማሊ ላንድ ንዓመታት ክጸበዮ ዝጸንሐ ውሳነ'ዩ ክትብል ገሊጻቶ።