ኢጣልያዊ ሰራሕተኛ ኣምቡላንስ ብቅትለት-ሰብ ተኣሲሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሲቺልያ ኢታሊ ካብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ቐብሪ፡ ገንዘብ ንኽረክብ ንሕሙማት ብምቕታል ዝተጠርጠረ ሰራሕተኛ ኣምቡላንስ ተቐይዱ።
እቲ ጥርጡር ብውሕዱ ንሰለስተ ኣዝዮም ሕሙማት ሰባት ናብ ገዝኦም ክመልስዎም ከለው ኣብ መትንታቶም ኣየር ብምውጋእ ቀቲልዎም። ካብ ነፍሲ ወከፍ ሬስ ድማ 300 ዮሮ ተኸፊሉ።
ናይ ጣልያን ናይ ዜና ማዕከናት ነቲ ነውራም ዜና "ናይ ሞት ኣምቡላንስ" ሰምዮሞ።
ሓደ ኣባል ማፍያ-ነበር ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንሰበስልጣናት ከተማ ካታኒይን ንኣባላት ቴሌቪዥንን ዝርዝር ሓበሬታ ድሕሪ ምሃቡ ኢዮም ፖሊስ ነቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ዘእተውዎ። እቲ ሰራሕተኛ ኣምቡላንስ ብቅትለት-ሰብ ኢዩ ተወንጂሉ ዘሎ።
እቲ ጥርጡር ነቶም ሕሙማት ናብ ገዝኦም ኣብዘመልሱሎም እዋን ኣብ መትንታቶም ኣየር ብምውጋእ ብሃንደበታዊ ምዕጋት ደም ከምዝሞቱ ዝገብር ዝነበረ።
ገለ ሓበሬታ ክምዝሕብሮ፡ እዚ ተግባር'ዚ ካብ 2012 ጀሚሩ ክካየድ ከምዝጸንሐን፡ ካላኦት ብዙሓት ሰባት ድማ ግዳይ ናይዚ ተግባር'ዚ ኮይኖም ክኾኑ ይኽእሉ ይብሃል።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







