ኣባላት ፓርላማ ኡጋንዳ ኣብ እዋን ኣኼባ ነንሓድሕዶም ተዋቒዖም

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኡጋንዳ ኣብ ጉዳይ መመሓየሺ ገደብ ዕድመ ፕሬዚደንት ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም ነንሓድሕዶም ብመናብር ተባኢሶም።
መርቐቕቲ ሕጊ፡ ሓደ ኣባል እቲ ፓርላማ ሽጉጥ ሒዙ ኣትዩ ብዝብል ጥርጣረ ናብ ዘይተደለየ ስምዒታት ኣምሪሒዎም።
ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ መን ሽጉጥ ሒዙ ከምዝኣተወ ንኽጻረ ትእዛዝ ብምሃብ ዋላኳ ተፍትሽ ክካየድ እንተኣዘዘን ተፍትሽ እንተተገብረን ዝተረኸበ ነገር ግን ኣይነበረን።
ጉዳይ ገደብ ዕድመ ፕሬዚደንት ኡጋንዳ ኣዝዩ ኣካታዒ ኮይኑ ዘሎ፡ ፕሬዚደንት እታ ሃገር ዩዌሪ ሞሰቬኒ ወዲ 73 ዓመት'ዮም። እቲ ክመሓየሽ ዝሕተት ዘሎ ሕጊ ድማ፡ ሓደ ተመራጺ ፕሬዚደንት ልዕሊ 75 ዓመት ክዓቢ የብሉን ዝብል'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰልፈኛታት፡ እቲ ዝሕተት ዘሎ ምምሕያሽ፡ ፕሬዚደንት ዩዌሪ ሞሲቬኒ ኣብ 2021 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ ኣብ ዝገበር ምርጫ ናብ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ክኣትዉ ዘኽእል'ዩ ብምባል ተቓውሞ ኣካይዶም'ዮም።
ፕሬዚደንት ሞሲቬኒ ካብ 1986 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ ጀሚሮም ናብ ስልጣን ዝደየቡን ኣብ 1996 ብዴሞክርሲያዊ መረጻ ሃገሮም ኡጋንዳ ኣብ ምምራሕን ይርከቡ።
እቲ ሕዚ ምይይጥ ዝግበረሉ ዘሎ ገደብ ዕድመ ፕሬዚደንት ግን ን6ይ እዋን ንኸይሳተፉ ክዕንቅፎም ከምዝኽእል ተሰጊኡ ኣሎ።
ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ(ውድቦም) 'ናሽናል ረዚስታንስ ሙቭመንት' ሕገ መንግስቲ ኡጋንዳ ንምቕያር ተደጋጋሚ ጻዕርታት ክገብር ጸኒሑ'ዩ።
ቅድሚ ሕዚ'ውን ፕሬዚደንት ሞሲቬኒ ንሳልሳይ እዋን ክምረጹ ምእንትን ገደብ ዕድመ ፕሬዚደንት ምምሕያሽ ተገይርሉ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ፓርላማ ኡጋንዳ ዘጋጠመ ጎንጺ፡ ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ረቂቕ መመሓየሺ ኣዋጅ ገደብ ዕድመ ፕሬዚደንት ንምይይጥ ክቐርብ ብምውሳኖም 'ዩ።
ከም ጸብጻብ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጎንጺ እቶም ኣባላት ፓርለማ ንኣስታት 20 ደቒቕ'ዩ ወሲዱ።
ሓይልታት ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተቓወምቲ መንብዒ ጋዝ ምጥቃሞምን ሓደ ኣባል መሪሕነት ተቓዋሚ ሰልፊ ከምዝተኣሰረን እውን ተሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







