ህቦብላ ማሪያ፡ ኣብ ፔርቶ ሪኮ ከቢድ ሓደጋ ኣስዒቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰሜናዊ ምዕራብ ደሴታት ካሪብያን እናጥቀዐ ዝመፀ ህቦብላ ማሪያ፡ ሐዚ ድማ ኣብ ፔርቶ ሪኮ ከቢድ ሓደጋ ኣስዒቡ።
መረዳእታ ማእኸል ህቦብላ ኣሜሪካ፡ ህቦብላ ማሪያ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ኣሜሪካ ደሴት ያቡክዋ ከምዝበፅሐን፡ ኣብ ሰዓት 250 ኪሎሜትር ዝጓዓዝ ንፋስ ከምዘስዓበን ይሕብር።
እዚ ህቦብላ'ዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዋና ከተማ ፔርቶ ሪኮ፡ ሳን ጇን 24 ኪሎሜትር ርሒቑ ይርከብ።
ኣብ ከተማ ሳን ጇን ዝረአ ዘሎ ሓያል ንፋስ ድማ፡ ዝርብሽ ከቢድ ድምፂ ብምፍጣር መሳኹቲ፡ ማዕፆታትን ህንፃታት ሳን ጇን እናተፈታተነ እዩ።
ግልጋሎት ኤሌክትሪክ እታ ከተማ እውን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ'ሎ።
ሕዚ እውን እዚ ህቦብላ ኣብ ዝቕፅሉ ሰዓታታት ንፔርቶ ሪኮ ብከቢድ ዝናብ ከጥቅዕ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ።
ህቦብላ ማሪያ ናብ ፔርቶ ሪኮ ቅድሚ ምምፅኡ እውን፡ ካብ ደሴታት ቨርጂን ኣሜሪካ፡ ኣብ ሴንት ክሮይክስ መንበሪ ኣባይቲ 55,000 ህዝቢ ኣዕንዩ ።
እዚ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ዕቤትን ሓይልን ዘሎ ከቢድ ህቦብላ ማሪያ፡ ኣብ ደሴታት ካሪብያን ዶሞኒካ እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ከቢድ ጉድኣት ኣስዒቡ እዩ።
መራኸቢ መስመራት ዶሞኒካ እውን ካብ ጥቐሚ ወፃኢ ኮይኑ 'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ህቦብላ'ዚ ናብ ደረጃ ኣርባዕተ ቀኒሱ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን መጠኑ ብምውሳኽ፡ ኣብ ሰዓት 280 ኪሎሜትር ይጓዓዝ ኣሎ።
ህቦብላ ማሪያ ፡ ህቦብላ ኢርማ ብዝመጽአሉ ተመሳሳሊ መንገዲ እዩ ዝግስግስ ዘሎ።
ኣማሓዳሪ ግዝኣት ፔርቶ ሪኮ፡ እዚ ህቦብላ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ክመጽእ ስለዝኽእል፡ ኣብቲ ተፈሪሑ ዘሎ ደሴታት ንዝነብር 3.5 ሚልየን ህዝቢ ኣብ ውሑስ ቦታ ክዕቆብ ኣተሓሳሲቦም ነይሮም።
ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ፡ ቅድሚ ሐዚ ብህቦብላ ኢርማ ዝበፅሐ ዕንወት፡ ሐዚ እውን ብህቦብላ ማሪያ ከይድገም እናፈርሑ እዮም።
ነዚ መፃኢ ሓደጋ ብምስጋእ ድማ መንግስቲ ፔርቶ ሪኮ ብኣማኢት ዝቑፀሩ መፅለልታት ኣዳልዩ እዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን፡ ነበርቲ ፔርቶ ሪኮ ብዝከኣሎም ኩሉ ካብቲ ሓደጋ ንምህዳም እናፀዓሩ እዮም።
ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ብህቦብላ ዝተጠቕዑ ህዝብታት ካሪብያን፡ ፔርቶ ሪኮ ዘፅልሉላ ገነት ኮይና ነይራ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







