ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ምክፍፋል ከተጋድድ ድሌት ከምዘይብላ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, ERI TV
ኤርትራ፡ ነቲ ኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ 'ናይ ምዝራግ' ድሌት ከምዘይብላ ኣፍሊጣ።
ብወገን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝጋዋሕ ዘሎ "ንኵናት ዝቕስቅስ መግለጺታት" ጠንቂ ምትፍናን ይኸውን ከምዘሎ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።
"ኤርትራ ነቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘለዉ ፖለቲካውያን ጉጅለታት ዘሎ ምግምማዕ ንምግዳድ ድሌት" የብላን ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ።
ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣለዉ ንዝብል ክስታት ደጊሙ ዝነጸገ እቲ ሚኒስተር፡ ግጭት ንምውላዕ ጉልባብ ንምርካብ ዝዓለመ'ዩ ክብል ገሊጽዎ።
"ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብዘየወላውል መንገዲ ዘስመረትሉ፡ ኤርትራ ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናይ ምዝራግ ድሌት የብላን" ይብል እቲ ብሓሙስ ዝወጸ መግለጺ ኣስመራ።
እቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ዝተፈረመ ስምምዕ "ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ" ምዃኑ'ውን እቲ ሚኒስተር የነጽር።
ኣንጻር ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር መርገጺ ወሲዶም ዘለዉ ገለ መራሕቲ ህወሓትን ሓይልታት ትግራይን ምስ ኤርትራ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም'ዮም ዝኽሰሱ።
ጌታቸው ረዳ ብሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኤርትራ ትርከቦም "ኢዶም ዘእተዉ ናይ ወጻኢ ኣካላት" ከምዘለዉ ብምጥቃስ "ካብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ረብሓ ኣለዎም" ክብል ከሲሱ።
እንተኾነ፡ መሻርኽቲ ዶ/ር ደብረጽዮን ነቲ ምስ ኤርትራ ርክብ ኣለኩም ንዝብል ክሲ ነጺጎሞ። ካልእ ዙርያ ግጭት ክህሉ ይኽእል'ዩ ንዝብል ተኽእሎታት'ውን መሰረት የብሉን ኢሎም።
እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን፡ እቲ ኣብታ ክልል ፖለቲካውን ጸጥታውን ወጥሪ ኣስዒቡ ዘሎ ምክፍፋል ህወሓት "ንህዝቢ ትግራይ ዘየድልን ክውገድ ዝኽእልን ስቅያት" ዝፈጥር'ዩ ብምባል ሃገሩ ኢዳ ከምዘየእተወት ይምጉት።
ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደን ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዘፈን ኲናት ትግራይ፡ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ተሰሊፋ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ምውጋኣ ይዝከር።
ፕረዚደንት ኤርትራ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት'ውን፡ እቲ ብኣላይነት ኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተፈረመ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት "ምኹላፍ'የ ታክቲክ'የ ዝብሎ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ'ዩ።
እንተኾነ ግን፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝነበረ ጥቡቕ ዝምድና ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድሕሪ ምዝሕታሉ፡ ኣብ መንጎ መቐለን ኣስመራን ርክባት ከምዝተገብረ ኩሎም ተቐናቐንቲ ወገናት ህወሓት ኣረጋጊጾም ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







