ምምሕዳራዊ መዋቕር ድሬዳዋ ንምንታይ ኣካታዓይ ኮይኑ? ብኸመይ ከ ይፍታሕ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ፡ ናይ ባዕሉ ክልል ወይ ድማ ናብ ካልኦት ክልላት ክሕወስ፡ ናብ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ቤት ምኽሪ ሕቶ ከምዘቕረበ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ብቻርተር ዝተጣየሸ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብዚ እዋን ‘ዓርሰይ ክኢለ ክልል ክኸውን ወይ ድማ ብህዝበ ውሳነ ናብ ክልል ኦሮምያ ወይ ሶማል ክሕወስ’ ዝብል ሕቶ ምቕራቡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ።
ካብ ክልተ ወከልቲ ህዝቢ ድሬዳዋ ሓደ ዝኾነ ዓብዱልጀዋድ መሓመድ፡ እቲ ህዝበ ውሳነ እታ ከተማ ንዘጋጥማ ናይ በጀትን ምምሕዳራዊ ጸገምን ፍታሕ ዝህብ እዩ ይብል።
ወሃቢ ቃል እታ ምምሕዳር ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግና፡ ዋላኳ እቲ ተወካሊ ዘልዓሎ ጉዳይ ጸገም ባጀት ልክዕ እንተኾነ፡ እቲ ክልል ምዃን ወይ ምስ ካልኦት ክልላት ምሕዋስ ዝብል ሓሳብ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝሰማማዐሉ ከምዘይኮነ ይገልጽ።
ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ከተማ ድሬዳዋ ብሩክ ፈለቀ፡ ‘‘ህዝበ ውሳነ ተኻይዱ ናብ ሓደ ክልል ንተሓወስ ዝብል ሓሳብ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣይተዘራረብናሉን፤ ቅዋምና እውን ኣይኮነን፡ ናይቲ ህዝቢ ሕቶ እውን ኣይኮነን’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ጉዳይ መዋቕር እታ ከተማ ዝፈላለዩ ድልየታት ዝንጸባረቑ ኮይኖም፡ ጉዳይ ድሬዳዋ ምንጪ ጎንጺ ክኸውን እውን ይረአ።
ንምዃኑ ሕዚ እታ ከተማ እትመሓደረሉ ዘላ መዋቕር ካበይ ዝመጸ እዩ? እቲ ቀንዲ ጸገምን መፍትሒኡን ከ?
‘‘ሕገ መንግስታዊ መሰረት ዘይብሉ’’
በዓል ሞያ ሕጊ ዳኒኤል ኣሰፋ፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዘተኮሩ መጽናዕቲታት ብምክያድ እዩ ዝፍለጥ።
ንሱ፡ብመሰረት ስርዓት ፌደራሊዝምን ሕገ መንግስትን፡ ኣካላት እታ ሃገር ተባሂለን ግብሪ ክእክባን ህዝቢ ከመሓድራን ዝኽእላ፡ እተን ትሸዓተ ክልላትን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ጥራሕ ከምዝኾና ይገልጽ።
ብተወሳኺ ኣመሰራርታ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ፡ ሕገ መንግስታዊ ከይዲ ዘይተኸተለ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነቶም ኣብዚ እዋን ዝረኣዩ ዘለዉ ሕቶታት ከስዕብ ክኢሉ ኢሉ እውን ይኣምን።
ሚልከሳ ሚደጋ (ዶ/ር) እውን ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ዝምልከት፡ ሰፊሕን ዓሚዩቕን መጽናዕቲ ካብ ዘካየዱ ምሁራን ሓደ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ በዓል ስልጣን ዝነበረ ሚልከሳ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ኮይኑ፡ ነቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብምንቃፍ እዩ ዝፍለጥ።
‘‘እቲ ሕገ መንግስቲ ንድሬዳዋ ኣይፈልጣን። ኣብ ሩዋንዳ ወይ ናይጄርያ ክትከውን ትኽእል እያ’’ ብምባል ነዚ ዘምጸኦ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ምንባሩ ይገልጽ።
እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ብወገኑ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ድልየትን ሕቶን እንተይመለሰ ከምዝተመስረተ እዩ ዝጠቅስ።
እታ ከተማ እንትትምስረት ‘‘ክልተ ኣማራጺታት ምጥቃም ይከኣል ነይሩ’’ ይብል ዳኒኤል።
‘‘መጀመርታ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ግብሪ ናይ ምእካብን ነቲ ህዝቢ ናይ ምምሕዳርን ስልጣን ኣፍልጦ ክወሃቦ ምግባር ይከኣል ነይሩ። እቲ ካልኣይ መማረጺ ድማ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ከባቢታት ብህዝበ ውሳነ ናብ ሓዲኡ ክልል ክትሕወስ ምግባር ይከኣል ነይሩ።’’
ኣብቲ እዋን ‘‘ሕገ መንግስታዊ መሰረት ዘይብሉ’’ ናይ ከተማ ምምሕዳር ብምውቓር፡ እታ ከተማ ብዕብየት ንድሕሪት ክትተርፍ ከምኡ ድማ ተረባሒት ከይትኸውን ተገይሩ ይብል እቲ በዓል ሞያ ሕጊ።
ብተወሳኺ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር እናዓበያ እንትመጻ ድሬዳዋ ግን ንድሕሪት ተጎቲታ ክብል ይወቅስ።
እታ ከተማ ተጸዋዕነታ ናብ መንግስቲ ፌደራል እኳ እንተኾነ ‘‘ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝተጣየሸሉ ቻርተር ግን ሕገ መንግስታዊ መሰረት የብሉን’’ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክፍፍል ስልጣን 40-40-20
ከተማ ድሬዳዋን ስርዓት ፌደራሊዝምን ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ መጽናዕቲታት ዘካየደ ሚልከሳ ሚደጋ (ዶ/ር) ከምዝብሎ፡ ምምሕዳር እታ ከተማ ዘጋጠሞ ካልእ ጸገም ኣብ እዋን መረጻ 1997 ዓ/ም ዝጀመረ እዩ።
ሚልከሳ፡ ኣብቲ እዋን ኣጋጢሙ ዝበሎ ጸገም እንትገልጽ፡ ኣብ ድሬዳዋ ዝነብሩ ተወለድቲ ኦሮሞ፡ ኣብቲ እዋን ነቲ ንክልል ኦሮምያ ዝውክል ፓርቲ (ኦህዴድ) ከይትመርጹ እናበሉ ጎስጓስ ይገብሩ ምንባሮም ይዝክር፡፡
በዚ ምኽንያት ድሬዳዋ ዝነበርኣ ክልተ መናብር፡ ሓንቲኣ ብቅንጅት ዝተባህለ ሰልፊ፡ ሓንቲ ድማ ብናይ ሶማሊ ክልል ፓርቲ (ሶኢዴፓ) ተወሲደን፡፡
‘‘ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ፌደራል ጣልቃ ብምእታው ነቲ ህዝቢ ‘ህዝቢ ኦሮሞ ብሓቂ ተጎዲእኻ ኢኻ። ድሕሪ ሕዚ ከንቲባ ካብ ኦሮሞን ካብ ሶማልን ክንገብር ኢና። ኮይኑ ግና ሓገዝኩም ንደሊ ኢና’ ብምባል ኣብቲ እዋን ንኣባላት ቅንጅት ኣሲሩ።’’
ካብቲ መረጻ ጀሚሩ እታ ከተማ ብግዝያዊ ምምሕዳር ክትምራሕ ብምግባር ካብ ኦህዴድን ሶኢዴፓን ዝተመረጹ ከንቲባታት እናተባረዩ ከምዘመሓድርዋ ዝገልጽ ሚልከሳ፡ መሓውር ካቢኔ እታ ከተማ ‘’40-40-20’’ ብዝብል ስርዓት ዝምራሕ ምንባሩ የረድእ።
‘’40 ምኢታዊት ኦህዴድ፣ 40 ምኢታዊት ሶኢዴፓ፣ ዝተረፈ 20 ምኢታዊት ካብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝኾኑ ሰባት ክኾኑ ተገይሩ። ቤት ምኽሪ ምምሕዳር እታ ከተማ እውን ብተመሳሳሊ ክኸውን ክፍፍል ገይሮም።’’
እቲ መፍትሒ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
መዋቕር ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብህዝበ ውሳነ ክፍታሕ ዝነበሮ ‘‘ኣብ እዋን እቲ ስግግር መንግስቲ እዩ ነይሩ’’ ዝብል ሚልከሳ፡ ሕዚ ግን ክቕድም ዘለዎ እዚ ኣይኮነን ይብል።
‘‘ነበርቲ እታ ከተማ ሕቶ ምምሕዳራዊ መዋቕር ዘቕረቡ ኣይመስለንን። ‘ክልል ክንከውን’ ኢሎም እውን ኣይሓተቱን’’ ብምባል ሕቶ እንተሃልዩኳ ካብቲ ህዝቢ ክመጽእ ኣለዎ ይብል።
ብኣንጻሩ ‘‘ናይታ ከተማ ናይ ስራሕ ቋንቋ ’’ ጉዳይ ቀዳምነት ካብ ዝወሃቦም ከምዝኾነ ይኣምን።
ናይታ ከተማ ናይ ስራሕ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኮይኑ፡ ዝበዝሕ ነባራይ እታ ከተማ ግን ኦሮምኛን ሶማልኛን ስለዝዛረቡ ነቶም ቋንቋታት ምውሳኽ ከምዝከኣል ይገልጽ።
‘‘ናይ ኣግልግሎትን ቋንቋን ሕቶ ናይ ፖለቲካ ሕቶ ኣይኮነን። ሰብኣዊ መሰል እዩ።’’
ብተወሳኺ ጉዳይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እታ ከተማ ‘‘ነቲ ህዝቢ ብዝመስል’’ ደጊሙ ክዋቐር ምስተገበረን ካልኦት ጸገማት ምስተፈትሑን ጉዳይ ምምሕዳራዊ መዋቕር ክረኣይ ከምዝኽእል ይገልጽ።
በዓል ሞያ ሕጊ ዳኒኤል ኣሰፋ ግና ማሕበራውን ቁጠባውን ሕቶታት እታ ከተማ ንምፍታሕ ፡ ምፍታሕ ምምሕዳራዊ ሕቶ ክቕድም ኣለዎ ይብል።
‘‘ዝኾነ ህዝቢ ባዕሉ ብባዕሉ ናይ ምምሕዳር መሰል ኣለዎ። ብመሰረት ዓንቀጽ 39 እቲ ሕገ መንግስቲ ህዝቢ ድሬዳዋ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ክውስን ይኽእል እዩ።’’
ኮይኑ ግና እዚ ንምፍጻም ዘሎ ኣማራጺ ድሬዳዋ ዓርሳ ዝኸኣለት ክልል ክትከውን ወይ ናብ ካልኦት ክትሕወስ ምግባር እዩ።
በዓል ሞያ ሕጊ ዳኒኤል፡ ዓርሳ ዝኸኣለት ክልል ምዃና ‘‘ዝከኣልን ዘላቒ ምፍትሒ ዘምጽእን መሲሉ ኣይስመዐንን’’ ይብል።
እታ ከተማ ኣብ መንጎ ክልተ ክልላት እትርከብ ምዃና፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ክልቲኡ ክልላት ዝነብሩ ብሄራት ዘሎ ርክብን ጉዳይ ካልኦት ብሄራትን ድሬዳዋ ዓርሳ ክኢላ ክልል ከይትኸውን ዕንቅፋት ከምዝኾኑ እውን ይዛረብ።
ናብ ሓዲኡ ክልል ምሕዋስ ዝብል ኣማራጺ ቀሊል ከምዘይኮነ ዳኒኤል ይገልጽ።
‘‘ኮይኑ ግና ናይቲ ህዝቢ ሕቶ ብቑዕ መልሲ ክረክብ እንተተደልዩ ዘላቒ ዝኾነ መፍትሒ ምሃብ ጽቡቕ እዩ።’’
እቲ ህዝቢ ባዕሉ ዝውስኖ ውሳነ ከምዝጠቕሞ ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ ሕጊ፡ ጉዳይ ምምሕዳራዊ መዋቕር መፍትሒ ምስረኸበ፡ መንግስቲ ነታ ከተማ ልክዕ ከም ካልኦት ከተማታት ክትዓቢ ናይ ምግባር ‘‘ግቡእ’’ ኣለዎ ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







