ድሬዳዋ ብዓይኒ ካሜራ

ኣብ ምብራቓዊ ሃጓፍ ስንጭሮ እትረከብ ከተማ ደሬዳዋ፡ ምስ ምጅማር መንገዲ ባቡብ ኣዲሰ ኣበባ ጅቡቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ መወዳእታ ናይ 19 ክፍለ ዘመን ከምዝተመስረተት'ዩ ዝንገር።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጅቡቲ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ፡ ብሕምብርቲ ከተማ ድሬዳዋ ሰነጢቁ ምሕላፉ ድሬዳዋ ማእከል ዕዳጋ ብምግባር ንነበርታ ዓቢ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ኔሩ'ዩ።
ካብ'ዚ ቀረባ ዓመታት ንድሓር ግን፡ እቲ መስመር መንገዲ ባቡር ሰሪ ምንዋሕ ዓምታተ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ዓዲ ውዒሉ'ዩ ፡ ቀደም ዝፍለጠሉ ውዕዩን ውዕዉዕን ሃዋሁ ድሬዳዋ ጸጥታ ዓሲልዎ ይርክብ።
መንገዲ ባቡር ድሬዳዋ ዋላ እኳ ንኣዲሰ ኣበባን ድሬዳዋን ከራኽብ እንተዘይክኣለ፡ ዝተወሰነ ጉዕዞ ኣብ ሰሙን ናብ ጁቡቲ ግን ይቕጽል ኣሎ። ናይ'ዚ ሓዲሽ ኢትዮ-ጅቡቲ መንገዲ ባቡር ክውን ምኳን ተስፍኦም ከምዘዕበዮ ሰራሕተኛታት መንገዲ ባቡር ድሬዳዋ ይገለጹ።






ኣብ መወዳእታ ናይ 1920ታት ወራሪ ሓይሊ ጣልያን ንከተማ ድሬዳዋን መንግዲ ባቡራን ተቆጻጺሮሞ። ኣቐዲሞም ኣብ ደሬዳዋ ሓያላት ኣውሮጳውያን ይነብርዋ ምንባሮም ካብ መግረፍቲ ጣልያን ኣናጊፍዋ'ዩ ዝብሉ ጸሓፍትን ጽሑፋትን ኣለዉ። ከተማ ድሬዳዋ ካብ ጣልያን ናጻ ድሕሪ ምውጻኣ ፡ ኣብ ልዕሊኣ ተጽዕኖ ብርጣንያ ጎሊሑ ተራእዩ'ዩ። " ናምበር ዋን " ዝብሃል ኣከባቢ ናይ'ዚ ምስክር ክኽውን እንከሎ ፡ እዚ ቦታ ምስ ጣልያን ክዋግኡ ናይ ዝሞቱ 73 ኣፍሪቓውያን ወተሃደራትን 3 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያን መቓብር ዝርከቦ ቦታ'ዩ።


ብመሰረት ኣብ 1999 ዓ.ም ዘተገበረ መጽናዕቲ ድሬዳዋ ልዕሊ 340 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብራ ይሕብር ። እዚ ቁጽሪ እዚ ነቶም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ዝምሓድሩ ወሰናስን ዓድታት'ውን የካትት። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነባሪ ድሬዳዋ ፍርቒ ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግመት። ድሬዳዋ፡ ንዘመናት ማእከል ንግዲ ኮይና ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ እዋን ምንቅስቓስ ንግዲ እታ ከተማ ዝሒሉ ከምቐደሙ ከምዘየለ ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ሕጂ'ውን እንተኾነ ብዙሕ ሕብርታት ቀለማትን፡ ምኡዛት መግብታትን ሓቑፋ ትርክብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







