ድሬዳዋ ብዓይኒ ካሜራ

ቀፊራ
መግለጺ ስእሊ, ቀፊራ

ኣብ ምብራቓዊ ሃጓፍ ስንጭሮ እትረከብ ከተማ ደሬዳዋ፡ ምስ ምጅማር መንገዲ ባቡብ ኣዲሰ ኣበባ ጅቡቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ መወዳእታ ናይ 19 ክፍለ ዘመን ከምዝተመስረተት'ዩ ዝንገር።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጅቡቲ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ፡ ብሕምብርቲ ከተማ ድሬዳዋ ሰነጢቁ ምሕላፉ ድሬዳዋ ማእከል ዕዳጋ ብምግባር ንነበርታ ዓቢ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ኔሩ'ዩ።

ካብ'ዚ ቀረባ ዓመታት ንድሓር ግን፡ እቲ መስመር መንገዲ ባቡር ሰሪ ምንዋሕ ዓምታተ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ዓዲ ውዒሉ'ዩ ፡ ቀደም ዝፍለጠሉ ውዕዩን ውዕዉዕን ሃዋሁ ድሬዳዋ ጸጥታ ዓሲልዎ ይርክብ።

መንገዲ ባቡር ድሬዳዋ ዋላ እኳ ንኣዲሰ ኣበባን ድሬዳዋን ከራኽብ እንተዘይክኣለ፡ ዝተወሰነ ጉዕዞ ኣብ ሰሙን ናብ ጁቡቲ ግን ይቕጽል ኣሎ። ናይ'ዚ ሓዲሽ ኢትዮ-ጅቡቲ መንገዲ ባቡር ክውን ምኳን ተስፍኦም ከምዘዕበዮ ሰራሕተኛታት መንገዲ ባቡር ድሬዳዋ ይገለጹ።

ዝተዓጸወ ናይ ግሪክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን
መግለጺ ስእሊ, ዝተዓጸወ ናይ ግሪክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን
ተዓጽዩ ዘሎ ቤተከርስትያን ኣርመን
መግለጺ ስእሊ, ተዓጽዩ ዘሎ ቤተከርስትያን ኣርመን
ዝነደደ ናይ ኣውሮጳውያን ቤተ-ንግዲ ነበር
መግለጺ ስእሊ, ዝነደደ ናይ ኣውሮጳውያን ቤተ-ንግዲ ነበር
ናይ ቀደም ኣውሮጳውያን መንበሪ ዝነበረ
መግለጺ ስእሊ, ናይ ቀደም ኣውሮጳውያን መንበሪ ዝነበረ
ከዚራ
መግለጺ ስእሊ, ከዚራ
ዝተዓጸወ ቤተ ክርስትያን አርመን
መግለጺ ስእሊ, ዝተዓጸወ ቤተ ክርስትያን አርመን

ኣብ መወዳእታ ናይ 1920ታት ወራሪ ሓይሊ ጣልያን ንከተማ ድሬዳዋን መንግዲ ባቡራን ተቆጻጺሮሞ። ኣቐዲሞም ኣብ ደሬዳዋ ሓያላት ኣውሮጳውያን ይነብርዋ ምንባሮም ካብ መግረፍቲ ጣልያን ኣናጊፍዋ'ዩ ዝብሉ ጸሓፍትን ጽሑፋትን ኣለዉ። ከተማ ድሬዳዋ ካብ ጣልያን ናጻ ድሕሪ ምውጻኣ ፡ ኣብ ልዕሊኣ ተጽዕኖ ብርጣንያ ጎሊሑ ተራእዩ'ዩ። " ናምበር ዋን " ዝብሃል ኣከባቢ ናይ'ዚ ምስክር ክኽውን እንከሎ ፡ እዚ ቦታ ምስ ጣልያን ክዋግኡ ናይ ዝሞቱ 73 ኣፍሪቓውያን ወተሃደራትን 3 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያን መቓብር ዝርከቦ ቦታ'ዩ።

መካነ መቓብር ብርጣንያውያንን ኣፈሪቓውያንን ወተሃደራት
መግለጺ ስእሊ, መካነ መቓብር ብርጣንያውያንን ኣፈሪቓውያንን ወተሃደራት
ኣብ ኣፍደግ መካነ መቓብር ብርጣንያውያንን ኣፈሪቓውያንን ወተሃደራት ንእሽተይ ስርሓት ሸቐጥ እተካይድ ሰበይቲ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣፍደግ መካነ መቓብር ብርጣንያውያንን ኣፈሪቓውያንን ወተሃደራት ንእሽተይ ስርሓት ሸቐጥ እተካይድ ሰበይቲ

ብመሰረት ኣብ 1999 ዓ.ም ዘተገበረ መጽናዕቲ ድሬዳዋ ልዕሊ 340 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብራ ይሕብር ። እዚ ቁጽሪ እዚ ነቶም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ዝምሓድሩ ወሰናስን ዓድታት'ውን የካትት። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነባሪ ድሬዳዋ ፍርቒ ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግመት። ድሬዳዋ፡ ንዘመናት ማእከል ንግዲ ኮይና ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ እዋን ምንቅስቓስ ንግዲ እታ ከተማ ዝሒሉ ከምቐደሙ ከምዘየለ ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ሕጂ'ውን እንተኾነ ብዙሕ ሕብርታት ቀለማትን፡ ምኡዛት መግብታትን ሓቑፋ ትርክብ።

ዕዳጋ ቀፊራ
መግለጺ ስእሊ, ዕዳጋ ቀፊራ
ካልእ ሸነኽ መእተዊ ናይ "ዕዳጋ ታይዋን"
መግለጺ ስእሊ, ካልእ ሸነኽ መእተዊ ናይ "ዕዳጋ ታይዋን"
ናብ መስጊድ ዝወስድ ፍሉጥ ጎዶና "ኮኔል "
መግለጺ ስእሊ, ናብ መስጊድ ዝወስድ ፍሉጥ ጎዶና "ኮኔል "
ኣብ ኮኔል ዝርከብ መሸጣ ምቁር ሐሺሜ ሙሸበክና
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኮኔል ዝርከብ መሸጣ ምቁር ሐሺሜ ሙሸበክና