'ጉዱኣት ኣካል ጾታዊ ርክብ ብኸመይ ይፍጽሙ' ንምንታይ ንኻልኦት የጨንቘም?

ሆሊ ጓል 16 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ጉድእቲ ኣካል ምዃና ዝተዓዘበ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ትኽእል ብዛዕባ ምዃና ከምዝሓተታ እያ ትዝክር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ከምዝቐረበላ እትዛረብ ሆሊ፡ “ዘይልሙድ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ትኽእል ድያ" ወይ ድማ ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ኰይና ክትገብሮ ትኽእል እንተዀይና ሕቶታት ኣቕሪቦሙላ ይፈልጡ’ዮም።
"ሰባት ምሳኻ ጾታዊ ርክብ ምግባር ማለት ሓለፋ ከም ምግባር ዳርጋ ከምዚ መስዋእቲ ዝኸፍሉልካ ዘለዉ ኰይኑ’ዩ ዝስመዖም። እንተዀነ ኣነ በቲ ሓሳባት ኣይግረምን ወይ ኣይቅየምን እየ” ኢላ።
ሕጂ ጓል 26 ዓመት ዝዀነት ሆሊ፡ ሕዱር ቃንዛ ዘለዋ ኰይና፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዕርክነትን ዝምድናን ኣሉታዊ ጽልዋታትን ጸለመን ንምፍታሕ ድምጸን ዓው ኣቢለን ዝዛረባ ዘለዋ ስንኩላን ደቂ ኣንስትዮ እያ።
ሆሊ ግሬደር፡ ጉድኣት ኣካል ሓጐስ ዝመልኦ ፍቕራዊ ዝምድና ክህልዎም ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ። ምስ በዓል ቤታ ጀምስ ኣብ ዕድመ ንእስነታ ከምዝተላለዩ ትገልጽ ሆሊ ንትሽዓተ ዓመት ድማ ብሓባር ጸኒሖም ኣለዉ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ስንኩላን ሕማቕ ህይወት’ዩ ዘለዎም፤ ንሕና ዘሕዝን ዛንታ ጥራይ ኢና" ትብል።
ንሳ ወሲኻ፡ ወትሩ ብእኡ እትድገፍ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓ። እንተዀነ ካብ ካልኦት ዝወሃባ ዝነበረ ርእይቶታት ኣሉታዊ ከምዝነበረ ትገልጽ። "መጀመርታ ብሓባር ክንቅመጥ ከለና ሰባት ኵነታት ጥዕናይ እናገደደ ብዝኸደ መጠን ክሓድገኒ ከምዝኽእል’ዮም ዝነግሩኒ ነይሮም” ትብል።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰባት ብዛዕባኣ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ከምዝነበሮም ብምግላጽ ገሊኦም ብዛዕባ እቲ ንዕኣ ዘለዎም ምልከታ ኣብ ቅድመኣ ከምዘንጸባርቕዎ ትዛረብ።
"ብዛዕባ ተጠቀምቲ ዓረብያ ስንኩላን ክመጽእ ከሎ፡ ሰባት ኣቐዲሞም ዝሓትዎ ‘እታ ጓል ጾታዊ ርክብ ክትገብር ትኽእል ድያ? ዝብል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, BBC News
ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ክፍላ ዝነበሩ ኣወዳት ውልቃዊ ሕቶታት ከም ዝሓቱ ትዛረብ።
"ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ጥራይ ኴንኪ ዲኺ ጾታዊ ርክባት ትፍጽሚ? መላግቦ ኣእጋርኪ ክኽፈት ይኽእል ድዩ? ምሳኺ ስዲ ጾታዊ ርክብ ክገብር እንተዝደሊ ምኸኣልኩ ዶ? ዝብሉ ሕቶታት ይሕተት እየ” ኢላ።
ሆሊ፡ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘድሃቡ መልእኽቲ ከምዝልእኹላ ዝገለጸት ኰይና ቀንዲ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ነቲ ዝቐረበላ ሕቶ ጾታዊ ርክብ ዕድለኛ ከምዝዀነት ክትሓስብ ከምዘለዋ ዝነግሩ ከምዝዀኑ ተዛሪባ።
ሆሊ ኣብ መደብ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ዝነበረ ገጸ ባህሪ ኣይዛክ ጉድዊን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝፈለጠቶ እንኮ ጽቡቕ ኣብነት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝሓሸ እወታዊ ውክልና ክህልዋ’ያ ትደሊ።
ጓል 38 ዓመት ኒኮላ ቶማስ ካብ ካርፊሊ ዓይነ ስውር ኰይና ተመዝጊባ ኣላ። ንሳ፡ "ሓደ ካብቲ ሰባት ዝሓቱዎ ልሙድ ነገር፡ ከመይ ጌርኪ ኢኺ ጾታዊ ርክብ ትፍጽሚ? ትንፋስካ ደው ዘብል ሕቶ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተዃሳሕን ውልቃውን ሕቶ'ዩ ዝቐርበልና" ኢላ።
ኒኮላ ቅድሚ 15 ዓመት ሓንቲ ዓይና ዝስኣነት ኰይና እታ ካልኣይቲ ዓይና ድማ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዓዊራ።
"ዓይነ ስዉራት ብዙሕ መስገደላት’ዮም ዝሓልፉ። ኣነ ድማ ብርግጽ ነቶም መስገደላት ንምስዓር እየ ዝቃለስ ዘለኹ" ኢላ።
ኒኮላ ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ምብጻሕ ዘዘናግዓ ኰይኑ ዝቕጽል መገሻኣ ናብ ሆንግ ኮንግ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, RAM Photography & Film
ኒኮላ ዓይነ ስውር ምስኰነት ኣፍቃሪ’ኳ እንተነበራ ብዙሕ ከይጸንሑ ተፈላልዮም። "ከምዚ ሰኸም ዝዀንኩ ተገይሩ’ዩ ዝውሰድ። ሰባት ንዓኺ ክኣሊ ይጽገም ኣለኹ ገለ እዮም ዝብሉኻ። ግን ኣላዪ ኣየድልየንን ነይሩ" ትብል።
ኣብዚ እዋን ካልእ ከምኣ ዓይነ ስዉር ዝዀነ ኣፍቃሪ ኣለዋ።
"ዋላ'ኳ ክልተና ዓይነ ስዉራን እንተዀንና፡ ኣብ ከተማ ክንዘውር ይዅን ፍቕራዊ ድሌታትና ክነማልእ ዝዓግተና ነገር የለን” እያ እትብል።
ኒኮላ ብተወሳኺ "ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዕርክነት ክሓቱ መልእኽቲ ይሰዱ፤ ደሓር ዓይነ ስውር ከምዝኾንኩ ክነግሮም እንተለኹ ሓሳባቶም ይቕየር’ዩ” ኢላ።
ሰባት ሓለፋ ይገብሩልካ ከምዘለዉ ገይሮም ይሓስብዎ እትብል ኒኮላ፡ “እቲ ኣብ ልዕሊ ጉድኣት ኣካል ዘሎ ዝንቡዕ ኣረዳድኣ ክሰብሮ እየ ዝደሊ፡ ምሉእን ሕጕስን ህይወት’ዩ ዘለኒ" ኢላ።
ካት ዋትኪንስ ስንኩላን ልክዕ ከም ዝዀነ ሰብ ጾታዊ መንነቶም ክድህስሱን ዝምድናታት ከማዕብሉን መሰል ከምዘለዎም ገሊጻ። ንሳ ናይ ስንኩላን ዌልስ ሓላፊት ፕሮጀክት ተበጻሕነት ፖለቲካ እያ።
ንሳ ኣስዒባ፡ "ስለምንታይ ጾታዊ ርክብን ዝምድናን ንስንኩላን ከምዚ ዝኣመሰለ በዳሂ ኰይኑ? ህይወትካ ምንባርን ምዝንጋዕን ኣካል ህይወት ደቂ ሰባት’ዩ” ኢላ።
"ምስ ነብስኻ ምቹእ ክትከውንን ኣካላትካ ክትርድኦን ኣለካ፤ ስለዚ ንኻልኦት ከመይ ከም ዝሰርሕ ክትነግር ትኽእል” ዝበለት ካት፡ ርእሰ-ፍቕሪ'ውን ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ጠቒሳ።

ምንጪ ስእሊ, Nicola Thomas




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







