ኣፍሪቃ፡ ውድድራት ኣካለ-ጉዱኣት እተአንግድ ከተማ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀጻሊት ኣኣንጋዲት ፓራ ጸወታታት ኣፍሪቃ እትኸውን ከተማ ንምርካብ ዕቱብ ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ።
ኮሚተ ፓራኦሎምፒክ ኣፍሪቃ (APC) ኣብዚ ምድላዋት ንምሕጋዝ፡ ምስ ኣዳላዊ ፓራ ሻምፕዮን ኣውሮጳ ዝዀነ ‘ቲም ቲኦሲ’ ትካል ስፖርት ስምምዕ ሽርክነት ፈሪሙ ኣሎ።
እዚ ኣብ ሆላንድ ዝመደበሩ ትካል ቲም ቲኦሲ፡ ኣብ 2027 ኣብ ዝካየድ ቀጻሊ ፓራ ጸወታታት ኣፍሪቃ ተወሳኺ ውድድራት ክሕቈፉ ተተስፍዩ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣክራ ዝተኻየዱ ናይ መጀመርታ ፓራ ጸወታታት ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ጸወታታት ኣፍሪቃ፡ ሓደ ዓይነት መሳለጥያታት እዮም ተጠቒሞም። ዘይከም ፓራኦሎምፒክ ግን ክልቲኡ ውድድራት ኵሉ ግዜ ኣብ ሓንቲ ከተማ ክእንገድ ኣለዎ ዝብል ሕጊ የለን።
ፕረዚደንት ኮሚተ ፓራኦሎምፒክ ኣፍሪቃ ሳምሶን ዲን ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ቃል፡ “ንመጻኢ ክንሓስብ እንከለና፡ ውሳነና ምስ ዓለምለኻውያን ፈደረሽናት ዓቢ ርክብ ዘለዎን ጸወታታት ብኸመይ ከምዝውደቡ ብንጹር ዝርዳእን ኢልና እንሓስቦ ትካል ነቲ ካልኣይ ፓራ ጸወታታት ኣፍሪቃ ከነአንግድ እዩ” ኢሉ።
“ካብቲ ቀዳማይ ፓራ ጸወታታት ኣፍሪቃ ዝሓሸ ክንገብሮ ኣለና። ን2027ን 2031ን ፈሪምና ኣለና። ኣብ ዝቕጽሉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብሓባር ክንሰርሕን ኣብ ኣፍሪቃ ኣአንጋዲት ከተማ ክንረክብ ኢና።”
“እቲ ዓቕሚ ኣሎ፤ እቲ ዘድልየና ንስፖርተኛታት ዕድላት ንምፍጣር ዝሕግዝ ጸዓት እዩ። ኣፍሪቃ ካብዚ ንላዕሊ ብዙሕ ክትሰርሕ ኣለዋ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ሽርክነት ብሰሉስ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኮሚተ ፓራኦሎምፒክ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ኰይኑ፡ ፓራኦሎምፒክ 2024 ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ እዩ ቀጺሉ።
ኣብ ኣክራ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ፓራ ጸወታታት ኣፍሪቃ፡ ኵዕሶ እግሪ ቍሩጽ ዝመሓውሮም፡ ኩዕሶ ሰኪዐት ዓረብያ-መንበርን ቴኒስ ዓረብያ-መንበርን ኣአንጊዱ እዩ።
እንተዀነ ኣብ ፓራኦሎምፒክ ዝቐርቡ ብዓረብያ-መንበር ዝካየዱ ውድድራት ኩዕሶ ሰኪዐትን ቴኒስን ጥራይ እዮም።
ኣብ ነሓሰ 2023 ኣብ ሮተርዳም ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ፓራ ሻምፕዮን ኣውሮጳ፡ 10 ዝተፈላለዩ ስፖርታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኵሎም ውድድራት ፓራኦሎምፒክ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቲም ቲኦሲ ኤሪክ ኬርስተን፡ “ፓራ-ስፖርት፡ ኣብ ዝዀነት ኣህጉር፡ ዝሓሸ መድረኽ ይግብኦ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ” ክብል ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ተዛሪቡ።
“እቲ ቀዳማይ ነገር፡ ኵሉ ዘድልየና መሳለጥያታት ዘለዋ ጽብቕቲ ኣአንጋዲት ከተማ ምርካብ ኣጸጋሚ’ዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ብዝሒ ውድድራት ዝምርኮስ’ዩ፤ ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ እዚ ውድድር ዘድልዮ ፋይናንሳዊ ደገፍ’ውን ይምርኮስ” ኢሉ።
“ኣብ 2027 ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ውድድራት እንተተኻይዶም ዝሓሸ ምዀነ፤ ግን ብዝሒ ዘይኰነስ ጽሬት እዩ ዘደሊ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኮሚተ ፓራኦሎምፒክ ኣፍሪቃ 3 መስከረም ኣብ መላእ ኣህጉር ዓመታዊ መዓልቲ ፓራ-ስፖርት ክትከውን ኣዊጁ ኣሎ።
እዛ ዕለት’ዚኣ ዝኽሪ ናይቲ ኣብ ኣክራ ዝተኻየደ ፈላሚ ውድድር ፓራ ኣፍሪቃ እያ።
ኣብ መላእ’ታ ኣህጉር ኣብ ዝርከባ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ንቕሓትን ተሳትፎን ንምዕባይ ስፖርት ኣካለ ጉድኣት ከተብዕልን ከተስፋሕፍሕን ተስፋ ይግበር።
ፕረዚደንት ኮሚተ ፓራኦሎምፒክ ኣፍሪቃ ሳምሶን ዲን፡ "3 መስከረም፡ ኣብ ፓራ-ስፖርት ኣዝያ ታሪኻዊት ኰይና እትቕጽል መዓልቲ ጌርና ኢና መሪጽናያ" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







