ኦሎምፒክ፡ ሰባት ዘመዝገብዎም ክብረወሰን ዝስዕሩ 9 እንስሳታት

ዩስየን ቦልት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ብቕዓት ኣትለታት ምስ ብቕዓት እንስሳታት ብኸመይ ይነጻጸር?

ካብ ነዊሕ ዝላ ክሳብ መኸተ ሴፍ (ፌንሲን) ኣብ ዘለዉ ውድድራት ብወገን እንስሳታት ይዅን ብኣትለታት ዝተመዝገቡ ውጽኢታት ኣለዉ።

ቢቢሲ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተረኸቡ ኣሃዛት ከምዚ ዝስዕብ የቕርቦ።

1. ዝነውሐ ዘላሊ

ማይክ ፓወልን ነብሪ ክነጻጸሩ እንከለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክብረወሰን ሰብ፡ 8.95 ሜትሮ – ማይክ ፓወል (ኣመሪካ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 15 ሜትሮ – ነብሪ

2. ዝለዓለ ዘላሊ

ዝለዓለ ዘላሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክብረወሰን ሰብ፡ 2.45 ሜትሮ – ሃቪየር ሶቶመየር (ኩባ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 5.7 ሜትሮ – ጻዕዳ ጭራ ዘለዎ ጃካራቢት

3. ቅልጡፍ ተመርቃፋይ (ስፕሪንተር)

ኖዋ ላይልስን ነብሪ ጐልጎልን (ቺታ)

ምንጪ ስእሊ, Getty, Shutterstock

ክብረወሰን ሰብ፡ 43.6 ኪ.ሜ/ሰዓት – ኖዋ ላይልስን (ኣመሪካ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 114.5ኪ.ሜ/ሰዓት – ነብሪ ጐልጎልን (ቺታ)

4. ቅልጡፍ ሓምባሳይ

ማይክል ፌልፕስን ሴየልፊሽን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክብረወሰን ሰብ፡ 7.08 ኪ.ሜ/ሰዓት – ማይክል ፌልፕስ (ኣመሪካ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 40ኪ.ሜ/ሰዓት – ሳይልፊሽ

5. ዓሚቝ ሓምባሳይ ውሽጣውሽጢ

ኣሕመድ ጃብርን መንቋሕቋሕታ ዘለዎ ዓሳ ነባሪ ኩቪየርን

ምንጪ ስእሊ, Alamy, Shutterstock

ክብረወሰን ሰብ፡ 332 ሜትሮ – ኣሕመድ ጃብር (ግብጺ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 2,992 ሜትሮ – መንቋሕቋሕታ ዘለዎ ዓሳ ነባሪ ኩቪየር

6. ምልዓል ክብደት

ላሻ ታላካድዘን ኣፍሪቃዊ ሓርማዝን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክብረወሰን ሰብ፡ 485 ኪሎ – ላሻ ታላካድዘ (ጆርጅያ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 1000 ኪሎ – ኣፍሪቃዊ ሓርማዝ

7. ማራቶን

ኬልቪን ኪፕቱምን ሰገን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክብረወሰን ሰብ፡ 2:00:35 ሰዓታት – ኬልቪን ኪፕቱም (ኬንያ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 45 ደቓይቕ – ሰገን

8. ቅልጡፍ ጎሳጢ

ኪት ሊደልን ማንቲስ ሽሪምፕን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክብረወሰን ሰብ፡ 20ሜ/ካልኢት – ኪት ሊደል (ኣመሪካ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 23ሜ/ካልኢት – ማንቲስ ሽሪምፕ

9. መኸተ ሴፍ

ዳኒኤል ጋሮዞን ጸፊሕ-ሓሰኻን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሉጽ ሰብ፡ ዳኒኤል ጋሮዞ (ኢጣልያ) – ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ 2016

እንስሳ ዝበለጸ: ጸፊሕ-ሓሰኻን – ከም ኣካል ፍቕራዊ ርክብ ብብልዕቶም ይምክቱ