ኦሎምፒክ፡ ሰባት ዘመዝገብዎም ክብረወሰን ዝስዕሩ 9 እንስሳታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ብቕዓት ኣትለታት ምስ ብቕዓት እንስሳታት ብኸመይ ይነጻጸር?
ካብ ነዊሕ ዝላ ክሳብ መኸተ ሴፍ (ፌንሲን) ኣብ ዘለዉ ውድድራት ብወገን እንስሳታት ይዅን ብኣትለታት ዝተመዝገቡ ውጽኢታት ኣለዉ።
ቢቢሲ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተረኸቡ ኣሃዛት ከምዚ ዝስዕብ የቕርቦ።
1. ዝነውሐ ዘላሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክብረወሰን ሰብ፡ 8.95 ሜትሮ – ማይክ ፓወል (ኣመሪካ)
ክብረወሰን እንስሳታት፡ 15 ሜትሮ – ነብሪ
2. ዝለዓለ ዘላሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክብረወሰን ሰብ፡ 2.45 ሜትሮ – ሃቪየር ሶቶመየር (ኩባ)
ክብረወሰን እንስሳታት፡ 5.7 ሜትሮ – ጻዕዳ ጭራ ዘለዎ ጃካራቢት
3. ቅልጡፍ ተመርቃፋይ (ስፕሪንተር)

ምንጪ ስእሊ, Getty, Shutterstock
ክብረወሰን ሰብ፡ 43.6 ኪ.ሜ/ሰዓት – ኖዋ ላይልስን (ኣመሪካ)
ክብረወሰን እንስሳታት፡ 114.5ኪ.ሜ/ሰዓት – ነብሪ ጐልጎልን (ቺታ)
4. ቅልጡፍ ሓምባሳይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክብረወሰን ሰብ፡ 7.08 ኪ.ሜ/ሰዓት – ማይክል ፌልፕስ (ኣመሪካ)
ክብረወሰን እንስሳታት፡ 40ኪ.ሜ/ሰዓት – ሳይልፊሽ
5. ዓሚቝ ሓምባሳይ ውሽጣውሽጢ

ምንጪ ስእሊ, Alamy, Shutterstock
ክብረወሰን ሰብ፡ 332 ሜትሮ – ኣሕመድ ጃብር (ግብጺ)
ክብረወሰን እንስሳታት፡ 2,992 ሜትሮ – መንቋሕቋሕታ ዘለዎ ዓሳ ነባሪ ኩቪየር
6. ምልዓል ክብደት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክብረወሰን ሰብ፡ 485 ኪሎ – ላሻ ታላካድዘ (ጆርጅያ)
ክብረወሰን እንስሳታት፡ 1000 ኪሎ – ኣፍሪቃዊ ሓርማዝ
7. ማራቶን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክብረወሰን ሰብ፡ 2:00:35 ሰዓታት – ኬልቪን ኪፕቱም (ኬንያ)
ክብረወሰን እንስሳታት፡ 45 ደቓይቕ – ሰገን
8. ቅልጡፍ ጎሳጢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክብረወሰን ሰብ፡ 20ሜ/ካልኢት – ኪት ሊደል (ኣመሪካ)
ክብረወሰን እንስሳታት፡ 23ሜ/ካልኢት – ማንቲስ ሽሪምፕ
9. መኸተ ሴፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሉጽ ሰብ፡ ዳኒኤል ጋሮዞ (ኢጣልያ) – ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ 2016
እንስሳ ዝበለጸ: ጸፊሕ-ሓሰኻን – ከም ኣካል ፍቕራዊ ርክብ ብብልዕቶም ይምክቱ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







