ናዚነትን ዓሌትነትን ዘይደረቶ ምሕዝነት እዞም ጸሊምን ጻዕዳን ኣትለታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኦሎምፒክ ኣብ ታሪኽ ባህሪያዊ ምልክት ስፖርት ክኸውን ዝኸኣለ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ንሻምፕዮን ነዊሕ-ዝላ፡ ሉዝ ሎንግ ግን ሕማቕ ሳዕቤን ነይርዎ።
ኣብ 1936 ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቀንዲ መወዳድርቲ ሉዝ ሎንግ ዝነበረ ጄሲ ኦዌንስ እዩ።
ኦዌንስ ነቲ ናይ ሸሞንተ ሜተር ምልክት ሓሊፉ ምስ ዘለለ፡ ሉዝ ሎንግ ናብቲ ቀንዲ መወዳድርቱ ጎይዩ ብምኻድ ሓቚፉ እንቋዕ ደስ በለካ ኢልዎ።
ልዕልነት ዓሌት ኣርያን ዘሰጕም መራሒ ናዚ ኣዶልፍ ሂትለር ኣብ ዝተረኸበሉ፡ ምንቅስቓስ ሲቪላዊ መሰላት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘይተዘርገሓሉ እዋን፡ እቶም ክልተ ጸሊምን ጻዕዳን ኣትለታት ጎኒ ንጎኒ እናጎየዩ ክብሮም ገሊጾም።
ኵሉ ሰብ ግን ኣየጣቐዓሎምን። ኣብቲ ስታድየም ኣብ ዝበረኸ ቦታ ኰይኑ ዝዕዘብ ዝነበረ መራሒ ጀርመን ኣዶልፍ ሂትለር በቲ ምርኢት ሕጕስ ኣይነበረን።
ሉዝ ሎንግ ናይ ናዚ ሰላምታ ከቕርብ እንከሎ፡ ኦዌንስ ድማ ንባንዴራ ናይታ ከም ዜጋኣ ክትቅበሎ ድውልቲ ዘይነበረት ኣመሪካ ክበሩ ገሊጹ።
እዚ ክኸውን እንከሎ ግን ክልቲኦም ኣትለታት ብዛዕባ እቲ ዝጽበዮም ዝነበረ ነገር ዝፈልጥዎ ዋላ ሓደ ነገር ኣይነበረን።
ሉዝ ሎንግን ጄሲ ኦዌንስን፡ ክልቲኦም ኣብ 1913 እዮም ተወሊዶም። ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ክራኸቡ እንከለዉ ድማ ክልቲኦም ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ኣትለቲካዊ ብቕዓቶም ነይሮም።
እቲ ምምስሳሎም ግን ኣብዚ እዩ ዘብቅዕ። ኣጀማምራኦምን ናብ ተሳትፎ ኦሎምፒክ ዝገበርዎ ጉዕዞን ኣዝዩ’ዩ ዝተፈላለ።
ኦዌንስ፡ ኣቦ ሓጐኡ ባርያ ዝነበረን ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ሓረስቶት ኣላባማ ካብ ዝዓበዩ 10 ቈልዑ እቲ ዝነኣሰን እዩ።
ቈልዓ ከሎ ምስቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ ጡጥ ይለቅም ነይሩ፤ እታ ስድራቤት ናብ ክሊቭላንድ ምስ ገዓዘት ግን እቲ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ትምህርቲ ጀሚሩ። ኣብኡ ድማ ዓቕሚ ኣትለቲክስ ከምዘለዎ ንጹር ኰይኑ።
ኦዌንስ ኣብ ኦሃዮ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ንኽመሃር ናይ ኣትለቲክስ ስኮላርሺፕ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ትሕቲ መምርሒ ኣሰልጣኒ ላሪ ሽናይደር ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝፍለጡ ተመርቃፋይ (sprinter) ክኸውን ክኢሉ።
ኣብ 1935 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ኦዌንስ ሰለስተ ክብረወሰናት ዓለም ሰቢሩ። ምስ ካልእ ክብረወሰን ድማ ማዕረ ውጽኢት ኣመዝጊቡ። እዚ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ኰይኑ፡ 8.13 ሜትሮ ብምዝላል ኣብ ነዊሕ ዝላ ን25 ዓመታት ዝጸንሕ ሓድሽ ታሪኽ ኣስፊሩ።
ሎንግ ግን ዘይከም መወዳድርቱ፡ ኣብ ላይፕዚግ ካብ እትርከብ ማእከላይ ደርቢ ስድራቤት ዝተወልደን ፍሉይ ኣተዓባብያ ዝረኸበን’ዩ።
ሎንግ፡ ምስ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ገጠር ኣብ ዓቢ መረባ ኣብ ዘለዎ ገዛ’ዩ ዓብዩ።
ኣብ 1928 ናብ ጋንታ ስፖርት ላይፕዚግ ተጸንቢሩ፤ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣሰልጣኒ ጆርጅ ሪክተር ብቕዓቱ ኣማዕቢሉ።
ኣብ 1933 ክብረወሰን ነዊሕ ዝላ ጀርመን ሰቢሩ፤ ኣብ 20 ዓመት ዕድመኡ ሃገራዊ ሻምፕዮን ኰይኑ። ኦሎምፒክ በርሊን ንኽካየድ ክልተ ኣዋርሕ ክተርፎ እንከሎ፡ ሎንግ 7.82 ሜተር ብምዝላል ናብ ሳልሳይ ሃገራዊ ሻምፕዮንነት ኣምሪሑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኦዌንስን ሎንግን ካብቲ ውድድር ወጻኢ ምስ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኵነታት ተቓሊሶም እዮም።
ስርዓት ናዚ ኣብ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣይሁድ ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣመሪካ ኣብ ጸወታታት ኦሎምፒክ በርሊን ንኸይትሳተፍ ልዑል ጸቕጢ ይገብር ነይሩ።
ኦዌንስ ኣብ መጀመርታ "ኣብ ጀርመን ኣድልዎ ዝፍጸሞም ውሑዳት እንተሃልዮም ኣመሪካ ክትስሕብ ኣለዋ" ብምባል ሃገሩ ንኽይትሳተፍ ብምድጋፍ ዝፍለጥ’ዩ።
ካብ ኣሰልጣኒኡ ዝቐረበ ልመናን ካብ ኮሚተ ኦሎምፒክ ኣመሪካ ዝተወሃበ መረጋገጺን ስዒቡ ግን ንክሳተፍ ተሰማሚዑ።
ኣመሪካ ንዅነታት ክትግምግምን ጀርመን ብዛዕባ ተሳትፎ ኣይሁዳውያን ስፖርተኛታ ዘለዋ ፖሊሲ ንምዝታይን ልኡኽ ሰዲዳ ነይራ።
ኣብ ጀርመን ግን፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ስፖርተኛታት ዝግበሮ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጸቕጢ እናወሰኸ’ዩ ነይሩ።
ሎንግ ኣብ 1933 ናብ ሃገራዊት ጋንታ ክጽንበር እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ሂትለር ቻንስለር ጀርመን ኰይኑ ተመዚዙ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኦዌንስን ሎንግን ኣብ ስታድዩም ኦሎምፒክ በርሊን ኣብ ነዊሕ ዝላ ክወዳደሩ እንከለዉ፡ ሂትለር ተረኺቡ ነይሩ።
ክልቲኦም ተደጋጋሚ ቃልሲ ኣካይዶም። ሎንግ ምስ ኦዌንስ ማዕረ ርሕቀት 7.87 ዘሊሉ ንደገፍቲ ኣብ ሜዳኡ ኣሐጒስዎም።
ኦዌንስ እውን ኣዝዩ ኣብ ዘድልዮ እዋን ዝያዳ ጻዕሪ ብምግባር 7.94 ሜትሮ ዘሊሉ። ሎንግ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ክንድቲ ዝድለ ኣይተዓወተን።
ድሮ ዓወቱ ዘረጋገጸ ኦዌንስ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ፈተኑ 8.06 ሜትሮ ብምዝላል ን24 ዓመታት ዝጸነሐ ክብረወሰን ኦሎምፒክ ኣመዝጊቡ።
ሎንግ ግን ስዕረቱ ከይገደቦ፡ ናብቲ መዝለሊ ሑጻ ጎይዩ ብምኻድ ሓቚፉ እንቋዕ ሓጎሰካ ክብሎ እንከሎ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ነታ ህሞት እናተዓዘቡ ነይሮም።
"ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይከኣልኩን። ናብኡ እጎዪ። ካብ ኵሉ ቀዲመ እንቋዕ ሓጎሰካ ኢለ ሓቚፈዮ" ይብል ሎንግ።
እዚ ፍጻመ ግን ንሰበስልጣን ጀርመን ኣየሐጎሰን፤ እቲ ምትሕቑቓፍ ኦዌንስን ሎንግን ንፕሮፖጋንዳኦም ከዳኽሞ ከምዝኽእል ዝሰግኡ ኣባላት ናዚ ብንጹር ተቖጢዖም ነይሮም።
ኣብቲ እዋን ምክትል ሂትለር ዝነበረ ሩዶልፍ ሄስ፡ ድሕሪ ጸወታታት ኦሎምፒክ ነዊሕ ከይጸንሐ ናይ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ከምዝለኣኸ ኣደኡ ዮሃና ኣብ መዓልታዊ መዘኻኸሪኣ ትጠቅስ።
እቲ መጠንቀቕታ፡ ሎንግ ድሕሪ ደጊም ንጸሊም ሰብ ክሓቑፍ ከምዘይብሉ ዝገልጽ’ዩ ነይሩ።
ይዅን’ምበር ዳርጋ ድሕሪ 90 ዓመታት ዕርክነት ኦዌንስን ሎንግን ሕጂ’ውን ሓደ ካብቶም ነባሪ ዛንታታት ኦሎምፒክ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
እቲ እንኮ ወዲ ወዲ ኦዌንስ ዝዀነ ስቱዋርት ራንኪን፡ "ነቲ ዕርክነት ምፍጣሮም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝነበረ ኵነታት፡ ኣብ ቅድሚ ሂትለር፡ በቃ ፍሉይ እዩ ነይሩ" ክበል ይገልጾ

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED
እቲ እዋን ኦዌንስን ሎንግን ነንሕድሕዶም ዝተወዳደሩሉ እንኮ ግዜ እዩ።
ኦዌንስ ኣብ 200 ኣብ 4x100 ሜተርን ብምውድዳር ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያ ረኺቡ።
ድሕሪ እቶም ውድድራት ብቕጽበት ኣብ ሽወደን ኣብ ዝካየድ ውድድር ክሳተፍ ተሓቲቱ ብምእባዩ ግን፡ ኦዌንስ ብማሕበር ኣትለቲክስ ኣመሪካ ካብ ውድድር ተኣጊዱ። ብውጽኢታዊ መንገዲ ድማ ስፖርታዊ ሂወቱ ኣብቂዑ።
ኦዌንስ ኣብ ኒውዮርክ ፍሉይ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ’ኳ እንተተገበረሉ፡ ኣብቲ ንኽብሩ ዝተዳለወ ድግስ ዘጋጠመ ፍጻመ ግን ዝረኸቦ ክብሪ ኦሎምፒክ ብዘየገደስ ዝተቐየረ ነገር ከምዘየለ ዘረጋገጸ’ዩ ነይሩ።
ንሱ ናብቲ ንኽብሩ ዝተዳለወ ድግስ ዝተዳለወሉ ሆቴል ምስ በጽሐ፡ ንጸለምቲ ብዝተዳለወ ጎናዊ መእተዊ ክኣቱ ተገይሩ። እዚ ድማ ናይቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኣመሪካ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ኣድልዎን ዓሌታዊ ጽልእን ልዑል መዘኻኸሪ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኦሎምፒክ በርሊን ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ዝዀነ ሎንግ፡ ብድሕሪኡ ሃገራዊ ሻምፕዮንን ወናኒ ክብረወሰን ነዊሕ ዝላ ኣውሮጳን ኰይኑ።
ካብ መርመራን ጥርጣረን ሰበስልጣን ናዚ ግን ክሃድም ኣይከኣለን።
እዚ ምስ ኦዌንስ ዝገበሮ ምትሕቑቛፍ ሳዕቤን ነይርዎ። ብሰበስልጣን ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ክትትል ስለዝኣተወ፡ ዝያዳ ክጥንቀቕን ርእሱ ከድንንን ተገዲዱ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎንግ ድሕሪ ምጅማር ካልኣይ ኲናት ዓለም ዳግማይ ኣይተወዳደረን፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ሞያኡ ከም ጠበቓ ኣተኲሩ ነይሩ።
ኣብ 1941 ምስ ጂሰላ ተመርዕዩ፡ ኣብ ሕዳር ናይታ ዓመት ድማ ንካይ ሃይንሪክ ወሊዱ።
ብድሕሪ’ዚ ናብ ውትህድርና ተመልሚሉ፣ ኣብ መጀመርታ ካብ ቅድሚት ግንባር ርሒቑ ዕማማት ይፍጽም ነይሩ።
ይዅን’ምበር፡ ብ1943 ሎንግ ናብ ሲሲሊ ተላኢኹ።
ሓይልታት ኪዳን ብ10 ሓምለ 1943 ኣብ ሲሲሊ ምስ በጽሑ፣ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ሓይልታት ጀርመን ንድሕሪት እናተመልሱ፡ ሎንግ ኣብ እግሩ ብፍንጭልጫል ቦምባ ተሃሪሙ፡ ብመፍሰስቲ ደም ድማ ህይወቱ ስኢኑ።

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED
ኦዌንስ ኣብ እዋን ኲናት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣይተመዝገበን፡ ኣይተመልመለን’ውን።
ይኹን’ምበር፡ ካብ ወግዓዊ ኣትለቲካዊ ውድድር ተኣጊዱ ስለዝነበረን መወዓውዒ ንግዲ እውን ብቕልጡፍ እናነቐጸን ስለዝኸደን፡ ንስድርኡ ዝድግፈሉ ዘይተመልምዱ መገድታት ክረክብ ግድን ኰይንዎ።
ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተቐዳደምቲ ገንዘብ ኣትሒዙ ይወዳደር ነይሩ ነይሩ፣ ዝተወሰነ ርሕቐት ኣቐዲሞም ክጅምሩ ብምግባር ብቐሊሉ ይስዕር፤ ዝወዳደሮ ሰብ ክስእን እንከሎ ድማ ምስ ሞተር ብሽክለታ፡ መካይን ወይ ኣፍራስን ይወዳደር ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ፡ ኦዌንስ ኣብ 1950ታት ከም መደረ ዘስምዕ ደራኺ ስራሕ ምስ ረኸበ ነገራት ክመሓየሹ ጀሚሮም። ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ህዝባዊ ርክባት ንግዲ ጀሚሩ፡ ከም ኣምባሳደር ስፖርት ኰይኑ እውን ኣብ መላእ ዓለም ክዘዋወር ቀጺሉ።
ኣብ 1951 ምስ ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዐት ሃርለም ግሎብትሮተርስ ናብ ጀርመን ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ኦዌንስ ምስ ስድራቤት ሎንግ ተራኺቡ። ንካይ ድማ ናብቲ ኣብ ሃምቡርግ ዝተኻየደ ጸወታ ግሎብትሮተርስ ከም ናይ ክብሪ ጋሻኡ ገይሩ ወሲድዎ።
ኣብ 1964፡ ካይ ኣብታ ‘ጀሲ ኦዌንስ ሪተርንስ ቱ በርሊን’ እትብል ሰነዳዊት ፊልም ተሳቲፉ፤ ኦዌንስን ካይን ድማ ኣብቲ ናይ ኦሎምፒክ ስታድየም ዝነበረ ምትሕቝቛፍ ኣምሲሎም ተዊኖም።

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED
ኦዌንስ ኣብ 1976 ፕረዚደንታዊ መዳልያ ናጽነት ተሸሊሙ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም መንሽሮ ሳንቡእ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።
ድሕሪ ሞቱ ኣብ 1990 ወርቂ መዳልያ ኮንግረስ ተሸሊሙ። ኣብ 2016 ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንኣዝማድ ኦዌንስ ናብ ዋይት ሃውስ ዓዲሙ።
በዓልቲ ቤቱ ሩት፡ ንሕድሩ ብምቕጻል ንጀሲ ኦዌንስ ፋውንዴሽን ኣካያዲት ኰይና መሪሓ። ድሒሩ ድማ ነዚ ሓላፍነት ንኣዋልዶም - ግሎርያ፡ ማርሊንን ቤቨርሊን ኣረኪባ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስድራቤት ሎንግን ኦዌንስን ርክብ ከየቋረጹ እዮም ጸኒሖም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክውንነት ዕርክነት ኦዌንስን ሎንግን ብኽልቲኦም ስድራቤታት ፍቱው ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ፍሉይ ምትእስሳሮም ግን ኣብ ኢንተርነት ናይ ገዛእ ርእሱ ህይወት ሒዙ ኣሎ።
ሓደ ብሰፊሑ ዝንገር ጽውጽዋይ፡ ሎንግን ኦዌንስን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንንሕድሕዶም ናብ ተጻባእቲ ወገናት ተጸንቢሮም ከምዝነበሩ የመልክት።
ጓል ጓሉ ንሎንግ ዝዀነት ኬልነር-ሎንግ ግን ሰባት ካብ ታሪኾም ሓያል መልእኽቲ ከምዝርድኡ ትዘረብ።
"ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ተስፋን ምትብባዕን ይህብ" ትብል። "ኣብዚ ብዘሕዝን መንገዲ ዓሌትነትን ኣድልዎን ሕጂ’ውን ዝሰፍሐሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ዛንታ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ'ዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







