ኦሎምፒክ ፓሪስ፡ ሎሚ ብወግዓዊ ኣብ ዝኽፈት ውድድራት ክትፈልጡዎም ዝግባእ ሽዱሽተ ጉዳያት

ምንጪ ስእሊ, Paris 2024/Florian Hulleu
ሎሚ ዓርቢ ዝካየድ መኽፈቲ ስነ ስርዓት እቲ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣትለታት ዝሳተፍሉ ፓሪስ ኦሎምፒክ፡ ኣዝዩ ግሩም ምርኢት ከም ዝህልዎ ይግመት።
ዝበዝሕ ነገራት እቲ ስነ ስርዓት ብሚስጢር ተታሒዙ ስለ ዘሎ ብዙሓት ዘደንቑ ነገራት ኢና ክንጽበ።
እቲ ስነ-ስርዓት፡ ሎሚ ብኣቈጻጽራ ሰዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምሸት 8፡30 ዝጅምር ኰይኑ፡ ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ከም ዝጸንሕ ይግመት።
ጸወታታት ፓሪስ ኦሎምፒክ ክካየዱ ቀንዮም ኣለው፤ እዚ ንዝተፈላለያ ሃገራት ዝወከሉ ስፖርተኛታት ዝሳተፍሉ ጸወታታት፡ ንኽልተ ሰሙን ክካየድ እዩ።
እዚ ምስ ተወድአ ድማ፡ ጕዱኣት ኣካል ዝሳተፍሉ ጸወታታት ፓራኦሊምፒክ ክካየድ እዩ።
ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ፡ ዝተፈላለዩ ውድድራት ስፖርት ክካየዱ እንከለው፡ ውድድር ብሬክ ዳንስ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ኦሎምፒክ ክርአ’ዩ።
ዘሀንጢ መኽፈቲ ስነ ስርዓት
ንፈለማ እዋን፡ እቲ ስነ-ስርዓት ካብ ስታድዮም ወጻኢ ኣብ ማእከል ከተማ ክካየድ እዩ።
ጋንታታት ኦሎምፒክ ዓለም ብጀላቡ ኣብ ሩባ ሴን ዑደት ክገብራ ተዳልየን ኣለዋ።
ብዳይረክተር ስነ ጥበባዊ ትሕዝቶ ናይቲ ስነ-ስርዓት ቶማስ ጆሊ ዝእለ ብስክሪን ዝቐርብ ምርኢት ድማ፡ ኣስታት 300 ሽሕ ተዓዘብቲ ክርእዩዎ ትጽቢት ኣሎ።
እተን ኣብቲ ሩባ ዝንሳፍፋ ጃላቡ ልዕሊ 10 ሽሕ ስፖርተኛታት ሒዘን ኣብ 3.7 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መስመር ማይ ክዛወና እየን።
እተን ጀላቡ፡ ቅድሚ ናብ ትሮካዴሮ ምብጽሐን፡ ንገለ ካብቶም ፍሉጣት ድልድላትን መለለዪታትን ፓሪስ ዝዀኑ ካቴድራል ኖተር ዳምን ኤይፍል ታወርን ክሓልፋ እየን።
ኣስታት 3000 ስነ ጥበባውያን ነቲ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ከድምቝዎ ትጽቢት ይግበር። ፈረንሳዊት ማላዊት ኮኸብ ኣርኤንድቢ ኣያ ናካሙራ ሓንቲ ካብቶም ሙዚቀኛታት ክትከውን ትኽእል።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ዝተራእየት ካናዳዊት ኮኸብ ሲሊንዲዮን’ውን ክትሳተፍ ከም እትኽእል ይግመት።
ንሳ ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገማት ብ2022 ዝወጠነቶ ምርኢት ሙዚቃ ከም ዝሰረዘት ይዝከር።
ካልእ ኣብታ ከተማ ዝተራእየት ሌዲ ጋጋ’ውን ኣካል እቲ ምድላው ክትከውን ትኽእል እያ ዝብሉ ወረታት ኣለው።
ልዕሊ 100 ዕዱማት መራሕቲ
ሽግ ኦሎምፒክ፡ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ዝወሰደ ጕዕዞ ካብ ግሪኽ ናብ ፓሪስ ገይራ።
መንነት ኣብ መወዳእታ እታ ሽግ ዝውልዓ ሰብ ክሳብ ብዓብይ ስክሪን ወግዓዊ ዝኸውን ብሚስጢር እዩ ዝትሓዝ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ብ1996 ኣብ ኣትላንታ ንኸም መሓመድ ዓሊ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኣብ ሲድኒ ንስፕሪንተር ካቲ ፍሪማን ተዋሂቡ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ ነዛ ሽግ ኦሎምፒክ ካብ ዝሓዙዋ ፍሉጣት ሰባት፡ ተጻዋቲ ኵዕሶ እግሪ ፈረንሳ ነበር ቴሪ ሄንሪ፣ ሮማኔ ዲኮ ይርከብዎም።
ራፐር ሱኑፕ ዶግ’ውን ቅድሚ እቲ ምጅማር መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኣብ መወዳእታ ደረጃታት ምስካም እታ ሽግ ናይ ምሓዝ ተራ ክህልዎ እዩ።
ኣብዚ ስነ ስርዓት፡ ብርክት ዝበሉ ህቡባት ሰባት፣ ልዕሊ 100 መራሕቲ ሃገርን መንግስታትን ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ጸብጻብ ሮይተርስ ይሕብር።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ዝርከቦም፡ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣመሪካ ጂል ባይደንን ፕረዚደንት ኣርጀንቲና ሃቪየር ሚሌን ካብቶም ትጽቢት ዝግበረሎም ዕዱማት እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Paris 2024/Florian Hulleu
ፓሪስ ኦሎምፒክ ዝጸንሓሉ ግዜ
እዚ ኦሎምፒክ፡ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 እዩ ዝካየድ።
ኣብዚ 10 ሽሕን 500 ኣትለታት ዝሳተፍሉ ውድድር፡ 32 ጸወታታት ክካተቱ እንከለው፡ ፈረንሳ፡ ንዕውታት ኣትለታት ዝዀኑ 329 መዳልያታት ኣዳልያ ኣላ።
እዚ ውድድር ምስ ተወድአ ድሕሪ 17 መዓልቲታት 14 ሽሕን 400 ኣትለታት ዝሳተፍሉ ውድድር ፓራኦሊምፒክስ ክጅምር እዩ።
206 ሃገራት ኣብ ጸወታታት ኦሎምፒክ፡ 184 ድማ ኣብ ጸወታታት ፓራኦሊምፒክስ ክሳተፋ እየን።
ፓሪስ፡ ኣብ ታሪኽ ንለንደን ስዒባ ጸወታታት ኦሎምፒክ ንሳልሳይ ግዜ ዘዳለወት ካልኣይቲ ከተማ ኰይና ኣላ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ብ1908፣ 1948፣ 2013 ኦሎምፒክ ከም ዘዳለወት ይዝከር።
እቲ ዝሓለፈ ኦሎምፒክ ኣብ ቶክዮ ክካየድ እንከሎ፡ እቲ ውድድር ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብ2021 ከም ዝተኻየደ ይዝከር።
ውድድር ዝካየደሉ ቦታታት
ኣብ ማእከላይ ፓሪስ፡ ጸወታታት ኦሎምፒክ ዝተኣናገዱሎም 15 ኣዳራሻት ክዳለው እንከለው፡ ንፓራኦሊምፒክስ ድማ 11 ኣዳራሻት ክዳለው እዮም።
ትራያትሎን፣ ቀንዲ ውድድርን ፓራ ትራያትሎን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ሩባ ሲየን ክካየዱ’ዮም።
ስታድ ደ ፍራንስ፡ ቀንዲ ውድድራት ኣትለቲክስ፡ ጸወታታት ኵዕሶ እግሪ ድማ ኣብ ሽዱሽተ ማእከላይ ስታድየማት ክተኣናገዱ’ዮም።
ኣብ ገምገም ሜድትራኒያን ኣብ እትርከብ ማርሴ ድማ፡ ውድድር ሴይሊን ይካየድ።
ኣብ ደቡብ ፓስቲክ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ፈረንሳ ታሂቲ ሰርፊን ዝተባህለ ኣብ ውቅያኖስ ዝካየድ ስፖርት ተአንግድ ኣላ።
እቶም ውድድራት ዝካየዱሎም ኣዳራሻት ኣስታት 8 ቢልዮን ዩሮ ወጻኢ ይግመቱ።
ሓደስቲ ጸወታታት
ብሬኪንግ ዝተባህለ ዓይነት ዳንስ፡ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ንፈለማ እዋን ተኻቲቱ ኣሎ።
ብሬክ ዳንሲን ወይ ብሬኪን ኣብ 1970ታት፡ ኣብ ኒውዮርክ ዝተፈጥረ ጂምናስቲክ ዝመስል ስፖርት እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ውድድር ኦሎምፒክ ቶክዮ ዝተኣታተው ቢኤምኤክስ፡ ስኬትቦርዲን፡ ስፖርት ክላይሚንን ሰርፊንን’ውን ክቕጽሉ’ዮም።
ካራተን ቤዝቦልን ግን ኣብዚ ዓመት ኣይተኻተቱን።

ምንጪ ስእሊ, IOPP/Getty Images
ሩስያ ክትሳተፍ ድያ?
ሩስያን ቤላሩስን ኣትለታተን ናብ ፓሪስ ከይልእካ ተነጊሩወን እዩ።
ሞስኮ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዝፈጸመቶ ወራር እያ ካብቲ ውድድር ተኣጊዳ። ቤላሩስ ድማ ጸግዒ ሩስያ ብምውሳዳ ተኣጊዳ።
እንተዀነ፡ ካብዘን ሃገራት ዝመጽኡ ኣትለታት ብውልቂ ክወዳደሩ ይኽእሉ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ “ስለ ምንታይ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብእተካይዶ ዘላ ኲናት ዘይተኣገደት?” ብምባል ንዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ነቒፉ።
ፕረዚደንት እቲ ኮሚቴ ቶማስ ባኽ፡ ከምዚ ዓይነት ምንጽጻር ግጉይ’ዩ ብምባል እስራኤል ኣብቲ ውድድር ከም እትሳተፍ ንሮይተርስ ኣረጋጊጹ።
ካብ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ኣትለታት፡ ኣብ ጕጅለ ኦሎምፒክ ስደተኛታት ተኻቲቶም ክሳተፉ’ዮም።
ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ እዚ ጕጅለ ካብ ሶርያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኣፍጋኒስታንን ካሜሩንን ሓዊሱ ካብ 11 ሃገራት ዝተዋጽኡ 29 ኣትለታት ሓቚፉ ነይሩ።
እዞም ጸወታታት ኣብ ስታድየም ንምርኣይ 21 ዩሮ ይሓትት።
ሎስ ኣንጅለስ ኣብ 2028 ኣውስትራሊያዊት ከተማ ብሪስበን ድማ ኣብ 2032 ዝካየዱ ውድድራት ኦሎምፒክ ከአንግዳ ድሌት ኣለወን።
ህንዲ፡ ፖላንድ፡ ሜክሲኮን ኢንዶኔዥያን ድማ ኣብ 2036 ኦሎምፒክ ንምድላው ድልየት ከም ዘለወን ገሊጸን ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







