ብዛዕባ ፈረንሳይ እትእንግዶ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዛጊድ እንታይ ትፈልጡ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸወታታት ፓሪስ ኦሎምፒክ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ክካየድ’ዩ። ድሕሪ እዚ ውድድር ድማ ጸወታ ፓራሎምፒክ ክቕጽል እዩ። ፓሪስ ስነ ስርዓት መኽፈቲ እቲ ውድድር ኣብ ጀላቡ ክተካይዶ ወሲና ኣላ። ኣብዚ ሎምዘበን ዝካየድ ውድድራት ፓራኦሎምፒክ ውድድር ‘ብሬክ ዳንስ’ ንፈለማ ግዜ ከምዝህሉ ተፈሊጡ’ሎ።
ውድድራት ኦሎምፒክ ፓሪስ መዓዝ’ዩ ክጅመር?
ኦሎምፒክ ፓሪስ ካብ ሓምለ 19 ክሳዕ ነሓሰ 5 ኣብ ዘሎ ግዜ ክካየድ እዩ። ኣብቲ 32 ዓይነት ውድድራት ከምዝህልዎ ዝተገለጸ ኦሎምፒክ ፓሪስ ልዕሊ 10 ሽሕ ስፖርተኛታት ክሳተፍሉ’ዮም። ንተዓወትቲ ዝወሃቡ 329 ሜዳልያታት ድማ ንሽልማት ተዳልዮም ኣለዉ።
ኦሎምፒክ ፓሪስ ምስተዛዘመ ድሕሪ 17 መዓልቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ 4 ሽሕ ኣትሌታት ዝወዳደርሉ ፓራኦሎምፒክ ዝጅመር ኮይኑ፡ ን184 ሃገራት ዝወከሉ ስፖርተኛታት ክሳተፉ እዮም። ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ድማ 206 ሃገራት ዝወከሉ ስፖርተኛታት ክሳተፍሉ’ዮም።
ፓሪስ ቅድሚ ሕዚ ኣብ 1908ን 1924ን [ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን] ውድድራት ኦሎምፒክ ኣተኣናጊዳ ነይራ እያ። ርእሰ ከተማ ፈረንሳይ ካብ ለንደን ቀጺላ ውድድራት ኦሎምፒክ ንሳልሳይ ግዜ ብምእንጋድ ካልአይቲ ከተማ ኮይና ኣላ።
እቲ ዝሓለፈ ኦሎምፒክ ኣብ ቶክዮ ጃፓን ዝተኻየደ ኮይኑ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ሓደ ዓመት ደንጉዩ ኣብ 2021’ዩ ተኻይዱ።
እቶም ውድድራት ንምክያድ ኣብ ማእከላይ ፓሪስ 15 ኣዳራሻት ዝተዳለዉ ኮይኖም ንፓኦራሎምፒክ ድማ 11 ኣዳራሻት ክስርሑ’ዮም።
ወጻኢታት ንምንካይ ተባሂሉ መብዛሕቲኦም ውድድራት ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣዳራሻት ከምዝካየዱ ኣሰናዳእቲ እቲ ውድድር ኣፍሊጦም።
ውድድራት ዝካየደሎም ኣዳራሻት ንምስራሕ ኣስታት 8 ቢልዮን ዩሮ ዝውድእ እዩ።
ኣብቲ ናይ ፓሪስ ኦሎምፒክ ውድድር ‘ብሬክንግ ዳንስ’ ንፈለማ ግዜ ዝካየድ ኮይኑ ካራቴን ቤዝቦልን ድማ ኣካል እቲ ውድድር ከምዘይኮኑ ተፈሊጡ’ሎ።
መኽፈቲ ስነ ስርዓት እቲ ኦሎምፒክ ንከተማ ፓሪስ ብማእኸል ፈንጺሑ ኣብ ዝሓልፍ ሩባ ሴን ኣብ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ስታድየም ትሮካድሮ ችቦ ኦሎምፒክ ክውላዕ እዩ።
ከምኡ ክኸውን ዝተደለየሉ ቀንዲ ዕላማ ድማ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኣብ ጸግዓ ጸግዒ እቲ ሩባ ኮይኑ ክርኢ ምእንታይ ተሓሲቡ ከምዝኾኑ ኣሰናዳእቲ ገሊጾም።
ሩስያን ቤላሩስን ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ውድድራት ኦሎምፒክ ኣይክሳተፋን እየን። ምኽንያቱ ድማ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክራይን ወራር ፈጺማ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ቤላሩስ ድማ ኣብ ጎኒ ሩስያ ምውጋና ስዒቡ ኣትሌታተን ከይልእኻ ተነጊርወን እዩ።
እንተኾነ ደቂ እተን ክልተ ሃገራት ዝኾኑ ስፖርተኛታት ብውልቆም ክሳተፉ ይኽእሉ’ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ንዝፈጸመቶ ወራር ድኣ ስለምንታይ ዘይተኣገደት ክብል ኣብ ልዕሊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ከቢድ ነቐፌታ ኣስሚዑ።
ፕረዚደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ቶማስ ባኽ ግን “እቲ ብሰርጌ ላቭሮቭ ዝቐረበ ንጽጽር’’ ልክዕ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ እስራኤል ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ ምዃና ንሮይተርስ ገሊጹ’ሎ።
ካብ ዓዶም ዝተመዛበሉ ኣትሌታት ድማ ኣብ ጉጅለ ስደተኛታት ኦሎምፒክ ተሓቝፎም ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ ይኽእሉ’ዮም። ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ፓሪስ 2024 ኣብ ዝብል መርበብ ሓበሬታ ተወኪሱ መእተዊ ትኬት ክዕድግ ይኽእል እዩ።
ኣብ ስታድየም ኣትዩ ውድድራት ክርኢ ዝደሊ ሰብ 21 ዩሮ ጥራይ እዩ ዘድልዮ። ኣሜሪካ ቀጺሉ ኣብ 2028 ዝካየድ ውድድራት ኦሎምፒክ ክተካይድ ዝተሓረየት ኮይና ናይ 2032 ውድድራት ኦሎምፒክ ድማ ኣብ ኣውስትራላዊት ከተማ ብሪስቤን ከምዝካየድ ተፈሊጡ’ሎ።
ሃገራት ህንዲ፣ ፖላንድ፣ ሜክሲኮን ኢንዶኖዥያን ድሕሪ 12 ዓመታት ኣብ 2036 ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክ ንምትእንጋድ ድልየት ከምዘለወን ገሊጸን ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







