'ብሬክዳንስ' ብኸመይ ኣካል ውድድር ኦሎምፒክ ክኸውን ክኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድድር 'ብሬክዳንስ' ወይ 'ብሬኪንግ' ንመጀመርታ ግዜ ኣካል ፓሪስ ኦሎምፒክስ 2024 ክኸውን እዩ።
ብሬኪንግ ወይ ብሬክዳንሲንግ ንመጀመርታ ግዜ ኣካል ኦሎምፒክ ንክኸውን ኣብ 2019 እዩ ናብ ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ሓሳብ ቀሪቡ ነይሩ።
እዚ ዝኾነሉ፡ ብሬክዳንስ ኣብ 2018 ኣብ ቦኖስ ኤየርስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ መንእሰያት ድሕሪ ምትእትታዉ'ዩ።
መሪሕ ኣዳላዊ ውድድር ፓሪስ 2024፡ ብሬክዳንስ - ምስ ሰርፊንግ፡ ጎቦ ምድያብን ስኬትቦርዲንግን - ምትእትታው፡ ንኦሎምፒክ "ዝያዳ መዘናግዒ" ክገብሮ'ዩ ይብል።
ብሬክዳንስ ኣካል ኦሎምፒክ ምዃኑ ንብዙሓት ከገርሞም ይኽእል እዩ፤ ንጸሓፊ፡ ኣሰናዳኢ፡ ስነጥበባዊ፡ በዓል ሃፍቲን ንነብሱ ጀማሪ ሂፕ-ሆፕ ኢሉ ዝሰመየን ማይክል ሆልማን ግን ነቲ 40 ዓመት ዝወሰደ ራኢኡ ጋህዲ ዝገብር እዩ።
ሆልማን ኣብ መጀመርታ 1980ታት ኣብ ማእከል ከተማ ማንሃታን ኣብ ዝርከብ ክለብ ሰሙናዊ ምርኢት ሂፕ-ሆፕ ሪቪው የካይድ ነይሩ።
እዚ ራፕን ግራፊቲን (ቀለም ኣብ መንደቕ ወይ ኣብ ካልእ ህዝባዊ ቦታ ብምንጻግ ምስኣል) ምስቲ ሓድሽ መልክዕ ሳዕስዒት ጎደናታት ዘወሃህደ ምርኢት ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ፡ ብሬክዳንስ ኣብ 2024 ከም ሓደ ውድድር ክቐርብ ተቐቢሉ’ዩ፤ ነዚ ዕውት መርኣያ ዝኾነ ድማ ጸወታታት ኦሎምፒክ መንእሰያት ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ 2018 ዝተኻየደ ውድድር፡ ብሬክዳንስ ብሰልሰት መዳይ ተኻይዱ ፤ ናይ ደቂ ተባዕትዮ፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ’ውን ሓደ ተባዕታይን ሓንቲ ኣንስተይቲን ዘሳትፍ ሕውስዋስ ብሬክዳንስን።
ተወዳደርቲ ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ተሳቲፎም።
መጀመርያ ኣብ ቅድሚ ዳያኑ ውልቃዊ ብቕዓት ብምርኣይ እቶም ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ሰጊሮም።
ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ፡ እቲ ውድድር ብመልክዕ ራውንድ-ሮቢን (ነፍሲ ወከፍ ተወዳዳሪ ምስ ነፍሲ ወከፍ ካልእ ተወዳዳሪ ዝራኸበሉ ውድድር ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብተራ ዝካየድ) ተገይሩ። እቶም 4 ብሉጻት ጉጅለ ድማ ሓሊፎም።
ብድሕሪኡ እቶም 4 ብሉጻት ዝሳተፉሉ ንሜዳልያ ዝግበር ዙር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተኻይዱ።
ኣብ ፓሪስ 2024 እውን ተመሳሳሊ ምዕራፋት ከም ዝህሉ ትጽቢት ይግበር። ይኹን እምበር ውድድር ሕውስዋስ ብሬክዳንስ (ሓደ ተባዕታይን ሓንቲ ኣንስተይቲን ዘሳትፍ) ክስረዝ ይኽእል’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣጀማምራ ብሬክዳንስ
ብሬክዳንስ፡ ቢ-ቦይንግ ወይ ቢ-ገርሊንግ ተባሂሉ’ውን ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ መበገሲኡ ኣብ ሰብዓታት ኣብ ከተማ ኒውዮርክ እዩ።
ካብ ሮክ ፋንክ ክሳብ ላቲን ህርመት ብድምጺ ረምታ ከበሮ ዝተደፋፍአ እዚ ቅዲ ሳዕስዒት፡ ዝተፈላለዩ ብርቱዕ ምንቅስቓሳት የጠቓልል።
ኣብቲ ልዑል ገበንን ድኽነትን ዝነበሮ ጽርግያታት ሳውዝ ብሮንክስ ዝተጀመረ ብሬክዳንስ፡ ከም ሓያል መግለጺ ስምዒት የገልግል ነይሩ።
"ጌቶ ብራዘርስ፡ ብላክ ስፔድስ፡ ሳቬጅ ኖማድስን ሳቫጅ ስከልስን ነይሮም። ንዓመታት ድማ ደም ከፍስሱ ጸኒሖም፤ ርእሲ ይሰብሩ፡ ይቐትሉ፡ ነንሕድሕዶም ብኻራ ይወግኡ" ይብል ሆልማን።
ብድሕሪኡ፡ ኣብ 1971፡ መራሕቲ ጌቶ ብራዘርስ ዝዀኑ የሎው ቤንጂ ምስቶም ኣባላት ተቐናቐንቲ ጕጅለታት ዕርቂ ብምፍጻም ብሓደ ዝተኣኻኸብሉ መድረኽ ኣዳልዮም።
እዞም ፓርቲታት፡ ሳዕስዒት ንዓመጽ ተኪኡ ከም መግለጺ ከባቢያዊ ጅግንነት ክውሰድ ኣበርኪቶም ’ዮም።

ሆልማን ኣስዒቡ፡ "ሳዕሳዕቲ ንካልኦት ሳዕሳዕቲ ብምርኣይ፡ ‘ዋው፡ እዚ ብሉፅ'ዩ፤ ካብ ማሕበረሰብ ቻይና ምንቅስቓስ ከንግ ፉ ዘምጻእኻሉ ኣገባብ። ናትካ ከንግ ፉ ምስቲ ናይ ኣፍሪቃ ኬክዋክ ሳዕስዒተይ ከዋድዶ እየ. . .’ ክብሉ ከም ዝጀመሩ ይገልጽ።
እቲ መልክዕ ሳዕስዒት ግን ካብቲ ናይ ኒውዮርክ ሱሩ ኣዝዩ ርሒቑ’ዩ ተዘርጊሑ። ኣብ 1980ታት ኣብ መወዓውዒታት በርገር ኪንግ፡ ፔፕሲን ኮካ-ኮላን ከምኡ'ውን ኣብ ‘ዋይልድ ስታይል’፡ ‘ቢት ስትሪት’ን ብሬክዳንስን ዝኣመሰሉ ፊልምታት ይቐርብ ነይሩ።
ኣብ 1985፡ ሮክ ስቴዲ ክሩ ዝተበሃለ ጉጅለ ሳዕስዒት ሂፕ ሆፕ ንናይ ሽዑ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ሮናልድ ሬጋን ምርኢት ኣቕሪቡ። ኣብ ማህደር ሲኤንኤን ዝርከብ ተንቀሳቓሲ ስእሊ’ውን፡ ቀዳመይቲ እመቤት ናንሲ ሬጋን ብሬክዳንስ ክትለማመድ ከላ የርኢ።
እዚ ሳዕስዒት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣዝዩ ተፈታዊ ኰይኑ፤ ሰለስተ ደርፊታት ብሬክ ማሽን ዝተበሃለ ኣሜሪካዊ ጉጅለ ራፕ ምስተን ኣብ 1984 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበራ 40 ብሉጻት ደርፍታት ተሰሪዐን ነይረን።
ብድሕሪኡ ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ድሙቕ ሕብሪ ዘለዎም ክዳውንቲ ዝተኸድኑ መንእሰያት፡ ኣብ ደርቢ ማእከል ዕዳጋን ምሸታዊ መዘናግዒ ክለባትን ስሕበት-ዝጻረር ምንቅስቓሳት ክገብሩ ጀሚሮም።
ብፍላይ ድብልዩ-ኤፍ-ኤል-ኤ (WFLA) ዝተበሃለ ኣሜሪካዊ ጉጅለ ሳዕስዒት፡ ኣብ ኦልድ ማርኬት ስክዌር ምርኢት ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኖቲንግሃም ማእከል ብሬክዳንስ ኰይና።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማእከል እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሮክ ሲቲ ዝተበሃለ ናይት ክለብ ውድድር ዘካይዱ ጉጅለታት ሳዕስዒት ተጣይሾም።
እዚ ዓይነት ሳዕስዒት ኣብ መወዳእታ 1980ታት ተፈታውነቱ ዝሒሉ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ብርክት ዝበሉ ትንሳኤታት ኣርእዩ’ዩ።
ሆልማን ንመጀመርያ ግዜ ካብ ሳንፍራንሲስኮ ናብ ኒውዮርክ ዝመጸ ኣብ 1978 እዩ። ዋላ'ኳ ኣብ ዎል ስትሪት ኣብ ዝርከብ ባንክ ይሰርሕ እንተነበረ፡ ቀልጢፉ ግን ብቲ ባህሊ ናይታ ገዛ ከተማ ተመሲጡ።
ሆልማን ነዊሕ ከይጸንሐ ባዕሉ ኣካል ናይቲ መድረኽ ኰይኑ፡ ምስ ፈላሚ ስነጥበባዊ ፋብ ፋይቭ ፍረዲ ዕርክነት ፈጢሩ፤ ናብ ናይ ለይቲ ክለባት ብተደጋጋሚ ክኸይድን ምስ ሙዚቀኛታት፡ ገጠምትን ካልኦት ስነጥበባውያንን ክራኸብ ጀሚሩ።
ኣብቲ ሆልማን ዝሰርሓሉ ዝነበረ፡ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ዘመሓድሮም "ሮክ ስቴዲ ክሩ" ዝበሃሉ ጉጅለ እዮም።
ሆልማን 'ፍሎር ማስተርስ' ዝተበሃለ ሓድሽ ጉጅለ ብሬክዳንስ ኣብ ምምስራትን ድሕሪኡ’ውን ኣብ ምምሕዳርን ሓጊዙ።
ኣብ መላእ እታ ከተማ ካብ ዝርከቡ ብሉጻት ጉጅለታት እቶም ብሉጻት ሳዕሳዕቲ መልሚሎም 'ኒውዮርክ ሲቲ ብሬከርስ' ዝተበሃለ ሓዱሽ ጉጅለ ኣጣይሾም። ገለ ካብቶም ብሉጻት ኣገደስቲ ስነ-ጥበባውያን ኖኤል 'ኪድ ኒስ' ማጉኤል፡ ማቲው 'ግላይድ ማስተር' ካባንን ቶኒ 'ፓወርፉል ፔክስስተር' ሎፔዝን ይርከቡ።
ብሓባር ድማ ብሬክዳንስ ናብ ምሉእ ሓድሽ ደረጃ ክእለት ክበጽሕ ገይሮም።
ሆልማን ሙዚቃ እናሰርሐ፡ ፊልምታት እናቐረጸን፡ ብሬክዳንስ ልሙድ ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ።
ንሱ፡ ማልኮም ማክላረን ዝበሃል ዓርኪ ነይርዎ።
ማክላረን ንሰውራዊ ባህላዊ ምንቅስቓሳት ጽቡቕ ባህርያዊ ድሌት ነይርዎ። ንሱ ሴክስ ፒስቶልስ ዝተበሃለት ጉጅለ ኣመሓዲሩ ነይሩ።
ንሆልማን ምስ ሩዛ ‘ኩል ሌዲ’ ዝተበሃለት ኣብ ከተማ እትርከብ እንግሊዛዊት እትርከብ ኣተባባዒት ኣራኺብዎ።
ብዛዕባ ምርኢታት ሂፕ-ሆፕ፡ እቲ ሓድሽ ዝተመስረተ ኒው ዮርክ ሲቲ ብሬከርስ ከምኡ’ውን ምርኢታት ብሬክዳንስ ወረ ምስ ተዘርግሐ፡ ማዕከናት ዜና ኒውዮርክ እውን ኣቓልቦ ክህባ ጀሚረን።
ሆልማን ገለ ትሕዝቶ ናይ ገዛእ ርእሱ ክሰርሕ ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ 1984 ‘ግራፊቲ ሮክ’ ዝብል ናይ ቲቪ መደብ ጀሚሩ። እዚ መደብ እዚ ንሂፕ-ሆፕ ዝተወፈየ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ኰይኑ፡ ከም ራን-ዲኤምሲ፡ ኩል ሞ ዲ፡ ስፔሻል ኬን ኒውዮርክ ሲቲ ብሬከርስ ዝሓቖፈ ነይሩ።
"ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ናይ ሂፕ-ሆፕ ቲቪ መደብ” ከም ዝነበረ ሆልማን ይዛረብ።
ጉጅለ ኒውዮርክ ሲቲ ብሬከርስ እውን ናብ ቀንዲ መስመር ሚድያ ኣሜሪካ ኣትዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ መደባት ተለቪዥን ድማ ይቐርቡ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብድሒሩ እቲ ዝና ቀኒሱ፤ ሚድያታት ናብ ካልእ ኣርእስቲ ክሰግራ ከለዋ እቶም ሳዕሳዕቲ እውን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክጓዓዙ ጀሚሮም።
ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ግን ብሬክዳንስ ኣይሃሰሰን።
"ከምቶም ኣብ ኣሜሪካ ጀሚሮም ኣብ ኣሜሪካ ዝሞቱ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ግን ሓድሽ ህይወት ዝረኽቡ ምንቅስቓሳት እዩ ነይሩ። ኣብ ብሬክዳንስ እውን ተመሳሳሊ ኣጋጢሙ" ክብል ሆልማን ወሲኹ ይገልጽ።
ብዛዕባ ብሬክዳንስን ምንቅስቓሳቱን ኣስተምህሮታት ሂቡን መበቆላውያን ሳዕሳዕቲ ንኽቐርቡ ኣብ ዝተዓደምሉ ናይ ሳዕስዒት ዓውደ መጽናዕትታት ተሳቲፉን’ዩ።
ሆልማን፡ ገለ ሳዕሳዕቲ ይነቕፍዎ ከም ዝነበሩ ይዛረብ።
"ኣንታ ንስኻ እንዲኻ ነዚ [ብሬክዳንስ] ከም ስፖርት ክርአ ትጉስጉስን ነቲ ስነ-ጥበብ ክትቀትሎን ትፍትን ዘለኻ' ይብሉ ነይሮም" ይብል።
"ግን ኩሉ ግዜ እቲ ምንቅስቓስ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣእምሮን ህይወትን ዘለዎ ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። እቲ ባህሊ ንባዕሉ ስምዒታዊ እዩ። ሂፕ-ሆፕ ሕጂ ብሓባር ብቢልዮናት ዝቑጸር ኢንዱስትሪ ኰይኑ ንዓለም ይጸልዋ ኣሎ።"
"ብዛዕባ ስኬትቦርዲንግን ጽንፈኛ ስፖርትን ተመሳሳሊ ክትዓት ነይሩ። ሓደ ዓይነት ስነ-ጥበብ ብነጥቢ 'ክፍረድ' እዩ ዝብል ኣውያት ነይሩ። ፊገር ስኬት’ውን ኣብ 1930ታት ተመሳሳሊ ከም ዘጋጠሞ ርግጸኛ እየ" ክብል ይውስኽ።
"እዚ ኣብታ ርእሰ ከተማ ንግዲ፡ ከብዲ ናይቲ ኣራዊት ርእሰማላውነት ዝዀነት ከተማ ኒውዮርክ ዝተፈጥረ ምንቅስቓስ ምዃኑ ግን ኣብ ግምት ኣእትውዎ። ናብ ውድድርን ንግዳዊነትን ንምትእትታው ዝወስዶ መንገዲ ኣብ ሕቶ ምእታው ኣብ ዝበለጸ ኩነታት ገርሂነት እዩ።"
ክትዕ ንጎኒ ገዲፍና፡ ብሬክኪንግ ካብ ጐደናታት ብሮንክስ ክሳብ መድረኽ ኦሎምፒክ ዝገበሮ ዘደንቕ ቃልሲ፡ ንሆልማን ዘሐጉስ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







