ንኦሎምፒክ 75 ሽሕ ወተሃደራት ዘዋፈረት ፓሪስ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ነቲ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ዝጅምር ኦሎምፒክ 2024 ንምክትታል ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ መስሕባት ቱሪዝም ፓሪስ ይርከቡ ኣለዉ።
እቲ ኣዝዩ ህቡብ ዝዀነ ሩባ ሲን፡ ካቴድራል ኖተርዳምን ካልኦት መስሕባት በጻሕቲን ብብዙሓት ገያሾ ተኸቢቦም ይርኣዩ።
ይዅን’ምበር፡ እዚኦም ከምቲ ልሙድ ክፉታት ኣይኰኑን፤ እዚ ድማ ነቶም በጻሕቲ ዓዲ ጽቡቕ ዜና ኣይኰነን። ኵሎም ብፖሊስ ይሕለው ኣለው።
ናብ ሩባ ሲን ንምኻድ ‘ኮድ ኲውኣር’ ዝተሓተተት ሜክሶኮኣዊት ጋሻ፡ ብሕርቃን “ኮድ የብይለን” ክትብል መሊሳ።
ፖሊስ ግን ኣዝዩ ጽዑቕ ሓለዋ’ዮም ዘካይዱ ዘለው። ኣብ ከባቢ ኣይፍል ታወር ዘለው ፖሊስ፡ እቲ መገዲ ንኣጋር ዕጹው ስለ ዝዀነ ሰባት ካልእ መገዲ ክጥቀሙ ይነግርዎም ኣለው።
እዚ ዅሉ፡ ኣካል እቲ ጽባሕ ዝካየድ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ፓሪስ ኦሎምፒክ እዩ።
ኣብቲ ዕለት፡ ኣትሌታት ብሩሳ ሲን ኣቢሎም ክሓልፉ እንከለው፡ ድሙቕ ኣቀረባብላ ክግበረሎም’ዩ።
ነዚ ድማ፡ ፖሊስን ወተሃደራትን እታ ሃገር ምድላዋት ይገብሩ ኣለው። ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ውሽጢ ዓሚቝ ሓጐስ ኰይኑ “ድሉዋት ኢና” ኢሉ።
ፈረንሳ፡ ኦሎምፒክ ፓሪክ ክሳብ ዝውዳእ ንኵነታት ጸጥታ ዝከታተሉ 75 ሽሕ ወተሃደራት ኣዋፊራ ኣላ።
ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር፡ ኲናት ኣብ ዘይብሉ እዋን ክንድ’ዚ ዝኣክል ሰራዊት ክዋፈር እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።
መገዲታትን መስመራት ባቡርን ተዓጽዮም ይርከቡ፤ ኣስታት 44 ሽሕ ሓጹራት ክኣ ተዳልዮም።
ናብ ሩባ ሲንን ከባቢኡን ክጕዓዙ ዝደልዩ በጻሕቲ፡ ‘ብኲውኣር ኮድ’ ጥራይ’ዮም ክሓልፉ ዝኽእሉ።
ወትሩ፡ ንበጻሕቲ ክፍትቲ ዝዀነት ፓሪስ፡ ሕጂ ተዓጽያ እያ። ዖመር ቤንዓብደላ ዝተባህለ ወዲ 25 ዓመት ኣሳሳዪ፡ “እዚ ካባቢ ከምዚ ጸምዩ ርእየዮ ኣይፈልጥን’የ። ቅሩብ ጭንቀት ኣለዎ፤ 90 ሚእታዊት ዓማዊልና የለውን” ኢሉ።
ሰብ መዚ ፈረንሳ፡ እቶም ካብ ሓጺን ዝተሰርሑ ሓጹራት ኣብቲ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ክለዓሉ ምዃኖም ይገልጹ።
ኣዛዚ ኣብ ፓሪስ ዝተዋፈሩ 5500 ወተሃደራት ዝዀነ ጀነራል ሊዮነል ካርተር፡ “እቲ ኵነታት ሕማቕ እዩ ኢለ ኣይግምትን፤ ትዅረት ጌርና ኢና ንሰርሕ ዘለና” ይብል።
ምድላው ውድድራት ኦሎምፒክን ፓራኦሊምፒክን ኣዝዩ ልዑል ሓይሊ ጸጥታ ከም ዝተመደበሉ ገሊጹ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ስዒቡ ፈረንሳ “ኦፕሬሽን ሰንቲነል” ዝብል ስርሒት ጀሚራ እያ።
ምድላው ኦሎምፒክ’ውን ኣካል ናይዚ መደብ’ዩ።
“ነታጒ ዘምክኑ ጕጅለታት፡ ዘሽትቱ ኣኻልብ፡ ጸረ ድሮን ጕጅለታት ኣለው። ንሩባ ሲን ዝቈጻጸር ሓይሊ’ውን ኣለና” ይብል እቲ ጀነራል።

ኦሎምፒክ ለንደን 2012 ስዒቡ፡ ብመሰረት ፖሊስ ብሪጣንያ ብዝሃቦ ምኽሪ፡ ፈረንሳ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ስርሒት ብድሕሪ ኣይፍል ታወር ክኸውን ገይራ እያ።
“ቤት ጽሕፈት ብሪጣንያ ካብቲ ማእከል ከተማ ኣዝዩ ዝርሓቐ’ዩ ነይሩ፤ ንሕና ናብቲ ማእከል ክንጽጋዕ ሓቢሮምና። ሓላፍነት ናብ ዝተዋህቦም ፖለቲከኛታትን ፖሊስን’ውን ክንቅርብ ማዕዳ ለጊሶምልና እዮም” ኢሉ።
250 ኣባላት ጸጥታ ብሪጣንያን 50 ኣኻልብ ፖሊስን ኣብ ፈረንሳ ኣለው። ካብ ስጳኛ፡ ጀርመን፡ ደቡብ ኮርያን ቐጠርን ዝተዋጽኡ ኣስታት 1750 ፖሊስ’ውን ተዋፊሮም ይርከቡ።
ኣዛዚ ማእከል ምትሕብባር ፖሊስ ብሪጣንያ ማት ላውለር፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታት ብሪጣንያ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ከም ዝሳተፉ ሓቢሩ።
ብሪጣንያ፡ ካብ ሃገራ ወጻኢ ክንድ’ዚ ዝኣክል ሰራዊት ክተውፍር ድማ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ ኢሉ።
ፖሊስ ፈረንሳ፡ ኣብዚ ኦሎምፒክ ክበጽሕ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ምፍርራሕ’ኳ እንተዘይበጽሖ፡ “ግዳማውን ዘቤታውን ስግኣት መጥቃዕቲ ሽበራ” ክህሉ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
ትኬት ኣብ ዝቝረጸሎም ከባቢታት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ሓለዋ ይግበር ኣሎ። ፈረንሳ ምስዚ ኦሎምፒክ ብዝተሓሓዝ ራዕዲ ንምፍጣር ዝግበሩ ጐስጓሳት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘለውን ሩስያ ብድሕሪ’ዞም ጕዳያት ክትህሉ ትኽእል እያ ተባሂሉ ከም ዝእመንን ኣፍሊጣ።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ጭውያ ከይፍጸም ዝከላኸሉ ፖሊስ ልምምድ ይገብሩ ኣለው። እዚኦም ብ2015 ኣብ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ተዋፊሮም ዝነበሩ ፍሉይ ፖሊስ እዮም።
ኮማንደር እዚ ፍሉይ ሓይሊ ሳይመን ሪዮንዴት፡ “ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክንዳሎ ጸኒሕና ኣለና። ስጕምቲ ክንወስድ ዘገድደና ነገር ከም ዘየጋጥም ተስፋ ንገብር” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







