ኦሎምፒክ፡ ሰባት ዘመዝገብዎም ክብረወሰን ዝስዕሩ 9 እንስሳታት

ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ብቕዓት ኣትለታት ምስ ብቕዓት እንስሳታት ብኸመይ ይነጻጸር?

ካብ ነዊሕ ዝላ ክሳብ መኸተ ሴፍ (ፌንሲን) ኣብ ዘለዉ ውድድራት ብወገን እንስሳታት ይዅን ብኣትለታት ዝተመዝገቡ ውጽኢታት ኣለዉ።

ቢቢሲ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተረኸቡ ኣሃዛት ከምዚ ዝስዕብ የቕርቦ።

1. ዝነውሐ ዘላሊ

ክብረወሰን ሰብ፡ 8.95 ሜትሮ – ማይክ ፓወል (ኣመሪካ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 15 ሜትሮ – ነብሪ

2. ዝለዓለ ዘላሊ

ክብረወሰን ሰብ፡ 2.45 ሜትሮ – ሃቪየር ሶቶመየር (ኩባ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 5.7 ሜትሮ – ጻዕዳ ጭራ ዘለዎ ጃካራቢት

3. ቅልጡፍ ተመርቃፋይ (ስፕሪንተር)

ክብረወሰን ሰብ፡ 43.6 ኪ.ሜ/ሰዓት – ኖዋ ላይልስን (ኣመሪካ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 114.5ኪ.ሜ/ሰዓት – ነብሪ ጐልጎልን (ቺታ)

4. ቅልጡፍ ሓምባሳይ

ክብረወሰን ሰብ፡ 7.08 ኪ.ሜ/ሰዓት – ማይክል ፌልፕስ (ኣመሪካ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 40ኪ.ሜ/ሰዓት – ሳይልፊሽ

5. ዓሚቝ ሓምባሳይ ውሽጣውሽጢ

ክብረወሰን ሰብ፡ 332 ሜትሮ – ኣሕመድ ጃብር (ግብጺ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 2,992 ሜትሮ – መንቋሕቋሕታ ዘለዎ ዓሳ ነባሪ ኩቪየር

6. ምልዓል ክብደት

ክብረወሰን ሰብ፡ 485 ኪሎ – ላሻ ታላካድዘ (ጆርጅያ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 1000 ኪሎ – ኣፍሪቃዊ ሓርማዝ

7. ማራቶን

ክብረወሰን ሰብ፡ 2:00:35 ሰዓታት – ኬልቪን ኪፕቱም (ኬንያ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 45 ደቓይቕ – ሰገን

8. ቅልጡፍ ጎሳጢ

ክብረወሰን ሰብ፡ 20ሜ/ካልኢት – ኪት ሊደል (ኣመሪካ)

ክብረወሰን እንስሳታት፡ 23ሜ/ካልኢት – ማንቲስ ሽሪምፕ

9. መኸተ ሴፍ

ብሉጽ ሰብ፡ ዳኒኤል ጋሮዞ (ኢጣልያ) – ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ 2016

እንስሳ ዝበለጸ: ጸፊሕ-ሓሰኻን – ከም ኣካል ፍቕራዊ ርክብ ብብልዕቶም ይምክቱ