እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኦሎምፒክ፡ ዕዉታት መዳልያ ወርቂ ክንደይ ገንዘብ ይረኽቡ?
ዘመናዊ ጸወታታት ኦሎምፒክ ብ1896 ኣብ ኣቴንስ ክጅምር እንከሎ፡ ፕሮፌሽናል ኣትለታት ዘይነበርዎን ናይ ገንዘብ ሽልማት ዘይነበሮን ብመሰረቱ ጉዳይ ኣማተር ስፖርተኛታት እዩ ዝነበረ።
ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ኦሎምፒክ ግን ካብቶም ኣብ ዓመት ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ዝረኽቡ ሃብታማት ክሳብ እቶም ውድድር ክቕጽሉ ዳርጋ ዓቕሚ ዘይብሎም ስፖርተኛታት ዝሳተፍሉ’ዩ ኰይኑ ዘሎ።
ኦሎምፒካውያን ካብ ሰፊሕ ዝተፈላለየ ምንጪ ገንዘብ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም፤ ካብ ስፖንሰራት፡ ብሃገሮም ዝወሃብ ገንዘባዊ ሽልማት፡ ሕጂ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ጸወታታት ዝተዋህበ ሽልማት ገንዘብ።
ኵሉ ስፖርት ግን ተመሳሳሊ ገንዘብ ዝርከቦ ስለዘይኰነ ክትዕ ይፈጥር ኣሎ።
ጕስጢን ኣትለቲክስን
ጁልያን ኣልፍረድ ቅድድም 100 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ምዕዋታ፡ 50 ሽሕ ዶላር ከምኡ’ውን ወርቂ መዳልያ ክትወስድ’ያ።
ኣብ ፓሪስ 2024 ካብ ዝካየዱ ዘለዉ ውድድራት 32 ዓይነታት ስፖርት፡ ሽልማት ገንዘብ ዝርከቦም ክልተ ጥራይ እዮም። ንኣትለቲክን ጕስጢን ጥራይ እዩ ክወሃብ።
ኣህጉራዊ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣትለቲክስ ዓለም፡ ኣብ ሚያዝያ፡ ኣብ ፓሪስ 2024 ወርቂ መዳልያ ዝረኸቡ ተቐዳደምቲ 50 ሽሕ ዶላር ክረኽቡ ምዃኖም ዘገርም መግለጺ ሂቡ።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኣህጉራዊ ማሕበር ጕስጢ ድማ 100 ሽሕ ዶላር ንሻምፕዮናት ኦሎምፒክ ናይ ገንዘብ ሽልማት ክህብ ምዃኑ ገሊጹ። እንተዀነ ርብዒ እቲ ገንዘብ ንሃገራዊ ፈደሬሽናትን ኣሰልጠንትን ከምዝወሃብ ኣፍሊጡ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ክልቲኡ ስፖርት፡ ተዓወቲ ብሩርን ነሓስን ዝወሓደ ገንዘብ ክረኽቡ እዮም፡ ጕስጢ'ውን ንተወዳደርቲ ክሳብ 5ይ ደረጃ ክሽልም እዩ።
እቲ ሽልማት ገንዘብ ብቐጥታ ካብ ሰበስልጣን ኦሎምፒክ ዘይኰነስ ካብ ኣመሓደርቲ ኣካላት ክልቲኡ ዓይነታት ስፖርት ዝመጽእ ዘሎ እዩ።
ኣትለቲክስ ዓለም ገለ ካብቲ ካብ ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ዝረኽቦ ጥረ ገንዘብ ይጥቀመሉ ኣሎ፡ እዚ ድማ ካብቲ ብውድድር ኦሎምፒክ ዝረኽቦ ኣታዊታት ብጽሒት እዩ።
እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰፊሕ ምዕባለ ኣትለታት ዝውዕል ዝነበረ ኰይኑ፡ ገለ ሰባት ምትእትታው ገንዘብ ሽልማት ቅኑዕ ምርጫ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም እዮም።
"እቲ ገንዘብ ናብቶም ተዓወትቲ ይኸይድ ምህላዉ ምናልባት ነቶም ላዕለዎት ኣትለታት ዘደልድል ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ዶክተር ቶም ቤሰን ካብ ማእከል ንግዲ ኣብ ማሕበረሰብ ኮቨንትሪ ዩኒቨርሲቲ።
“እቲ ዕድል እቶም ኣብ ኣትለቲክስ ወርቂ መዳልያ ዝዕወቱ ዘለዉ ስፖርተኛታት ርኡይ ናይ ስፖንሰርሺፕን ኢንዶርስመንትን ውዕላት ዘለዎም ክዀኑ እዮም።”
“ሓደ ካብቲ ነቐፌታታት፡ እዚ ገንዘብ’ዚ ካብቶም ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ጸወታኦም ዘለዉ ንላዕሊ፡ ኣብ ምምዕባል ስፖርተኛታት፡ ንንኣሽቱ ስፖርተኛታት ገንዘብ ምሃብ ብዝበለጸ ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ።”
ይዅን እምበር ገለ ገሊኦም ዝተዓወቱ ኣትለታት ኣብ ፋይናንሳዊ ጸገም ስለዝወድቁ እቲ ሽልማት ክሕግዞም ይኽእል እዩ።
ንኣብነት ኣብ ኦሎምፒክ 4 ወርቂ መዳልያታትን ክልተ ብሩርን መዳልያታት ዝረኸበት ውርይቲ በዓልቲ ሞያ ጂምናስቲክ ኦልጋ ኮርቡት፡ ኣብ 2017 ሰለስተ ካብ መዳልያታታ ብ333,500 ዶላር ክትሸይጥ ነይርዋ።
ንናይ መኸተ ጕስጢ ዝወሃብ ሽልማት ግን ምንጩ ንጹር ኣይኰነን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ስርሓቱ “ፋይናንሳዊ ንጹርነት ዘይምህላው” ብዝብል ምኽንያት ምስ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ዝነበሮ ዝምድናታት ኣቋሪጽዎ።
ሃገራዊ ሓበን
ኣብዚ ኦሎምፒክ ፓሪስ፡ ካብ ሲንጋፖር ዝመጹ ሻምፕዮን ኦሎምፒክ ካብቶም ካብ ኣመሪካ ዝመጹ ስፖርተኛታት ዝዓበየ መተባብዒ ገንዘብ ክረኽቡ እዮም።
ስፖርተኛታት ኣብቲ ጸወታታት እንተተዓዊቶም ካብ ዝረኽብዎ ገንዘባዊ ሽልማት ብተወሳኺ ካልኦት ገንዘብ ክረኽብሉ ዝኽእሉ መገድታት’ውን ኣሎ።
ብዙሓት ባንዴራ ሃገሮም ሒዞም ኣብቲ መድረኽ ብምስታፎም ጥራይ ብሃገሮም ክሽለሙ እዮም።
ሲንጋፖር ዝበዝሐ ትኸፍል ሃገር ምዃና ይእመን፤ ነፍሲ ወከፍ ወርቂ መዳልያ ዝረኸበ ዜጋኣ 750 ሽሕ ዶላር ክወሃቦ’ዩ።
ሞሮኮ ንኣትለታታ 200 ሽሕ ዶላር፣ ኣንጋዲት ሃገር ፈረንሳ ድማ ንዕውታት ስፖርተኛታታ 87 ሽሕ ዶላር መተባብዒ ገንዘባዊ ጽልማት ክህባ እየን።
እዚ ድማ ካብቲ ኣመሪካ እትኸፍሎ 37,500 ዶላር ዝዛየደ ይኸውን ኣሎ። ገለ ሃገራት ከም ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ገንዘባዊ ሽልማት ኣይህባን እየን።
ከዋኽብቲ
ኮኸብ ኤን.ቢ.ኤ ለብሮን ጀምስ ኣብ ኦሎምፒክ ካብቶም ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኸቡ ኣትለታት ሓደ እዩ።
ስጳኛዊ ተጻዋታይ ጎልፍ ጆን ራህም ኣብ ፓሪስ 2024 ዝለዓለ ደሞዝ ዝረክብ ኣትለት ምዃኑ ብፎርብስ ዝሕተም ዓመታዊ ዝርዝር ሃብታማት ስፖርት ይሕብር።
ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 218 ሚልዮን ዶላር ከም ዝረኸበ ዝግምት ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ እቲ ገንዘብ ካብቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምወል ኣካታዒ ኤልኣይቪ ጎልፍ ከም ዝመጸ ጸብጻብ መጽሄት ፎርብስ ይሕብር።
ካልኣይ ዝበለጸ ደሞዝ ዝኽፈል ሓደ ካብ ከዋኽብቲ ተጻወትቲ ኩዕሶ ሰኪዐት ኣመሪካ - ለብሮን ጀምስ ምዃኑ ዘገርም ኣይኰነን። 128 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ይእመን።
ኣብ 2016 ኣብ መንጐ ናይክን ኒው ባላንስን ኣብ ዝነበረ ሕጋዊ ምስሕሓብ፡ ኣመሪካዊ ጎያዪ ቦሪስ በርያን ኣብ ኦሎምፒክ ወርቂ እንተረኺቡ 150 ሽሕ ዶላር ክረክብ ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብታ ብዙሓት ሃብታማት ከዋኽብቲ ስፖርት ዓለም ዝነብሩላ ኣመሪካ’ውን እንተዀነ፡ ንብዙሓት ተወዳደርቲ ቃልሲ’ዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ብኮሚተ ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን ኣመሪካ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 26.5 ሚእታዊት ካብቶም ሕጂ ዘለዉ ስፖርተኛታት ኣብ ዓመት ትሕቲ 15 ሽሕ ዶላር ይረኽቡ።
መጻኢ ለውጢ
ነፍሲ ወከፍ ኣብ ፓሪስ 2024 ዝወሃብ መዳልያ ካብ ታወር ኤፍል ዝተወስደ ውሑድ ሓጺን ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ከቢድ ክትዕ ንላዕለዎት ኣትለታት ሽልማት ገንዘብ ምሃብ ዝበለጸ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ፈደረሽን ስፖርት ድዩ ኣይኰነን? ዝብል ኰይኑ ክቕጽል’ዩ።
“ብርግጽ ኣብ ልዕሊ ፈደረሽናት ሽልማት ገንዘብ ክኸፍሉ ጸቕጢ ክህሉ’ዩ” ይብል ዶክተር ባሶን።
ናይ ሎሚ ዓመት ተዓዋቲ መዳልያ 505 ግራም ብሩርን ሽዱሽተ ግራም ወርቅን ዝሓዘት ኰይና ጥረ ዋጋኦም 950 ዶላር’ዩ።