ኣብ ኣትለቲክስ ሓድሽ ክብረወሰን ምምዝጋብ ይኸብድ ዶ ኣሎ?

ዩክሬናዊት ኣትለት ያሮስላቫ ማሁቺክ ኣብ ሓምለ ኣብ ውድድር ዝላ ብራኸ ደቂ ኣንስትዮ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ክተመዝግብ ብምኽኣላ እቲ ን37 ዓመታት ዝጸንሐ ክብረወሰን ተሰሪዙ።

ሕጂ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ካብቶም ኣቓልቦ ዝሰሓቡ ተወዳደርቲ ኰይና ኣላ።

ሽዑ ዘመዝገበቶ ውጽኢት ኣብ ኣትለቲክስ ፍሉይ ታሪኽ ከምዝነበረ ክኢላታት ስፖርት ይገልጹ። ኣብ ኣትለቲክስ ዝበዝሐ ክብረወሰናት ዓለም ዝተመዝገበሉ እዋን ኣብ 1980ታት እዩ ነይሩ።

ታሪኻዊ ዓወት ማሁቺክ

ጓል 22 ዓመት ሻምፕዮን ዓለም ያሮስላቫ ማሁቺክ ብ7 ሓምለ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 2.10 ሜትሮ ብምዝላል’ያ ክብረወሰን ኣመዝጊባ። ቅድሚ ሕጂ 2.09 ሜትሮ ብምዝላል ነቲ ክብረወሰን ዝሓዘት ቡልጋርያዊት ስቴፍካ ኮስታዲኖቫ ኰይና ብ 1987 ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ነይሩ።

ኮስታዲኖቫ ነቲ ብማሁቺክ ዝተመዝገበ ሓድሽ ክብረወሰን "ታሪኻዊ" ክትብል ገሊጻቶ’ላ።

ነዚ ክትብል ዝኸኣለት ከኣ ን37 ዓመታት ተዓቂቡ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ስለዝበለጸት ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ 2.10 ሜትሮ "ዓቕሚ ደቂ ሰባት ደረት ከም ዘይብሉ መርትዖ ስለ ዝዀነን ቅድሚ ሕጂ ዝተመዝገቡ ክብረወሰናት ንሓዋሩ ክመሓየሹ ኣይክእሉን ዝብል ምጕት ጌጋ ምዃኑ ዘረጋግጽን እዩ” ክትብል ኣረዲኣ።

ማሁቺክ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ ዝኽፈት ድሕሪ ሰሙናት እያ ኣብ 2022 ንእትነብረላ ከተማ ድኒፕሮን ስድራኣን ገዲፋ ወጺኣ።

ካብ ድኒፕሮ ናብ ቤልግሬድ ሰርብያ 2000 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ብእግራ እናተጓዓዘት ሰለስተ መዓልታት ኣብ መገዲ ኣሕሊፋ። ናብኡ ምስኣተወት ድማ እያ ኣብ ሻምፒዮን ዓለም ኣብ ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድር ዝላ ብራኸ ወርቂ መዳልያ ክትረክብ በቒዓ። ሽዑ 2.02 ሜትሮ ብምዝላል ተዓዊታ። ማሁቺክ ሕጂ ኣብ ፖርቱጋል እያ ትነብር ዘላ።

ብሓጐስ ተዓጂባ ብዛዕባ’ቲ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ዓለም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ “ኣብ መወዳእታ፡ ንዩክረይን ናብ ታሪኽ ኣትለቲክስ ዓለም ኣስፊረያ ኣለኹ” ኢላ።

ኣብዚ እዋን እዛ ዩክሬናዊት ኣትለት ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 መዳልያ ወርቂ ክትረክብ ተስፋ ትገብር።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣትለቲክስ ዝተመዝገቡ ክብረወሰናት

ኣብ ታሪኽ ዝቐልጠፈ ሰብ ዩዝያን ቦልት እዩ። እዚ ጃማይካዊ ኣትለት፡ ኣብ 2008 በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም 9 ሰከንድ ምስ 58 ማይክሮ ሰከንድ ብምምዝጋብ፡ ንናይ 100 ሜትሮ ርሕቀት ትሕቲ 9.6 ካልኢት ዝጐየየ ፈላማይ ሰብ ኰይኑ።

ኬንያዊት ፌይዝ ኪፒየጎን ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ 1500 ሜትሮን ሓደ ማይልን ክብረወሰን ዓለም ዝሓዘት ኣትለት ከምዝዀነት ይፍለጥ። እቶም ክብረወሰናት ኣብ 2024 ከምኡ’ውን 2023 ዘመዝገበቶም እዮም።

ከምኡ’ውን ቬንዝዌላዊት ዩሊማር ሮሃስ ብሰሉስ ዝላ ደቂ ኣንስትዮ ክብረወሰን ዓለም ሒዛ ኣላ። 15.74 ሜትሮ ብምዝላል’ያ ነቲ ክብረወሰን ወኒናቶ።

መብዛሕትኦም እቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ክስበሩ ዘይከኣሉ ክብረወሰናት ግን ኣብ መፋርቕ 80ታት ዝተመዝገቡ ኰይኖም፡ ኣብቲ “ክልኩላት ዝዀኑ መድሃኒታት” ዝተሞርኮሱ ከምዝነበሩ ጋዜጠኛን ሕጂ ወተሃደራዊ መኮነን ዕጡቓት ሓይልታት ዩክሬንን ዩሪ ኦኑሽቸንኮ ይዛረብ።

“ብዙሓት ስፖርተኛታት ኮክቴል ሆርሞናትን ስቴሮይድን ይወስዱ ነይሮም። ድሕሪ 35 ክሳብ 40 ዓመታት’ውን እንተዀነ እሞ ምስቲ ኵሉ ኣብ ስፖርት፡ ኣመጋግባን ልምምድን ዝተራእየ ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለታት፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ሽዑ ዝተመዝገቡ ውጽኢታት ንዘመናውያን ስፖርተኛታት ዘይብጻሕ ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ” ክብል የረድእ።

"ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ዘመን ዝተመዝገቡ ክብረወሰናት ብገለ ሓገዝ ዓቕሚ ዘዕብዩ ሽዑ ሕጋውያን ብዝነበሩ ኣብዚ እዋን ግን ዝተኸልከሉ መድሃኒታት ዝተሰነዩ ምዃኖም ምዝራብ ርትዓዊ ይመስለኒ” ክብል ንሓሳብ ዩሪ ዘደልድል ርእይቶ ይውስኽ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳፎልክ ተመላላሲ ፕሮፌሰር ሳይንስ ስፖርትን ምንቅስቓስ ኣካላትን ጆን ብሩወር።

"እቲ መደብ መርመራን ትምህርትን ሓይሊ ወሃብቲ ንጥረ-ነገራት ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ እዩ ዝርከብ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ትካል ጸረ-መድሃኒት ዓለም (ዋዳ) ዝሰርሕ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃገራዊ ትካል ምርመራ ‘ዶፒን’ (ሓይሊ ወሃብቲ ንጥረ-ነገራት) ክህልዋ'ዩ” ይብል።

ብ6 ጥቅምቲ 1985 ምብራቕ ጀርመናዊት ኣትለት ማሪታ ኮች ን400 ሜትሮ ብ47.6 ካልኢት ብምውዳእ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ ነይራ።

ኣብ ካንቤራ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ዓለም ዝተመዝገበ ክብረወሰን ማሪታ ኮች ግን ብዙሕ ክትዕ ዘበገሰ ጉዳይ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ። ምኽንያቱ ድማ ንዕኡ ከመሓይሽ ዝቐረበ ኣትለት የለን። ኮች እውን ምብራቕ ጀርመን ንኣትለታታ ብስርዓት ወሃብቲ ሓይሊ ንጥረ-ነገራት ብምሃብ ኣብ ትፍለጠሉ ዘመን እያ ኣብቲ ውድድር ተሳቲፋ። ይዅን እምበር ኮች ኣብ መርመራ እቲ ባእታ ወዲቓ ኣይትፈልጥን፤ ወትሩ ድማ ዝዀነ ጌጋ ከምዘይገበረት ትገልጽ።

ኣመሪካዊት ናይ ሓጺር ርሕቐት ተወዳዳሪት ፍሎረንስ ግሪፊት ጆይነር ኣብ 1988 ብ100 ሜትሮን 200ን ክብረወሰን ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ኣመዝጊባ ነይራ። ኣብ 1988 ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ሓጋይ ኣብ ፍጻመ 100 ሜትሮ 10.54 ካልኢት፤ ኣብ 200 ሜትሮ’ውን ብ21.34 ካልኢት ብምጕያይ ክብረወሰን ኣመዝጊባ።

ክልቲኦም ሽዑ ዘመዝገበቶም ክብረወሰናት ከኣ ክሳብ ሕጂ ምስተዓቀቡ ኣለዉ።

ግሪፊት ጆይነር፡ እቲ ዝገበረቶ ድራማዊ ምምሕያሻት በቶም ብቕዓት ዘዕብዩ መድሃኒታት ተሓጊዛ እያ ብዝብል ክስታት ዓወታታ ተጸልዩ ነይሩ።

ኣብ 1988 ን11 ግዜ ዝተገበረላ ሓዊሱ ብቐጻሊ መርመራ ሓይሊ ወሃብቲ ንጥረ-ነገራት ይካየደላ'ኳ እንተነበረት ግን ከኣ ዝዀነ ነዚ ዘረጋግጽ ውጽኢት ተረኺብዋ ኣይፈልጥን።

ኣብ ነዊሕ ዝላ’ውን ክብረወሰን ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ከይተሰበረ ነዊሕ ዝጸንሐ እዩ። ብ11 ሰነ 1988 ንሕብረት ሶቭየት ነበር ዝወከለት ኣትለት ጋሊና ቺስትያኮቫ - ኣብ ለኒንግራድ 7.52 ሜትሮ ብምዝላል ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ክሳብ ሎሚ ተዓቂቡ’ሎ።

ኣብ ናይ ትራክ ውድድር ጉያ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ክብረወሰን ብጀርሚላ ክራችቪሎቫ ዝተትሓዘ እዩ። ኣብ 1983 ንናይ 800 ሜትሮ ርሕቀት ብ1፡53፡28 ጐያ ንክብረወሰን ዓለም ወኒናቶ።

ደረት ብቕዓት ደቂ ሰባት

ፕሮፌሰር ብሩወር ከም ዝብሎ፡ ኣብ ኣትለቲክስ ዓለም ክብረወሰን ምስባር እናኸበደ ይመጽእ ኣሎ።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውድድራት ብቕዓት ኣትለታት እናተመሓየሹ መጺኦም እዮም፤ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣካላት ኣብቲ ናይ መወዳእታ ደረት ኣፈጻጽማ (ብቕዓት) ወዲ ሰብ ክበጽሕ'ዩ" ይብል።

“እንተዀነ ምስ ምዕባለታት ልምምድ፣ ኣሰልጠንትን ስፖርት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣብ ኵሉ ውድድራት ምምሕያሽ ንምርኣይ ክንደሊ ኢና ዝብል ግምት ኣለኒ። ይዅን እምበር ዕቤት ምምሕያሽ በብቕሩብ እናነከየ ክኸይድ'ዩ። እዚ ከኣ ድሮ ኣብ ብዙሕ ስፖርት ንርእዮ ኣለና” ክብል የረድእ።

ምምዕባል መወዳደሪ ትራክ ከምኡ’ውን መወዳደሪ ጫማታት ካርቦን ፋይበር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝተረኣዩ ገለ ስሉጥ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ ምዃኖም ፕሮፌሰር ብሩወር ይዛረብ።

እዞም ምምሕያሻት ቴክኖሎጂ ከኣ "እቶም ጎየይቲ ብውሑድ ጸዓት፡ ብውሑድ ጻዕሪ ንነዊሕ ግዜ ብዝቐልጠፈ ክጐዩ ዘኽእሉ" ምዃኖም ይገልጽ።

ብቕዓት ስፖርተኛታት ብሓገዝ ቴክኖሎጂ ክግምገም ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ "ከም ህርፋን፡ ድርኺትን ኣተሓሳስባን ዝበሉ ገለ መዳያት ብቕዓት ምዕቃን ግን ቀሊልን ኣይኰነን” ትብል ሶፊ ብሩስ - ክኢላ ስነኣእምሮ ስፖርት።

"እቲ ናይ መወዳእታ ኣፈጻጽማ፡ ኵሎም እዞም ረቛሒታት ኣብ ልክዕ ግዜ፡ ብቕኑዕ መንገዲ፡ ንዝግባእ ሰብ ክዋደዱሉ ከለዉ ክመጽእ ከምዝኽእል ክትሓስብ ከለኻ፡ ክብረወሰናት ምስባር ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ክትግንዘብ ትጅምር" ትብል።

“ክብረወሰናት ንኽስበሩ ወይ ምልክት ለውጢን ምዕባለን ኰይኖም ክውሰዱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ታሪኽ ዘይከኣል ነገር ከምዝከኣል ዘርእዩ ብሉጻት ህሞታት'ውን ዝውክሉ እዮም” ክትብል ወሲኻ ተረድእ።