ኢትዮጵያ፡ 'ብቋንቋ ምልክት ዝረዳድኡ ሰባት ርእዮም ዝሃድሙ ብዙሓት ኣለዉ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕብረተሰባት ብዛዕባ ቋንቋ ምልክት ዘለዎም ርድኢት ኣዝዩ ትሑት’ዩ። ንምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ቋንቋ ዘይብሎምን ነንሓድሕድ ዘይረዳድኡን ገይሮም ዝሓስቡ ሒደት ኣይኰኑን።
"ብቋንቋ ምልክት ዝረዳድኡ ሰባት ርእዮም ዝስንብዱን ዝሃድሙን ብዙሓት ኣለዉ" ይብል ትርጁማን ቋንቋ ምልክትን ጋዜጠኛን ኣማረ ኣያሌው።
ንሱ ንቋንቋ ምልክት "መበል 81 ቋንቋ ኢትዮጵያ" ክብል ይጽውዖ።
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መስረትቲ ሃገራዊ ማሕበር ጽሙማን ሓደ ዝዀነ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ደርሶ ብወገኑ፡ ብሰንኪ እቲ ግጉይ ኣተሓሳስባ፡ ሕብረተሰብና ምስማዕ ዝተጸገሙ ሰባት ‘ንገዛእ ርእሶም ክኢሎም ክነብሩ ዘይክእሉን ድኹማትን’ ገይሩ ከምዝቘጽሮም ይምጕት።
ይዅን’ምበር፡ ንምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት “ቋንቋ ኣለዎም፤ ቋንቋ እንተሃልዩ ድማ ባህሊ ኣሎ። ባህሊ እንተሃልዩ ኩርዓት ኣሎ። ስምዒት ክብሪ መንነት ኣሎ” ይብል።
ሓንቲ ካብቶም ፍሉጣት ትርጁማን ቋንቋ ምልክት ዝዀነት እስከዳር ይኩኖኣምላክ’ውን፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርአ ተበጻሕነት ቋንቋ ምልክት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕጽረት ንቕሓት ትሑት ምዃኑ ትገልጽ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኬንያ፡ ዩጋንዳን ዚምባብወን ዝርከብአን 41 ሃገራት፡ ቋንቋ ምልክት ሃገራዊ ቋንቋአን ገይረን’የን።
ንጽሙማን ዘገልግላ ዩኒቨርሲቲታት ኣለዋ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ንዝርከቡ ንምምሃር ዝተዳለዉ መጽሓፍቲን መዝገበ ቃላትን ቋንቋ ምልክት’ውን ኣለዉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 1960ታት ሃገራዊ ማሕበር ጽሙማን ምስተመስረተ’ዩ ንመጀመርያ ግዜ መዝገበ ቃላት ተሓቲሙ።
እዚ ዛንታ እዚ ብዛዕባ መዝገበ ቃላትን ቋንቋን ምልክት ኢትዮጵያ ይድህስስ።
'ዘይትሰምዕ እንተዄንካ ከመይ ኢልካ ክትመሃር ኢኻ?'
ሓደ ካብቶም መስረትቲ ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ምስማዕ ዝተጸገሙ ዝዀነ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ደርሶ፡ ኣብ 1963 ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን "ዘይትሰምዕ እንተዄንካ ከመይ ኢልካ ክትመሃር ኢኻ?" ዝብል ሕቶ ከምዝቐረበሉ ይዝክር።
ንሱ፡ መንቀሊ እቲ ግጉይ ኣረኣእያ ሕጽረት ንቕሓትን ሓበሬታን ምዃኑ ይዛረብ።
ብመንጽር ቋንቋ ምልክት ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር ከሎ ኢትዮጵያ ገና ጀማሪት’ያ ይብል።
ንኣብነት፡ ኣብ ኣመሪካ ጽሙማን ዝመሃሩሉ ዩኒቨርሲቲ ጋላውዴት ቅድሚ 159 ዓመት’ዩ ተኸፊቱ። ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ተመኵሮ ከምዘለዋ ይንገር።
"ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ መጽናዕቲ ቋንቋ ምልክትን ባህሊ ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባትን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ምጅማሩ ተስፋ ዝህብ'ዩ" ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ብቋንቋ ምልክት ክረዳድኡ ኣይደፍሩን ነይሮም።
“ኣብ መንገዲ ሰብ ክቐርቦም ከሎ፡ ክሳብ ዝሓልፍዎ ዕላሎም የቋርጹ ነይሮም።"
ኣቶ ተኽለሃይማኖት፡ ". . .ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት 'ጸማማት' ዝብሃሉሉ እዋን ከይተረፈ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብመንግስቲ ዝተመስረተት ዋላ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ጽጉማት ምስማዕ ኣይነበረትን” ክብል ይውስኽ።
ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ካብ ሃገራት ኖርዲክን ኣመሪካን ብዝመጹ ሚስዮናውያን ዝተመስረታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልተ ኣብ ከረን ድማ ሓንቲ ኣብያተ ትምህርቲ ነይረን።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቋንቋ ምልክት ኣመሪካ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ቋንቋ ምልክት ኖርዲክ ይጥቀሙ ነይሮም።
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ዝጥቀሙሉ ቋንቋ ከም ቋንቋ ምልክት ዝተጀመረ፡ እቶም ሚስዮናውያን ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምኽፋቶም ምዃኑ ይጠቅስ።
ሃገራዊ ማሕበር ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ኣብ 1963 ክሳዕ ዝምስረት ከምዚ እዩ ነይሩ። እቲ ማሕበር ምስ ተመስረተ ክንዮ ቤት ትምህርቲ ዝተኣኻኸቡሉ ቦታ ኰይኑ።
"ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምልክት ኣጻብዕቲ ኣይነበረን" ይብል ተኽለሃይማኖት።
ብድሕሪኡ ሰለስተ መስረትቲ እቲ ማሕበር ኣብ 1967 ምልክት ኣጻብዕቲ ኣዳልዮም ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ድሕሪ ምቕራቦም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክወሃብ ተፈቒዱ።
መጽሓፍ ቋንቋ ምልክት ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምድላው፡ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ "ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ክመሃሩ ወይ ክሰርሑ ኣይክእሉን ኢሉ ዝሓስበሉ እዋን ነይሩ" ክብል ይዝክር።

ምንጪ ስእሊ, RESEARCHGATE
'መዝገበ ምልክት'
ኣቶ ተኽለሃይማኖት ኣብ ክንዲ መዝገበ ቃላት ቋንቋ ምልክት፡ ‘መዝገብ ምልክት’ ዝብል ኣገላልጻ ይመርጽ።
ከምቲ ኣብ ኵሉ ቋንቋ ዝግበር፡ ቋንቋ ምልክት እውን ብሰነድ ምድላው ንመጽናዕትን ምርምርን ከምኡ’ውን ነቶም ነቲ ቋንቋ ክመሃሩ ዝደልዩ ሰባትን ዝሕግዝ ምዃኑ ድማ ይገልጽ።
"መዝገብ ምልክት ምህላዉ፡ ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋን ባህልን ከም ዘለዎም ምእንቲ ክረኣዩ ይሕግዝ’ዩ" ይብል።
“ቋንቋ እንተሃልዩ ባህሊ ኣሎ። ባህሊ እንተሃልዩ ኩርዓት ኣሎ። ናይ ክብሪ ስምዒት ኣሎ። ከምቲ ዝዀነ ሰብ ብቋንቋኡ ክትዛረቦ ከለኻ ሓጐስ ዝስምዖ፡ ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት እውን ብቋንቋኦም ዘዛርቦም ሰብ ክረኽቡ ከለዉ ልዑል ሓጐስ ይስምዖም’ዩ። ነቲ ተዛራባይ እውን ዓቢ ኣኽብሮት ይህብ።"
ኣብ ሓደ እዋን ወዱ፡ መምህሩ ቋንቋ ምልክት 'ቋንቋ' ኣይኰነን ከምዝበሎ ብሕርቃን ከምዝገለጸሉን ንጽባሒቱ ብዛዕባ እቲ ቋንቋ ዘረድኡ ሰነዳት ሒዙ ናብ ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ወሲዱ ከምዝሃቦን ይዝክረ።
‘መዝገበ ምልክት’ ምህላው፡ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂን ለውጢ ባህላዊ ኣነባብራን ካብ ጥቕሚ ዝወጹ ቃላት ንኸይርስዑ ከምዝሕግዝ የስምር።
በብእዋኑ ዝፍጠሩ ሓደስቲ ምልክታት እውን ኣብ መጽሓፍቲ ክስነዱ ከምዝግባእ ይሕብር።
‘መበል 81 ቋንቋ ኢትዮጵያ’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትርጁማን ቋንቋ ምልክትን ጋዜጠኛን ኣማረ ኣያሌው፡ ኣብ ፕሮጀክት መዝገበ ቃላት ቋንቋ ምልክት ኢትዮጵያ ተርጓሚ ቋንቋ ምልክትን ኣተሓባባሪን እዩ።
"ብገምጋም ሓሙሽተ ሚልዮን ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ዝጥቀምሉ ቋንቋ ስለዝዀነ ተሰኒዱ ክቕመጥ ዘለዎ ሓድጊ’ዩ" ክብል ረብሓ እቲ መዝገበ ቃላት ይገልጽ።
'ሀ' ዘርእስቱ ቀዳማይ መጽሓፍ ኣብ 1960ታት ተሓቲሙ። ድሒሩ 'ለ' ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍ'ውን ተሓቲሙ። ድሕሪኡ ንሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ደገፍ ክወሃብ ከሎ መዝገበ ቃላት ተሓቲሙ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብደገፍ ፊንላንድ መዝገበ ቃላት ቋንቋ ምልክት ተሓቲሙ።
እቲ መጽሓፍ ብስእሊ ምልክታት ቋንቋ ዝሕብር’ዩ። 2500 ኣሳእል፡ 1300 ምልክታትን ድማ ይሕዝ።
"ብቋንቋ ምልክት ንምርድዳእ ዝሕግዙ ኣንፈት፡ ምንቅስቓስ፡ ናይ ገጽ ኣገላልጻ፡ ምልክት ዝግበረሉ ክፋል ኣካላት የጠቓልል" ይብል ኣማረ።
እቲ መጽሓፍ ብቐንዱ ንምስማዕ ዝጽገሙ ሰባትን ከምኡ’ውን ንስድራቤታቶምን ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ንምሕጋዝ ዝዓለመ’ዩ።
“ምስቶም ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ሰባት ንምርድዳእ ይሕግዝ። ኵሉ ዝተሓቘፈ ምዃኑ የረጋግጽ፤ ነቲ ቋንቋ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ የሰጋግር።”
ኣማረ 'መበል 81 ቋንቋ ኢትዮጵያ' ኢሉ ይጽውዖ።
ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝተፈላለየ ቋንቋ ምልክት ኣለዋ፤ ኢትዮጵያ እውን ከምኡ።
ኣብ ካልኦት ሃገራ፡ ሰብሞያ ጥዕናን ካልኦት ኣገልግሎት ዝህቡ ክኢላታትን ቋንቋ ምልክት ይመሃሩ እዮም።
ኣብ ኣመሪካ፡ ቋንቋ ምልክት ሳልሳይ ብብዝሒ ዝዝረብ ቋንቋ እዩ።
“ቋንቋ ምልክት ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ምልክታት ኣጻብዕቲ ዘለዎ ቋንቋ ኣፍሪቃ እዩ። ግን ኣይተዘረበሉን" ይብል ኣማረ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ርድኢት ቋንቋ ምልክት እናተመሓየሸ ዝመጸ’ኳ እንተዀነ፡ ሕጂ እውን ክፍተታት ከምዘሎ ግን ኣየካትዕን።
". . . ብዛዕባ ባህሊ ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት መጽናዕቲ ክገብር ከለኹ፡ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ንምትእኽኻብ ፈተነ ከምዝተገበረ ዘመልክት ሓበሬታ ረኺበ’የ" ዝብል ኣማረ፡ እቲ ቋንቋ ማሕበራዊ ኣፍልጦ ክወሃቦ ከምዝግባእ የስምር።
ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ኢትዮጵያ፡ ዜና ብቋንቋ ምልክት ክቐርብ ምስ ጀመረ ከም ንቡር ቋንቋ ክረአ ከም ዝጀመረ እውን ይዛረብ።
ንሱ ከምዝብሎ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ቋንቋ ምልክት ከምህር ምጅማሩን ከምኡ’ውን ሃገራዊ ማሕበር ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ስልጠናታት ምድላውን ስዒቡ ጽቡቕ ምምሕያሽ ዝተረኣየ’ኳ እንተዀነ፡ ሕጂ’ውን ምግላል ዕንቅፋት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
“ክሰርሑ እናኸኣሉ ካብ ስራሕ ወጻኢ ይዀኑ ኣለዉ። ስለዚ ድማ እዩ ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ብቋንቋኦም ዝመሃሩሉን ዝሰርሑሉን መንገዲ ምምችቻእ ዘድሊ።”
ካብ ዝምስረት 52 ዓመታት ዝገበረ ሃገራዊ ማሕበር ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት፡ ፋይናንሳዊ ትሕዝቶኡን ዓቕሚ ሰቡን ሕጂ’ውን ድሩት ስለዝዀነ፡ ነቲ ማሕበር ምሕያል ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝህልዎ ኣማረ ይኣምን።
‘ቋንቋ ምልክት ብምትርጓመይ ሕጉስቲ’የ’
ኣብ ክፍሊ ቋንቋ ምልክት ኤቢሲ እትሰርሕ እስከዳር ይኩኖኣምላክ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ፍሉጣት ተርጐምቲ ቋንቋ ምልክት እያ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ቋንቋ ምልክት ተማሂራ፡ ንኤቢሲን ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት መድረኻት ከም ተርጓሚት ቋንቋ ምልክት ኰይና ሰሪሓ።
ናይ መወዳእታ ዓመት ተምሃሪት ዩኒቨርስቲ እንከላ ጀሚራ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ’ውን ከም ተርጓሚት እናሰርሐት ትርከብ።
ንሳ፡ ብሰንኪ ትሑት ንቕሓትን ኣፍልጦን፡ ቋንቋ ምልክት ኢትዮጵያ ድሩት ምዃኑ ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, ESKEDAR
“ካብ 70 ሚእታዊት ዘይውሕዱ ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ኣብ ስራሕ ዕንጸይቲ ይዋፈሩ። ኣብ ካልእ ዓውድታት ክሰርሑ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን፡ ዝቘጽሮም ሰብ ስለዘየለ፡ ሓደ ሞያ ጥራይ እዮም ዝመርጹ" ትብል።
ትካላት ጽሙማን ንምቝጻር ተርጓሚ ቋንቋ ምልክት’ውን ምቝጻር ከምዘድሊ ስለዝሓስባ፡ ምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ክቘጽራ ኣይደልያን።
ስለዚ ድማ እያ ኣገዳስነት መዝገበ ቃላት ቋንቋ ምልክት እተጕልሕ።
ይዅን’ምበር፡ እቲ መዝገበ ቃላት ድሩት ተበጻሕነት ከምዘለዎ ትሕብር።
ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ንምስማዕ ዝጽገሙ ሰባትን ንጉዱኣት ኣካል ናውቲ ዝሸጣ ትካላትን ሓሊፉ ኣብ ካልእ ከምዘይርከብ ትጠቅስ።
እስከዳር ከምትብሎ፡ ብቋንቋ ምልክት ዝቐርብ እኹል ሓበሬታ ዘይምህላዉ ድማ ነቲ ክፍተት የጋድዶ ኣሎ።
ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ብዛዕባ እቲ ለበዳ ዝምልከት ሓበሬታ ብቋንቋ ምልክት ብዘይምድላዉ፡ ንምስማዕ ዝጽገሙ ሰባት ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ ከምዝገበሩ ትዝክር።
“ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ሰንበት ክሳብ ሰንበት ዜና ይሽፍን ነይረ” ብምባል ብወገና ዝገበረቶ ጻዕሪ ትገልጽ።
"ኣረኣእያ ዝበዝሑ ሰባት፡ ‘ቋንቋ ምልክት ተመሃርና ኣይተመሃርና እንታይ ለውጢ ኣለዎ’ ዝብል እዩ።"
ንገዛእ ርእሳ ግን "‘ቋንቋ ምልክት ብምትርጓመይ ሕጕስቲ’የ" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







