'ስግኣት ኑክሌር ይውስኽ ኣሎ፡ ንሕና ግን ኣይዓበድናን' - ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቭላድሚር ፑቲን ስግኣት ኑክሌራዊ ኵናት እናዓረገ ይመጽእ ከምዘሎ ገሊፁ፤ እንተዀነ ሩስያ “ኣይዓበደትን” ዘለዋ ኣጽዋር ኑክሌር ኣቐዲማ ኣይክትጥቀምን'ያ፡ ኢሉ።
እቲ ፕረዝደንት ንዝፍፀም መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ፡ ሃገሩ ጃምላዊ ዕንወት ዘውርዱ ኣጽዋራት ጥራይ ከምእትጥቀም ኣገንዚቡ።
ፑቲን ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ ከም ዝተዛረቦ፡ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኵናት “ነዊሕ መስርሕ” ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።
ምዕራባውያን፡ ኣብ ወራር ዩክረይን ፑቲን ቅልጡፍ ዓወት ከመዝግብ ሃቂኑ ከም ዝነበረ’ዮም ዝኣምኑ።
ሩስያ ኣብቲ ዝሓለፈ ለካቲት ንዩክረይን ካብ ትወርር ንነጀው፡ ኣጽዋራት ኑክሌር ናይ ምጥቃም ዓቕማ ሓያል ክትትል እዩ ዝግበረሉ ዘሎ።
ፑቲን ኣብ ሓደ ካብ ሞስኮ ዝወጽአ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ብዛዕባ ኑክሌራዊ ኵናት ክዛረብ እንከሎ፡ “ከምዚ ዓይነት ስግኣት ይዓርግ ኣሎ፤ ነዚ ምሕባእ ግን ጌጋ እዩ” ክብል ኣጠንቂቝ።
እንተዀነ፡ ሩስያ “ኣብ ዝዀነ ይዅን ኵነታት” ኣቐዲማ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ዘይትጥቀምን ንዝዀነ ከምዘይተፈራርሕን ሓቢሩ።
ፑቲን፡ “ንሕና ኣይዓበድናን፡ ኣጽዋራት ኑክሌር እንታይ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። ነዚ ኣጽዋር ከም መላጸ እናወዛወዝና ኣብ ዓለም ኣይክንጐይን ኢና” ክብል ተዛሪቡ።
ሩስያ ኣብ ዓለም እቲ ዘመናውን ዝበለጸን ኣጽዋራት ኑክሌር ከምዘለዋ ዝተመክሐ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሃገሩ ዘለዋ ስትራተጂ ኑክሌር ምስ ኣሜሪካ ኣነጻጺሩ።
“ንሕና፡ ታክቲካት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ካልኦት ሃገራት የብልናን፤ ከምቲ ኣሜሪካውያን ኣብ ቱርክን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳን ዘለዎም” ኢሉ።
ፑቲን ቅድሚ ሕጂ፡ ሰረት እምነት ኑክሌር ሩስያ፡ ብኑክሌር ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምክልኻል ጥራይ ከምዝፈቅድ ኣትሪሩ ተዛሪቡ ነይሩ።
ዩክረይን ወሪሩ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ዓወት ክሓፍስ ሃቂኑ ዝነበረ ፑቲን፡ እዚ ከም ዘይዕወት ምስተገንዘበ፡ እቲ ኵናት “ነዊሕ መስርሕ” ክወስድ ከምዝኽእል ተኣሚኑ ኣሎ።
እንተዀነ እቲ ውጽኢት ግን ወሳኒ ከምዝነበረ፤ እቲ ሩስያ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ምስሉይ ህዝበ ውሳነ ብምክያድ ብዘይሕጋዊ መገዲ ሕቶታት ይግብኣኒ ዘልዓለትሎም ሓደስቲ ግዝኣታት ከም ኣብነት ዝቐርብ እዩ።
ነቲ ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን ክሳብ ደቡባዊ ምዕራብ ሩስያ ዝዝርጋሕ ባሕሪ ኣዞቭ ከም ዝተቘጻጸሩ ዝተጃህረ ፑቲን፡ እዚ ከኣ ዓቢይ ባህጊ ሩስያዊ ዛር ፒተር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ፑቲን፡ ንርእሱ ምስቶም ኣብ መበል 17 ን 18 ን ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ገዛእቲ የነጻጸር።
ዋላ’ኳ ፑቲን፡ ዞባታት ኬርሶን፡ ዛፖርዚዝያ፡ ሉሃንስክን ዶነስክን ሓደስቲ ግዝኣታት ሩስያ ከምዝዀኑ እንተተዛረበ፡ ሞስኮ ግን ካብዞም ከባቢታት ዋላ ንሓደ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ኣይተቘጻጸረትን።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ዝኸፍቱ ዝተቘጻጸርዋ ዋና ከተማ እቲ ዞባ ኬርሶን ከንሳሕቡ ተገዲዶም ነይሮም’ዮም።
እዚ ኣብ ግንባር ዘጋጠሞም ብድሆ፡ ሩስያ ንማእኸል ጸዓት ዩክረይን ዒላማ ብምግባር፡ ጽዑቕ መጥቃዕትታት ኣየር ክተካይድ ደሪኽዋ። ከም ሳዕቤን እዚ ደብዳብ ድማ፡ መሰረት ልምዓት ጸዓት ዩክረይን ብኸቢድ ዓንዩ፡ መጠን ዋዒ ትሕቲ ዜሮ ኣብ ዝወረደሉ ሚልዮናት ዩክሬናውያን ንሰዓታት ወይ ንመዓልታት ብዘይመውዓይን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ሓዲግ ተሪፎም።
ፑቲን፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝፈጸሞ ወራር ክነቅፍ ዝኽእል ዝዀነ ዓይነት ነቐፌታ ኣብ ቅድሚ 'ቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ተዓጊቱ እዩ፤ ኣብቲ ኵናት ሕቶ ዘልዓሉ 10 ኣባላት እቲ ባይቶ ብምእላይ ነቲ ኵናት ብዝድግፉ ተተኪኦም እዮም።
ካብ ቀረባ ሰሙናት ንነጀው ፖሊሲ ኑክሌር ሩስያ፡ መዓስ ኣጽዋር ኑክሌር ምጥቃም ይከኣል ዝብል ኣብ ቀረባ ክትትል ኣትዩ ኣሎ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውደ ግምባር ዩክረይን ክፍነው ዝኽእሉ ታክቲካዊ ኣጽዋራት ክትትል ይግበረሎም ኣሎ።
ታክቲካዊ ኣጽዋር ኑክሌር ኣብ ውግእ ዝውዕል ኰይኑ፡ ኣንጻር እቲ ገዚፍ ስትራተጅያዊ ኣጽዋር ገዚፍ ዕንወት ንምውራድ ዝተዳለወ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







