ሕብረት ኣውሮፓ፡ 'ኑክሌር ክጥቀም እየ' ንዝብል ምፍርራሕ ፑቲን፡ ዕሽሽ ከይብሎ ተሓቲቱ

ሕብረት ኣውሮፓ ነቲ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክሬን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኑኩለራዊ ኣፅዋር ክጥቀም ምዃኑ ዘስምዑ ምፍርራሓት ኣቃሊሉ ከይወስዶ ተሓቲቱ።
ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንመጠንቀቕታ ፑቲን ብዕቱብ ክወስዶ ተማሕጺኑ።
ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ፑቲን ኑክለራዊ ኣጽዋር ክጥቀም ምዃኑ ከፈራርሕ እንከሎ፡ "ኣይገብሮን'ዩ" ብምባል ዕሸሽ ክበሃል የብሉን ኢሉ።
ሩስያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣርባዕተ ዞባታት ዩክሬን ናብ ግዝኣታ ንምሕዋስ እናተንቀሳቐሰት ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሓይልታት ዩክሬን፡ ነቲ ዝተጎበጠ ግዝኣቶም ካብ ሰራዊት ሩስያ ዳግማይ ከምዝመንዝዑ ዝዝከር እዩ።
ጆሴፍ ቦረል፡ "ሰራዊት ሩስያ ይድፋእ ምህላዉ ስክፍታ ይፈጥር ኣሎ። ፑቲን ከም ግብረ መልሲ ኑክለራዊ ኣጽዋር ክጥቀም ምዃኑ ምፍርርሑ ኣዝዩ ዘስግእ'ዩ" ኢሉ።
ንኲናት ዩክሬን "ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ" ከምዘድሊ እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ።
"ልኡላውነት ዩክሬን ዘረጋግጽ ፍታሕ የድሊ። እንተዘይኮይኑ ዋላ እቲ ኲናት እንተተወዲኡ ሰላም ኣይክህሉን። ዳግማይ ኲናት ክለዓል ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ዩክሬን ቀንዲ ኣጀንዳ ናይዚ ዓመት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ኣላ።
ፖለቲከኛታትን ተራ ዜጋታትን እውን እቲ ኲናት መዓስ ከምዝውዳእ ይሓቱ ኣለው።
እቲ ኣውሮጳዊ በዓልስልጣን ወሲኹ፡ "ምዕራባውያን እገዳታት ብምንባሮም፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ቅልውላው ሩስያ ንዐኦም ተሓተትቲ ክትገብር እያ፣ ብኣንጻሩ ሕብረት ኤውሮጳ ትረኻ ናይቲ ኲናት ንምቁጽጻር ይቃለስ ኣሎ" ኢሉ።
ሕብረት ኤውሮጳ ንዩክሬን ዝህቦ ደገፍ ኣጽዋር ይጎድል ኣሎ ንዝብል ርእይቶ ግን ነጺጉ።
ንዩክሬን ዝግበር ናይ ኣጽዋር ደገፍ ከምዝቕጽልን ኣብ ልዕሊ ፑቲንን መሻርኽቱን ዝግበር እገዳ ደው ከምዘይብልን ገሊጹ።
ፑቲን ኑክለራዊ ኣጽዋር ንምጥቃም ምህቃኑ ግን ከምዘተሓሳስብ ኣስሚርሉ።
ጆሴፍ ቦረል ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ከቢድ ስግኣት ከምዝሰዐበ ጠቒሱ።
“ብሰንኪ ልዑል ዋጋ ጋዝ ክንሰርሕ ኣይከኣልናን ዝብሉኒ ደቂ ሃገረይ ኣለዉ። ካብ ኣፍሪቃ፣ ደቡብ ኣሜሪካን ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን ተመሳሳሊ ወረ ሰሚዐ ኣለኹ። እዚ ኲናት ዘስዕቦ ዘሎ ጸቕጢ ልዑል እዩ" ኢሉ።
ንሱ፡ ፑቲን'ውን ብድርድር ፍታሕ ንምርካብ እጃሙ ከወፊ ተማሕጺኑ።
"እቶም ምስ ፑቲን ንምዝርራብ ናብ ሞስኮ ዝኸዱ ብሓፈሻ ተመሳሳሊ ነገር እዮም ዝዛረቡ። እዚ ድማ ፑቲን 'ወተሃደራዊ ዕላማታተይ ክሳብ ዘሳኽዕ ምቅላስ ኣየቋርጽን እየ' ምባሉ እዩ። እዚ ሓደገኛ እዩ። ንዩክሬን ምድጋፍና ድማ ክንቅጽል ኣለና" ኢሉ፡ እቲ ዓቢ በዓል ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ጆሴፍ ቦረል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







