ኣብ ሓደ መውዓሊ ህጻናት ብውሕዱ ኣርባዕተ ህጻናት ብፋስ ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ደቡብ ብራዚል ኣብ እትርከብ ከተማ በሉሙናኡ ኣብ ሓደ መውዓሊ ህጻናት ብውሕዱ ኣርባዕተ ህጻናት ብፋስ ተቐቲሎም።
እቲ ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ ሰብ ወዲ 25 ዓመት ኰይኑ፡ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ብኣቖጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ ትሽዓተ ናይ ንግሆ፡ ፋስ ሒዙ ድሕሪ ምእታው’ዩ ነቲ ቕትለት ፈጺምዎ።
ብዘይካ እቶም ዝተቐተሉ ካልኦት ኣርባዕተ’ውን ብፋስ ክህረሙ እንከለዉ ሓደ ካብኦም ኣብ ብኸቢድ ዝተሃረመ ከም ዝዀነ ተገሊጹ።
እቲ ነዚ ቕትለት ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ናብ መደበር ፖሊስ ኢዱ ሂቡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝርከብ ፖሊስ ንማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።
ካብቶም ዝተቐተሉ እቶም ሰለስት ደቂ ተባዕትዮ እታ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኰይኖም ዕድምኦም ካብ 4 ክሳብ 7 ዓመት ከም ዝዀነ ፖሊስ እቲ ከባቢ ሓቢሩ።
እቲ ቕትለት ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ኣብቲ ካንታንሆ ቦም ፓስተር ዝተሰመየ መውዓሊ ህጻናት ኣስታት 40 ህጻናት ከም ዝነበሩ’ውን ፖሊስ ሓቢሩ።
ፖሊስ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ ሰብ ናብቲ መውዓሊ ህጻናት ብመንደቕ ዘሊሉ ብምእታው ኣብ ቕድሚኡ ንዝጸንሕዎ ህጻናት ብፋስ ይሃርሞም ምንባሩ ኣብሪሁ።
ኣብቲ መውዓሊ ህጻናት መምህር ዝዀነትን ነቲ ቕትለት ብዓይና ዝርኣየትን ሲሞነ ኣፓራሲዶ ካማርጎ “እቲ ትርኢት ኣብ ህይወተይ ከጋጥመኒ’ዩ ኢልካ ብፍጹም ዘይትሓስቦ ዘሰንብድ ትርኢት’ዩ” ኢላ።
እታ መምህር ብምስዓብ “ሓንቲ መሳርሕተይ ብጉያ ናባይ መጺኣ ማዕጾን ፍኒስትራን ዕጸውዮ ሓደ ሰብ ናብዚ ህንጻና ይመጽእ ኣሎ ኢላትኒ። መጀመርታ ንስርቒ ዝመጽአ’ዩ መሲልና ነይሩ፤ ነቶም ምሳይ ዝነበሩ ህጻናት ኣብ ሽቓቕ ሓቢአዮም። ድሓር ግን ክቐትለና’የ መጺኡ ዝብል ድምጺ ካብ ካልእ መምህር መጺኡኒ” ኢላ።
መምህር ሲሞነ ኣፓራሲዶ ካማርጎ፡ ዳርጋ ኩሎም እቶም ተማሃሮ ኣብቲ ዝጻወትሉ ሜዳ ከም ዝነበሩ ሓቢራ።
እቲ ቕትለት ዝፈጸመ ሰብ ብጀካ ፋስ ካልእ መሳርሒታት’ውን ኣብ ኢዱ ከም ዝነበረ ዝሓበረት መምህር ሲሞነ ኣፓራሲዶ ካማርጎ፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ነገር እንታይ ምዃኑ ክትፈልጦ ከም ዘይክኣለት ግን ሓቢራ።
እቲ ክስትት ኣብ መላእ እታ ከተማ ምስ ተሰመዐ ወለዲ ብጉያ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ከም ዝመጽኡ ተገሊጹ።
ሰብ መዚ እታ ከተማ ትምህርቲ ብውሕዱ ንዝመጽእ ክልተ መዓልታት ክዕጾ ኣዊጆም ኣለዉ።
ኣመሓዳሪ ናይ ከተማ በሉሙናኡ ትርከበሉ ዞባ ሳንታ ካታሪና ኣብቲ ዞባ ሰለስተ መዓልታት፡ መዓልቲ ሓዘን ክዀና ኣዊጁ ኣሎ።
ኣብቲ ዞባ ኣብ መውዓሊ ህጻናት መጥቓዕቲ ክፍጸም እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።
ኣብ 2018 ሓደ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ናብ ሓደ መውዓሊ ህጻናት ብምእታው ክልተ ኣባላት ቤት ጽሕፈትን ሰለስት ህጻናትን ከም ዝቐተለ ዝዝከር’ዩ።
ቅድሚ 10 መዓልታት ናይዚ ፍጻመ’ውን ኣብ ከተማ ሳኦ ፓውሎ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ ኮተቴ ንመምህሩ ብኻራ ብምህራም ክቐትላ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣርባዕተ ህጻናት ከቢድ ጉድኣት ኣብጺሑ ነይሩ።
ፕረዚደንት ብራዚል ልዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ብትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ ናይ ሓዘን መልእኽቲ “እቶም ነብሶም ክከላኸሉ ዘይክእሉ ህጻናት ደቕካ ክሞትኻ እንከለዉ፡ ካብዚ ዝዓቢ ቃንዛ የለን፤ እቲ ኸኣ ኣዝየ ዘጸይፍ ጎነጻዊ ተግባር’ዩ” ብምባል ነቲ ክስተት ኰኒንዎ።
ከተማ በሉሙናኡ 360 ሽሕ ነባሪ ዘለዋ ብበጻሕቲ እትብሃግ ከተማ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







