ጓርድዮላ፡ እቲ ማንቸስተር ሲቲ ዘይትትንከፍ ጋንታ ዝገበረ ዓንተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ታሪኽ ፕሪሜርሊግ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣከታቲላ ቻምፕዮን ክትከውን ዝኸኣለት ጋንታ ኰይና ኣላ። እዚ ዅሉ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ጓርድዮላ ኰይና ዝተጐናጻፈቶ ዓወታት’ዩ።
ጓርድዮላ ኣብ ዓመት 2016-2017 ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኰይኑ ካብ ዝሕረ፡ ኣብ ሸውዓተ ዓመታት ማንቸስተር ሲቲ ሽዱሽተ ግዜ ቻምፕዮን ፕሪሜርሊግ ክትከውን ኣኽኢልዋ።
ማንቸስተር ሰቲ ኣብ ናይ ትማሊ ጸወታ ቻምፕዮን ንኽትከውን፡ ንዌስትሃም እንተስዒራ ኣርሰናል ዘመዝገበት ዓወት ተመዝግብ ቻምፕዮን ክትከውን ከምእትኽእል ርግጽ ስለዝነበረ፡ ከምቲ ጓርድየላ ቅድሚ ጸወታ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዓወት ሒዝካ ምውጻእ ጥራይ ከምዘዋጽኦም ኣሚኑ’ዩ ናብ ሜዳ ኣትዩ።
እታ ንፕሪሜርሊግ ዓብሊላቶ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ከኣ ዋላ ድኣ ኣርሰናል ንኤቨርተን ትስዓራ’ምበር ንሳ’ውን ንዌስትሃም ዩናይትድ፡ ፎደን ኣብ መበል 2 ደቂቕን 18 ደቂቕን ሮድሪ ከኣ ኣብ መበል 59 ደቂቕ ብዘመዝገብወን ሰለስተ ሸቶታት ሰለስተ ንሓደ ስለዝሰዓረት ንኣርሰናል ብክልተ ነጥቢ በሊጻ ንዓመት 2023-2024 ቻምፕዮን ክትከውን ክኢላ።
ማንቸስተር ሲቲ ዋላ ደኣ ቻምፕዮን ትዅን’ምበር ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተንጠልጠለ ምስ ጥሕሰት ፋይናንሳዊ ሕግታት ዝተኣሳሰር 115 ክስታት ኣለዋ፡ ደገፍቲ ናይታ ካልኣይቲ ኰይና ዝዛዘመት ኣርሰናል ከኣ ነዘን 115 ክስታት ማንቸስተር ሲቲ ከኮማስዕወን ጀሚሮም ኣለዉ።
ማንቸስተር ሲቲ እዚ ክሲ ቅድሚ 15 ኣዋርሕ’ዩ ተመስሪትዋ፡ እዚ ክሲ እዚ ብቤት ፍርዲ ሓቅነቱ እንተተረጋጊጹ ክሳብ ቻምፕዮንነት ምምንጣል ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ከጋጥማ ስለዝኽእል፡ እዛ ጋንታ ነዚ 115 ክስታት ሕጋዊ መዕለቢ ክሳብ ትገብረሉ ቀሲና ከምዘይትድቅስ ገይርዋ ዘሎ።
ማንቸስተር ሲቲ ካብ 2017-2018 ክሳብ እዛ ናይ ትማሊ ዓወታ፡ ነታ ዋንጫ ሓንሳብ ጥራይ’ያ ክትዕወተላ ዘይከኣለት፡ ኣብ ዓመተ 2019-2020 ሊቨርፑል ዝተዓወተትሉ ዓመት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማንቸስተር ሰቲ ኣብ ውሽጣ ሓቝፋቶም ትርከብ ተጻወትቲ’ውን በብውልቆም እንተተመዚኖም ምስቶም ዝበለጹ ተጻወተቲ ናይዛ ዓለም ዝስርዑ’ዮም፡ ኤርሊን ሃላንድ፡ ከቬን ዲ ብሩይነ ፎደን፤ ነዞም ተጻወተቲ ክትውንን ዘይትደሊ ጋንታ የላን።
ዲ ብሩይነን ኤርሊግ ሃላንድን ኣብ ምጅማር ፕሪሜርሊግ ተሃሪሞም ንነዊሕ ተኣልዮም ስለዝነበሩ እታ ጋንታ ሰንከልከል ዝበለት’ኳ መሲላ እንተነበረት፡ እቲ ዝወደቀት ጋንታ ናይ ምትሳእ ክእለት ዘለዎ ጓርድዮላ ግን መሬት ኣየተንከፋን።
ማንቸስተር ሲቲ ቅድሚ ናይ ትማሊ ዛዛሚ ጸወታኣ፡ ኣንጻር ቶንሃም ኣብ ዝነበረ ጸወታ፡ እቲ ልዕሊ ናይ ትማሊ ዝኸበደን ወጥሪ ዝነበሮን ጸወታ ኢልካ ክግለጽ ይከኣል’ዩ። እንተዀነ ኣብቲ ጸወታ ኣርሊን ሃላንድ ብዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት [ሓንቲ ብፍጹም ቅላዕ] ክልተ ንዜሮ ስለዝሰዓረት፡ ዓቕሚ ዌስትሃም ኣብ ግምት ብምእታው ትማሊ ዝበለጸ ዕድል ሒዛ’ያ ናብ ሜዳ ኣትያ።
ጓርድዮላ ስነኣእምሮኣዊ ነውጺ ናይ ምጽዋርን፡ ኣብ ወጣሪ እዋን ከይተረበሸ ናብ ዓወት ዘመርሾ ውሳነታት ናይ ምውሳድ ዓቢ ዓቕሚ ከምዘለዎ’ዩ ዝግለጽ።
እታ ኣብዚ ዓመት’ዚ ቀንዲ መቀናቕንቲ ማንቸስተር ሲቲ ኰይና ካልኣይቲ ብምዃን ጸወታ ዝዛዘመት ኣርሰናል ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ብኣስቶን ቪላ ክልተ ንዜሮ ዝተሰዓረትሉ ጸወታ እታ ቀንዲ ንማንቸስተር ሲቲ ዘርብሐትን ንኣርሰናል ርእሳ ዘድነነትን’ያ ነይራ።
ብድሕሪ እዛ ጸወታ እዚኣ ምህለላ ኣርሰናል ማንቸስተር ሲቲ ብኻልእ ጋንታ ክትሰዓረላ ጥራይ ኰይኑ፡ እቲ ከመይ ጌርካ ዋንጫ ኣብ ከብሕኻ ትሰቅል ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ጓርድዮላ ግን ንኣርሰናል ዘርብሕ ጌጋ ኣይፈጸመን፡ ብሓፈሻ ኣብ 38 ጸወታታት 28 ተዓዊቱ፡ 7 ማዕረ ወጺኡ ሰለስተ ተሳዒሩ ብ91 ነጥቢ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ካብ 38 ጸወታታት 28 ዓወት፡ 5 ማዕረ 5 ስዕረት ዘመዝገበት ኣርሴናል ከኣ ብ89 ነጥቢ ካልኣይቲ ኰይና ጸወታኣ ወዲኣ።
ጓርድዮላ ሕጂ’ውን ልክዕ ከም ናይ ዓሚ ዋንጫ ኤፍኤ ካብ ናብ ከብሒ ክሰቅል ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳ ዌንብለይ ጸወታ ይጽበዮ ኣሎ።
ነታ ተዳኺማ ዘላን ኣብ ጸወታታት ፕሪሜርሊግ ካብ ማንቸስተር ሲቲ ብ31 ነጥቢ ድሒራ መበል ሻሙነይቲ ኰይና ውድድራ ዝዛመትን ማንቸስተር ዩናይትድ ዘናሕስየላ ኣይመስልን’ዩ።
ብሓፈሻ ኣብ 2016 ናብ ማንቸስተር ሲቲ ካብ ዝመጽእ 17 ዋንጫታት ተዓዊቱ ኣሎ።
ኣብ 2019 ኣብ ሓደ ዓመት ዋንጫ ፕሪሜርሊግ፡ ዋንጫ ኤፍኤን ዋንጫ ኢኤፍኤልን ክዕወት ክኢሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ዋንጫ ፕሪሜርሊግን ዋንጫ ኤፍኤን ብምዕዋት ሰለስተ ዓበይቲ ዓወታት ከመዝግብ ክኢሉ።
ብሓጺሩ ጓርድዮላ ከመይ ጌርካ ቀዳማይ ኴንካ ትውድእ ኣጸቢቑ ዝፈልጥን ኣብ ኣእምሮ መቐናቕንቱ ከመይ ገይሩ ስነኣእምሮኣዊ ራዕዲ የእቱን ዝፈልጥ ኣሰልጣኒ ምዃኑ ብዙሓት ይምስክርሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







