ቪድዮ ዳንነት 'ቫር' ይቐጽል ዶ ይቋረጽ? - ክለባት እንግሊዝ ድምፂ ክህባሉ ተወሲኑ

ኣብ ስታድዮም ዝትከል ተለቪዥን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክለባት ፕረሚየር እንግሊዝ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ቪድዮ ዳንነት -ቫር - ይትረፍ ዶ ወይስ ይቐጽል ኣብ ዝብል እማመ ሓሳብ ድምጺ ክህባ እየን።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ዎልቭስ ዝተባህለት ኣባል እቲ ሊግ ብዘቕረበቶ ሓሳብ ኰይኑ፡ እተን 20 ክለባት ፕረሚየር ሊግ ኣብ ዝመጽእ ሰነ ድምጺ ክህባ ተወሲኑ ኣሎ።

እታ ክለብ ኣብ ዘቕረበቶ ጽሑፍ፡ ቪድዮ ዳንነት፡ ንጽቡቕ ዕላማ ተሓሲቡ’ኳ እንተ ተኣታተወ፡ “ኣቐዲሙ ዘይተሓሰበሎም" ሓያለ ኣሉታዊ ጐድኒታት ከምዘለዉን፡ እዚ ድማ ኣብ መንጐ ደገፍትን ጸወታ ኵዕሶ እግሪን ዘሎ ስምዒታት ክህሰ ይገብር ከምዘሎ ኣገንዚባ።

ኣብ ውድድራት ፕረሚየር እንግሊዝ፡ ዳንነት ቪድዮ ብ2019 ዝተኣታተወ ኰይኑ፡ ዕላማኡ፡ ወሰንቲ ኣብ ዝዀኑ ኣጋጣሚታት ንማእከላይ ዳኛ ንምሕጋዝ እዩ።

እንተዀነ ብፍላይ ኣብዚ ዓመት’ዚ ሓያለ ኣካታዕቲ ዝዀኑ ውሳነታት ከምዝተዋህቡን እዚ ድማ ብዙሕ ቅሬታታት ከምዝፈጠረ ይግለጽ።

ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ መግለጺ ክለብ ዎልቭስ፡ “ዝወሃብ ውሳነ ዝያዳ ልክዕ ንምግባር፡” ብዝብል መንፈስ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ይህሰ ኣሎ፡ ክብል ኣስፊሩ።

ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ እንግሊዝ ነቶም ብሰንኪ ቫር ዝስምዑ ቅሬታታት ከምዝቕበል እኳ እንተገለጸ፡ “ምሉእ ብምሉእ ከምዝደልዮ” ከምኡ’ውን ነቲ ዘሎ ሃጓፋት ንምምሕያሽን ነቲ ዘሎ ኣሰራርሓ ንምውርጻጽን ለውጢ ንምምጻእን ምስ ማሕበር ደያኑ ብሓባር ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።

ብመሰረት ሕጊ ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ፡ ዝዀነ ኣዋጅ ጸዲቝ ግብራዊ ንክኸውን ክልተ ሲሶ ድምጺ ክረክብ የድሊ። በዚ መሰረት፡ እቲ ቫር ይቐጽል ዶ ወይስ የቋርጽ ዝብል ሓዲኡ ንኽጸድቕ ናይ 14 ክለባት ድምጺ ክረክብ የድልዮ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክለባት ፕረሚየርሊግ፡ ‘ሓውሲ ኣውቶማቲክ’ ዝዀነ - ዳርጋ ባዕሉ - ኦፍሳይድ ዝውሰን ቴክኖሎጂ ኣብ ዓመተ ውድድር 2024/25 ግብራዊ ክኸውን ድምጸን ምሃበን ይዝከር።

ሓያለ ኣሰልጠንቲ ክለባት እንግሊዝ ኣብ ቪድዮ ዳንነት ዘለዎም ቅሬታ ብተደጋጋሚ ከስምዑ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ጋሪ ኦነል - ኣሰልጣኒ ዎልቭስ ሓደ ካብኣቶም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ዎልቭስ ምስ ዌስትሃም ኣብ ዘካየዳኦ ግጥም፡ ዎልቭስ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ዘመዝገበታ ሸቶ ብቫር ድሕሪ ምስራዛ፡ ኣሳልጣኒ ኦነል ናብ ክፍሊ ደያኑ ብምኻድ ከዕገርግር ተራእዩ፤ በዚ ድማ መቕጻዕቲ ከምዝተበየኖ ይዝከር።

ኖቲንግያም-ፎረስት ምስ ኤቨርተን ኣብ ዘካየደቶ ግጥም እውን ሰለስተ ፍጹም ቅላዕ ምኽላኣ ካብቲ ከዘራርብ ዝጸንሐን ናብዚ ቀሪቡ ዘሎ ጥርዓን ዝመርሐን ምዃኑ ይግለጽ።

ነቶም ዕሉላት ደገፍቲ ሊቨርፑል ኣመና ዘቘጥዐ ድማ፡ እቲ ጋንታኦም ምስ ቶተንሃም ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ ልዊስ ዲያዝ ዘመዝገባ ሸቶ ብቫር ምስራዛ ኰይኑ፡ እዚ ውሳነ ካብቲ ዝተነቕፈ ዓበይቲ ጌጋታት ዝበሃል ዘሎ እዩ።

ሓደ ካብ ሰብመዚ ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ ቶኒ ስኮልስ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቫር ነቲ ብደያኑ ዝፍጸም ጌጋታት ዝመልአ ይዅን እምበር፡ ግዜ ዝወስድ ምዃኑ ከምዘተሓሳስብ ገሊጹ ነይሩ።

ኣቦ መንበር ማሕበር ዳያኑ እንግሊዝ ሃዋርድ ዌብ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ተሌቪዥን ብምቕራብ ኣዘራረብቲ ውሳነታት ክትንትን ይርአ እዩ።

ኣብ መንጐ ማእከላይ ዳኛን ደያኑ ቪድዮን ዝግበር ዝርርብ እውን እናጠቐሰ ንተዓዘብቲ መብርሂ ክህብ ይስማዕ እዩ።

ሽወደን፡ ቪድዮ ዳንነት ከምዘይትጥቀም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብምግላጽ፡ ካብ 30 ሃገራት ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ናይ መጀመርታ ኰይና ኣላ።