ፕሪሚየር ሊግ፡ ክሳራታትን መኽሰባትን ዘስዓበ ግጥም ቶተንሃምን ማንቸስተር ሲቲን

ተጻወቲ ኣርሰናልን ሲቲን ኣብ ግጥም

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ብሰሉስ ምሸት ኣብ ሰሜን ለንደን ዝተኻየደ ግጥም ቶተንሃምን ማንቸስተር ሲቲን ካብ ንቡር ወጻኢ ልዑል ኣገዳስነት ዝነበሮ'ዩ።

ድርብ ክሳራታትን መኽሰባት ዝሓዘለ ብምንባሩ ድማ ኣቓልቦ ብዙሓት ደገፍትን ጋንታታትን ዝረኸበ'ዩ ነይሩ።

ብቐዳምነት ንክልቲአን ጋንታታት'ውን ወሳኒ ጸወታ'ዩ ነይሩ።

ነቲ ግጥም ዘአንገደት ቶተንሃም እንተ ትዕወት ናብቲ ኣብ ኩዕሶ ዓለም ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ብሉጻት ጋንታታት ኣውሮጳ ጥራይ ዝሳተፋኦ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ክትሓልፍ ሰፊሕ ዕደል ምፈጠረላ።

እታ 63 ነጥቢ ኣዋህሊላ ኣብ ሰሌዳ ናይቲ ሊግ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ትርከብ ዘላ ስፐርስ፡ ሰለስተ ነጥቢ ብምርካብ ነታ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዘላ ኣስቶን ቪላ ክትጽግዓ ተስፋ ነይሩዋ።

ማዕረ ምውጻእ'ውን ኣየዋጽኣን'ዩ ነይሩ፤ ስለዚ ዓወት ናይ ግድን ክረጋገጽ ነይሩዎ።

እቶም ቀንዲ ነቲ ግጥም ከብዶም ሓቚፎም ዝተጸበይዎን ዝተዓዘብዎን ግን፡ ደገፍቲ፡ ተጻወቲን ኣሰልጠንትን 'ሰብ-ብረት' ወይ 'መድፈዐኛታት' ኣርሰናል'ዮም ነይሮም።

ብዙሓት ደገፍቲ ኣርሰናል ነታ ቀንዲ መቐናቕንቶም ዝዀነት ቶተንሃም ዕረ እናጠዓሞም ክድግፉዋ ዝተራእዩላ ፍልይቲ ለይቲ'ያ ነይራ - ገለ ፍሉጣት ደገፍቲ ኣርሰናል፡ ጸላዕላዕ እናበሎም ማልያታት ስፐርስ ክኸደኑ ዝተራእዩላ።

እታ 86 ነጥቢ ሒዛ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ኣርሰናል ካብ 2004 ኣትሒዛ ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ ተሓሪሙዋ'ዩ ጸኒሑ።

ሕጂ ድማ እታ ኣብቲ ናይ ትማሊ ግጥም 2 ብ 0 ስዒራ ሰለስተ ነጥብታት ሒዛ ናብ ማንቸስተር ዝተመለሰትን ብድምር 88 ነጥቢ ዘዋህለለትን ሲቲ ክትሰዓረላ ዝነበራ ትጽቢት በርዒኑ ተሪፉ።

ኣብቲ ናይ ሰሉስ ግጥም ግን ኣርሰናል ጥራይ ኣይኮኑን ከብዶም-ሓቚፎም ብተርባጽ ክጽበዩ ኣምስዮም።

ደገፍቲ ናይታ 68 ነጥቢ ሒዛ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዘላ ኣስቶን ቪላ'ውን፡ ቶተንሃም ክትሰዓረሎም ክምህለሉ'ዮም ሓዲሮም።

ኣማስያኡ ቀኒዕዎም ድማ ብኾፎም ድሕሪ 42 ዓመት ንዋንጫ ኣውሮጳ ክወዳደሩ ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ ሓሊፎም ኣለዉ።

ኵለን ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ዝካየድ ሓደ ግጥም ጥራይ'ዩ ተሪፉወን ዘሎ።

ስለዚ ሕጂ'ውን ደገፍቲ ኣርሰናል፡ ምስ ቶተንሃም እናተራገሙ፡ ነታ ምስ ሲቲ ክትገጥም ትዳሎ ዘላ ኣብ መበል ትሸዓተ ትርከብ ዌስትሃም ዩናይትድ ክትስዕር ጸሎቶም ከዕርጉ'ዮም።

ጸሎት ጥራይ ግን ኣኻሊ ኣይክኸውንን'ዩ፡ ኣርሰናል'ውን ዕዮ ገዛኣ ብምስራሕ ንኤቨርተን ብገፊሕ ክትስዕራ ኣለዋ- ምናልባት ሲቲን ዌስትሃምን ማዕረ እንተወጺአን ብሸቶ ዋንጫ ክውሰን ተኽእሎ ስለዘሎ።

ነቲ ተስፋ ኣማህሚንዎ ዘሎ ግን ብቕዓት ናይ ማንቸስተር ሲቲ'ዩ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን መትሓዚ ተሳኢንዎም ብምሃላዉ ድኽምቲ ዌስትሃም ክትስዕሮም ወይ ክትብድሆም'ያ ዝብል ትጽቢት የለን።

ሲቲ ብወገኖም ንራብዓይ ግዜ ብተኸታታሊ ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግን ንምዕታር ዝክኣሎም ክገብሩ ምዃኖም ዝስሕቶ የለን፤ ግን መን ይፈልጥ ነገረ ኩዕሶ ምግልባጥ'ዩ።

ናብ ኣውሮጳ ሊግ ከምኡ'ውን ኣውሮጳ ኮንፈረንስ ሊግ መን ሓለፈ'ውን ኣብ መንጎ ቶተንሃምን ኒውካስልን ትጽቢት ክቕጽል'ዩ- ኵነታት ብኣለክሳንደር ኢሳቕ ድዩ ክውሰን ብሓለቓ ጋንታ ስፐርስ ሶን ሁዪን ሚን ሰንበት ክርአ'ዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ እግሪ ሰሌዳ ዝርከባ ኖቲንግሃም ፎረስትን ሉተንን'ውን መን ጸደፈ መን ሰረረ ንምውሳን ወሳኒ ግጥማት ከካይዳ'የን።

እታ 29 ነጥቢ ዘዋህለለት ፎረስት ግን ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ንምቕጻል ዝሓሸ ዕድል ኣለዋ።