‘እንተ ተዛሪበ ነገር ክውላዕ እዩ’፡ ሞ ሳላሕ ምስ ኣሰልጣኒኡ ተዃርዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍሉጥ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ፡ ክለቡ ምስ ዌስትሃም ማዕረ 2ብ2 ኣብ ዝዀነትሉ ግጥም ፕረምየር ሊግ፡ ምስ ኣሰልጣኒ የርገን ክሎፕ ክነታረኽ ተራእዩ።
ሳላሕ ኣብ መበል 79 ደቒቕ ተቐይሩ ናብ ሜዳ ክኣቱ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን እዩ ምስ ክሎፕ ዝተጋጨየ ዝመስል ነይሩ።
ክሎፕ፡ እቲ ግጭት ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ከምዘይዛረብ’ኳ እንተገለጸ፡ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ነበር ፒተር ክራውች ግን ኣብ ቲኤንቲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነታ ክለብ ጽቡቕ ኣይምስልን" ኢሉ።
ክራውች፡ "ሳላሕ ንሊቨርፑል ነባርን ወሳንእ ተጻዋታይ'ዩ፡ ኣብ ተቐያሪ ወንበር ምጽንሑ ከቖጠዖ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
"እዚ ባእሲ ግን ኣብ መንጎ ኣሰልጣንን ሓደ ወሳኒ ተጻዋታይን ክረአ ዝደሊ ሰብ የለን።"
ሳላሕ ክሎፕ ናብ ሜዳ ክኣቱ ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን ብገለ ነገር ዝተበሳጨወ ይመስል ነይሩ።
ደቂ ጋንትኡ ዳርዊን ኑነዝን ጆ ጎሜዝን ከም ሓውሲ ደፋፊኦም ናብ ሜዳ እንተዘየእትውዎ፡ እቲ ባእሲ ክቅጽል ይኽእል ነይሩ።
እዚ ውጽኢት ድማ፡ ንሊቨርፑል ካብ ዋንጫ ወጻኢ ዝገበራ ይመስል።
ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ሊቨርፑል ኣርሰናልን ማንቸስተር ዝተረፈን ኩሉ ጸወታታት እንተተሳዒረንን ንሳ ከኣ ንኹሉ ጸወታኣ እንተስዒራ ጥራይ'ያ ዋንጫ ክትወስድ ትኽእል፡ እዚ ኸኣ ዝሕሰብ ኣይመስልን።።
ሳላሕ ምስ ኣሳልጣኒኡ እንታይ እዩ ኣጋጢሙዎ?
ሳላሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ድሕሪ ጸወታ ኣብ ከባቢ ሚድያ እናተጓዕዘ እንከሎ፡ "እንተተዛሪበ ሓዊ ክውላዕ 'ዩ" ኢሉ።
ሓደ ጋዜጠኛ "ሓዊ?" ክብል ምስ ሓተቶ፡ ሳላሕ ድማ "እወ ብርግጽ ሓዊ" ኢሉ መሊስሉ።
ክሎፕ ድሒሩ "ብዛዕባ እዚ ኣብ መቐየሪ ክዳን ተዛራሪብናሉ ኢና፡ ብወገነይ ወዲአ ኣለኹ" ኢሉ።
ክሎፕ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ካብታ ክለብ ክሰናበት'ዩ።
ሊቨርፑል ድማ ኣብዚ ሰሙን፡ ን ኣርነ ስሎት ክሳብ ብ9.4 ሚልዮን ፓውንድ ከተፈርሞ ኣብ ምቕርራብ ከምዘላ ይፍለጥ።
ኣብ 7 ዓመታት ጻንሒቱ ኣብ 346 ጸወታታት 210 ሸቶታት ንሊቨርፑል ዘመዝገበ ሳላሕ ግን ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ውዕሉ ዘብቅዕ ዀይኑ፡ ብዛዕባ መጻኢኡ ብዙሕ ግምታት ክቐርብ ጸኒሑ'ዩ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክግዕዝ ምዃኑ ዘመልክት ትሕቲም ትሒም ይስማዕ ነይሩ'ዩ። እቲ ዓሚ ዝጋዋሕ ዝነበረ ሕሜታ ሕጂ'ውን ዳግማይ ይስማዕ ኣሎ።
ኣጥቃዓይ ሬንጀርስ ነበር ኣሊ ማኮይስት ንቲኤንቲ ስፖርትስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብዚ ሊግ ካብ ዝረኣናዮም ብሉጻት ተጻወትቲ ሓደ'ዩ። ንሊቨርፑል ዘጉደሎ ዘሎ ኣይመስለንን። እንተዀነ ግን ኩነታቱ ተቐዪሩ ኣሎ። ካብታ ጋንታ ክወጽእ ከምዝኽእል እዩ ዝስመዓኒ።"
ሳላሕ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ኩሉ ውድድራት ንሊቨርፑል ኣብ 41 ጸወታታት 24 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ተኸላኻላይ ሊቨርፑል ነበር ስቲቨን ዋርኖክ ንቢቢሲ ሬድዮ 5 ላይቭ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ክትዕ "ናይ ክልተ ዓበይቲ ኣነነት " ውጽኢት ምዃኑ ገሊጹ።
"ነታ ኽለብ ኩዕሶ እግሪ ማዕረ ኣገደስቲ ዝኾኑ ክልተ ሰባት እዮም" ኢሉ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ርክብ ኣብ ንምክብባር ምትሕግጋዝን ዝተረመስረተ ክኸውን ከምዝግባእ ድማ ተዛሪቡ።
"ሞ ሳላሕ ቁሩብ ተደፊኡ ዝወጸእ ዘሎ ይመስል፡ ከምኡ ድማ ደስ ክብሎ ኣይክእልን"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







