ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም'ዩ ይብሉ ተንተንቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል "ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ እዩ" ክብል ሓደ ፍሉጥ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ክሪስ ሳተን ተዛሪቡ።
ፍሉጥ እንግሊዛዊ ኣጥቃዓይ ኣላን ሸረር ብወገኑ ግብጻዊ ሳላሕ "ኣብ ታሪኽ ፕሪሜርሊግን ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ተጻወቲ" እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ብሰንበት፡ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን ኣብ ዘካየድኦ ናይቲ ሊግ ግጥም፡ ሳላሕ ዘመዝገባ ሸቶ ሓንቲ ካብተን ብልጽቲ ሸቶታት ተባሂላ ትግለጽ ኣላ።
እቲ ወዲ 29 ዓመት ንሓያሎ ተቐናቐንቱ ብምሽካዕ፡ ብዘይ ሓገዝ ብጾቱ ካልኣይቲ ጎል ሊቨርፑል ምምዝጋቡ ኣድናቖት ረኺቡ'ሎ።
ኣሰልጣኒኡ የርገን ክሎፕ ድሕሪ'ቲ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ደገፍቲ ሊቨርፑል ነታ ዘመዝገባ ሸቶ ድሕሪ 60 ዓመት'ውን ክዝክርዋ'ዮም ኢሉ። እቲ ናይ ሰንበት ግጥም ክልቲአን ጋንታታት 2 - 2 እዩ ተወዲኡ።
"ዝበለጹ ተጻወቲ ዓለም ጥራይ'ዮም ከምዚ ዓይነት ሸቶታት ዘመዝግቡ" ይብል ክሎፕ።
ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ኣብ ዝተሳተፈን ትሸዓተ ጸወታታት ድማ ትሻዓተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ሎ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ካብ መሲን ሮናልዶን ይበልጽ" ክብል ሳተን ይምጉት።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም መበል 100 ሸቶ ፕሪሜርሊግ ዘመዝገበ ሳላሕ፡ ኣብታ ሰነጋላዊ ብጻዪ ሳድዮ ማነ ዘመዝገባ ሸቶ'ውን ዓቢ ተራ ነይሩዎ።
እቲ ተጻዋታይ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲን ኢጣልያዊት ክለብ ሮማን ዝነበረ ግብጻዊ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመተ-ውድድራት ብማእከላይ ገምጋም 21 ሸቶታት እናመዝበ ዝመጸ'ዩ። ኣብቲ ናይ 2017-2018 ድማ 32 ሸቶታት ኣመዚጊቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመተ-ውድድራት ዘመዝገቦ ቁጽሪ ዝድነቕ'ዩ" ክብል ሳተን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቀጻልነት ናይቲ ዝጓናጸፎ ዘሎ ዓወታት ክረአ እንከሎ ይብል ንሱ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ዝኾነ ተኸላኻላይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝን ማንቸስተር ሲቲን ነበር ሚካ ሪቻርድስ ብወገኑ፡ ኣብ ኢጣልያዊት ጋንታ ፊዮረንቲና ብሓደ ከምዝነበሩ ብምግላጽ፡ ምስቶም ካልኦት ተንተንቲ ይሰማማዕ።
"ሳላሕ ካብ ብሉጻት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ምዃኑ'የ ክገልጽ ጸኒሐ" ድሕሪ ምባል "ኩሉ ሰብ'ዩ ዝስሕቀለይ ነይሩ። ናይ ሞገስ መዝሙር እናዜምኩሉ'የ ጸኒሐ" ክብል ኣድናቖቱ ይገልጽ።
"ኣብ ልምምድ ምስ ራኣኹዎ፡ 'እዚ ሰብ'ዚ ገለ ዓይነት'ዩ' እብል ነይረ። ንሓሙሽተ ተጻወቲን ሓላው ማዕጾን ኣሽኪዑ'ዩ ሸቶ ዘመዝግብ ነይሩ" ይብል ሪቻርድስ።
ኣብ ልምምድ ከይተረፈ "ስሱዕ" ከምዝነበረ ብምግላጽ ድማ፡ ናይ ኩዕሶ ክለቱ ኣዝዩ ዝንኣድ ምዃኑ ይዛረብ።
"ንዓመታት ንሰባት ከረድኦም'የ ዝጽዕር ነይረ፡ ዝሰምዓኒ ግን ኣይነበረን። ኣቐዲመ እየ ርእየዮ፡ ስለዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ንዓይ ኣይገርመንን'ዩ"።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







