ግብጻዊ ኣጥቃዓይ ክለብ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ 2018 ኮይኑ

ግብጻዊ ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቭርፑል መሓመድ ሳላሕ ንካላኣይ ግዜ ናይ ቢቢሲ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ 2018 ብምዃን ተዓዊቱ።
ብዘይካኡ ነቲ ዓመታዊ ሽልማት ተሓጽዮም ዝነበሩ ተጻወትቲ፡ ወዲ ጋንትኡ ሰኔጋላዊ ሳድዮ ማነ፡ ሞሮካዊ መድሂ በናይታ፡ ሰኔጋላዊ ካሊዱ ኩሉባሊን ጋናዊ ቶማስ ፓርተይ እዮም።
እቲ ወዲ 26 ሳላሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 52 ግጥማት 44 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናይቲ ዓመት ብሉጽ ተጻዋታይ ፕሪሜሪሊግ ክኸውን በቒዑ ነይሩ'ዩ።
"ደጊመ ምዕዋተይ ኣዝዩ ጽቡቕ ይስመዓኒ። ብጣዕሚ ሕጉስ'የ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት ክዕወት ድማ ተስፋ እገብር!" ክብል መሓመድ ሳላሕ ስምዒቱ ንቢቢሲ ኣካፊሉ።
እቲ ብሉጽ ተጻዋታይ፡ ብዘይካ ንክለቡ ናብ ናይ ዋንጫ ቻምዮንስሊግ ግጥም ከም እትበጽሕ ምግባሩ፡ ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም'ውን ንሃገራዊት ጋንትኡ ክልተ ሸቶታት ዘቑጸረ'ዩ።
እተን ንሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ናብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ ዘበቀዓኣ ክልተ ጎላት'ውን ባዕሉ ከም ዘመዝገበን ይዝከር።
"2018 ዘሐጉስ ኣጋጣሚታት ዝተራእየላ'ያ" ድሕሪ ምባል፡ "ኣንጻር [ኢጣልያዊት ክለብ] ሮማ ኣብ ኣንፊልድ ዝነበረ ግጥም ክትኣምኖ ዘጸግም'ዩ። ሸቶታት ብምምዝጋብ ጋንታይ እኹል ነጥቢ ኣዋህሊላ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ንክትስራዕ እገብር ኣለኹ። ንሱ ኻኣ ኩሉ ሳዕ ደስ ዘብል'ዩ" ይብል ሳላሕ።
ሳላሕ፡ ዕላማኡ ኣብ 2019፡ "ኩሉ ምእንቲ ክሕጎስ ምስ ክለበይ ሓደ ነገር ክዕወት'ዩ" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
"ጋንታይ ምንእንቲ ሓደ ነገር ክትዕወት፡ ኩሉ መዓልቲ ዝከኣለኒ'የ ዝገብር"።
እቲ ምርጫ ቢቢሲ ዘዳልዎ ኮይኑ፡ እቶም ሕጹያት ብኪኢላታት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ምስተሓርዩ፡ ደገፍቶም ድምጺ ክህቡ ይግበር። ኣብዚ ናይዚ ሎም ዓመት ውድድር ቢቢሲ ናይ 650 000 ድምጺ ተቐቢሉ- ክሳብ ሕጂ እቲ ዝለዓለ ማለት'ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ነቲ ሸልማት ብተኸታታሊ ንክልተ ግዜ ዝተዓወተ ናይጀርያዊ ጀይ ጀይ ኦኮቻ ጥራይ'ዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ንክልተ ግዜ ዝወሰደ ድማ ሳላሕ ኮይኑ'ሎ።
እቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣባል ክለብ ቸልሲ ዝነበረ ግብጻዊ፡ ኣብ 2017'ዩ ካብ ክለብ ሮማ ናብ ሊቨርፑል ተሰጋጊሩ። ኣብ ዓመተ ወድድር 2016-17፡ ንሮማ 15 ሸቶታት ኣመዝጊቡን፡ 11 ድማ ኣቐቢሉን። እታ ጋንታ ድማ ኣብ ሰሪኣ ኢጣልያ ቅድሚ ሕጂ በጺሓቶ ዘይትፈልጥ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከም እትስራዕ ጌርዋ።
ኣብተን ምስ ጋንታ ሊቨርፑል ዝተጻወተለን ቀዳሞት 24 ጸወታታት ጥራይ 19 ኣመዝጊቡ። ጸኒሑ ድማ ነቲ ብሉዊስ ሱዋረዝ ኣብ ዓመተ 2013-14፡ ብክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ዓመተ 2007-08ን ብኣላን ሸረር ኣብ 1995-96ን ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረወሰን፡ 31 ሸቶታት ኣብ 38 ግጥማት ብምምዝጋብ ደምሲስዎ'ዩ።
ክልተ ግብጻውያን ተጻወቲ'ውን ቅድሚ ሕጂ ነቲ ናይ ቢቢሲ ሽልማት ክወስዱ በቒዖም'ዮም፡ መሓመድ ባራካት ኣብ 2005፡ መሓመድ ኣቡትሪካ ድማ ኣብ 2008።
ቅድሚ ሕጂ ነቲ ሽልማት ዝተዓወቱ
2017፡ መሓመድ ሳላሕ (ሊቨርፑል- ግብጺ)
2016፡ ሪያድ ማህረዝ (ለስተር - ኣልጀርያ)
2015፡ ያያ ቱረ (ማንቸስተር ሲቲ - ኣይቮሪኮስት)
2014፡ ያሲን ብራሂሚ (ፓርቶ - ኣልጀርያ)
2013፡ ያያ ቱረ (ማንቸስተር ሲቲ - ኣይቮሪኮስት)
2012፡ ክሪስ ካቶንጎ (ሄናን ኮንስትራክሽን - ዛምቢያ)
2011፡ ኣንድረ ኣየው (ማርሰ - ጋና)
2010፡ ኣሳምዋ ጊያን (ሳንደርላንድ - ጋና)
2009፡ ዲድየር ድሮግባ (ቸልሲ - ኣይቮሪኮስት)
2008፡ መሓመድ ኣቡትሪካ (ኣል ኣህሊ - ግብጺ)
2007፡ ኢማኑዌል ኣዶባዮር (ኣርሰናል - ቶጎ)
2006፡ ማይክል ኢሰን (ቸልሲ - ጋና)
2005፡ መሓመድ በራካት (ኣል ኣህሊ - ግብጺ)
2004፡ ጀይ ጀይ ኦኮቻ (ቦልቶን - ናይጀርያ)
2003፡ ጀይ ጀይ ኦኮቻ (ቦልቶን - ናይጀርያ)
2002፡ ኢል ሃጂ ዲዮፍ (ሊቨርፑል - ሰኔጋል)
2001፡ ሳሚ ኩፉር (ባየር ሙኒክ - ጋና)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







