ሕፁይ ቢቢሲ ብሉፅ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ 2018፡ መድሂ በናቲያ

መግለጺ ቪድዮ, ሕፁይ ቢቢሲ ብሉፅ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ 2018፡ መድሂ በናቲያ

ናይዚ ዓመት ሕፁያት፡ መድሂ በናትያ (ሞሮኮ)፣ ካሊዱ ኮሊባሊ (ሰኔጋል) ፣ ሳድዮ ማኔ (ሰኔጋል)፣ ቶማስ ፓርተይ (ጋና)ን ሞሓመድ ሳላሕ (ግብፂ) ኮይኖም ኣለዉ።

መስርሕ ምሃብ ድምፂ ካብ ቀዳም 17 ሕዳር (ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ)፡ ምሸት ሰዓት 10፡00 ብኣቆፃፅራ ቀርኒ ኣፍሪቃ (4፡00 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ) ተኸፊቱ፡ 2 ታሕሳስ ሰዓት 11፡00 (5፡00) ይዕፆ።

ናይ መወዳእታ ውፅኢት፡ 14 ታሕሳስ፡ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 5:30 ብኣቆፃፅራ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ (11፡30 ኣ.ኢ) ኣብ ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ይግለፅ።