ቀንዲ ፍጻመታት እዚ ቕነ ብስእሊ

ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ

ምንጪ ስእሊ, WORLD ATHLETICS

ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ደረጃ ክዛዝማ ከለዋ፡ ሓንቲ ካብተን ነዚ ውድድር ዝመርሓ ዝነበራ ዝዀነት ኣትሌት ሲፈን ኣብ ኣጋ ፍጻመ እቲ ውድድር ምውዳቓ ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀንዩ።

ጆናይ ራቨሎ

ምንጪ ስእሊ, BORJA SUAREZ / REUTERS

ጆናይ ራቨሎን ፈረሱ ኒቫርያን ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝርከብ እምባ ኮይኖም ነታ 'ሰማያዊት ወርሒ' ብዝብል እትፍለጥ ዓባይ ወርሒ ይጥምቱ።

 ጀውል ባጌት

ምንጪ ስእሊ, CHENEY ORR / REUTERS

51 ዓመት ዝዕድሚኣ ጀውል ባጌት፡ ህቦብላ ኢዳልያ ዝዓበየትሉን ሰለስተ ወለዶታት ስድራቤታ ዝነብሩሉን ገዛ ናብ ፍርስራስ ድሕሪ ምቕያሩ ዝተሰኣለቶ እዩ።

ነፋሪት ካናዳኤር

ምንጪ ስእሊ, ANTONIO CASCIO / REUTERS

ነፋሪት ካናዳኤር ኣብ ሲሲሊ ባርዕ ንምዕጋት ትፍትን።

ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ህንጻ

ምንጪ ስእሊ, MICHELE SPATARI / AFP

ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ባርዕ ሓዊ 12 ህጻናት ዝርከብዎም 74 ሰባት ሞይቶም።

ቦጋታ

ምንጪ ስእሊ, GUILLERMO MUNOZ / AFP

ኣብ ቦጋታ ኣብ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ እሳተ ጎመራ ኔቫዶ ደል ሩይዝ ደበና ሓሙኽሽቲ ኣብ ዝፍንወሉ እዋን ዝተሰኣሉ እዮም።

ኣድሪየን ሁርቱት

ምንጪ ስእሊ, EMILIE MADI / REUTERS

ኩሉ መኽሰብ ንእንስሳታት ንምድጋፍን ንምድሓንን ዝውፈ 100 ሚእታዊት ፈርዲናንድ ዝበሃል ኦርጋኒክ መስመር ፋሽን ዝመስረተት ኣድሪየን ሁርቱት፡ ኣብ ሊባኖስ ባብዳ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ እንስሳ ዘቤት ኣልያርዝ ምስ ዘድሓነቶም ደማሙ ትርአ።

ስእሊ ንጉስ ግሌን

ምንጪ ስእሊ, JANE BARLOW/PA MEDIA

ብሰር ኤድዊን ላንድሲር ዝተሰኣለ ስእሊ ንጉስ ግሌን ኣብቲ ኣብ ኤዲንበርግ ዝርከብ ሃገራዊ ቤተ መዘክር ስኮትላንድ ተሰቒሉ።

ፈስቲቫል ላ ቶማቲ

ምንጪ ስእሊ, EVA MANEZ / REUTERS

ኣብ ስጳኛ ከተማ ቡኖል ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ፈስቲቫል ላ ቶማቲ ዝተሰኣሉ እዮም።

ሆላንዳውያን ኣትሌታት

ምንጪ ስእሊ, FABRIZIO BENSCH / REUTERS

ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ውድድር 4x400 ሪለይ ደቂ ኣንስትዮ ሆላንዳውያን ኣትሌታት ዓወተን ይጽምብላ።

‘ሳዕሳዒት’ ሳምባ

ምንጪ ስእሊ, HOLLIE ADAMS / REUTERS

እቲ ኣብ ለንደን ኣብ ዝካየድ ኖቲንግ ሂል ካርኒቫል ዝተሳተፈት ‘ሳዕሳዒት’ ሳምባ እያ።