ቀንዲ ፍጻመታት እዚ ቕነ ብስእሊ

ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ደረጃ ክዛዝማ ከለዋ፡ ሓንቲ ካብተን ነዚ ውድድር ዝመርሓ ዝነበራ ዝዀነት ኣትሌት ሲፈን ኣብ ኣጋ ፍጻመ እቲ ውድድር ምውዳቓ ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀንዩ።

ጆናይ ራቨሎን ፈረሱ ኒቫርያን ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝርከብ እምባ ኮይኖም ነታ 'ሰማያዊት ወርሒ' ብዝብል እትፍለጥ ዓባይ ወርሒ ይጥምቱ።

51 ዓመት ዝዕድሚኣ ጀውል ባጌት፡ ህቦብላ ኢዳልያ ዝዓበየትሉን ሰለስተ ወለዶታት ስድራቤታ ዝነብሩሉን ገዛ ናብ ፍርስራስ ድሕሪ ምቕያሩ ዝተሰኣለቶ እዩ።

ነፋሪት ካናዳኤር ኣብ ሲሲሊ ባርዕ ንምዕጋት ትፍትን።

ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ባርዕ ሓዊ 12 ህጻናት ዝርከብዎም 74 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ቦጋታ ኣብ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ እሳተ ጎመራ ኔቫዶ ደል ሩይዝ ደበና ሓሙኽሽቲ ኣብ ዝፍንወሉ እዋን ዝተሰኣሉ እዮም።

ኩሉ መኽሰብ ንእንስሳታት ንምድጋፍን ንምድሓንን ዝውፈ 100 ሚእታዊት ፈርዲናንድ ዝበሃል ኦርጋኒክ መስመር ፋሽን ዝመስረተት ኣድሪየን ሁርቱት፡ ኣብ ሊባኖስ ባብዳ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ እንስሳ ዘቤት ኣልያርዝ ምስ ዘድሓነቶም ደማሙ ትርአ።

ብሰር ኤድዊን ላንድሲር ዝተሰኣለ ስእሊ ንጉስ ግሌን ኣብቲ ኣብ ኤዲንበርግ ዝርከብ ሃገራዊ ቤተ መዘክር ስኮትላንድ ተሰቒሉ።

ኣብ ስጳኛ ከተማ ቡኖል ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ፈስቲቫል ላ ቶማቲ ዝተሰኣሉ እዮም።

ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ውድድር 4x400 ሪለይ ደቂ ኣንስትዮ ሆላንዳውያን ኣትሌታት ዓወተን ይጽምብላ።

እቲ ኣብ ለንደን ኣብ ዝካየድ ኖቲንግ ሂል ካርኒቫል ዝተሳተፈት ‘ሳዕሳዒት’ ሳምባ እያ።