እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብዞም ስእልታት ክንደይ ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ከምዝተዳለዉ ከተለልዩ ትኽእሉ?
ንሎሚ መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም ኣመንጊና ናብ ዓውዲ ቴክኖሎጂን ፈጠራታቱን ከነብለኩም ኢና- ዘገርም ነገራት'ውን የዛኒ'ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ዝዳለዉ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ይኹን ስነ-ጽሑፍ፡ ተሕዝቶ ሙዚቃ ይኹን ስእሊ እናወሰኸ ይርከብ።
እዞም ትሕዝቶታት ኣዝዮም ምዕቡላት ስለዝዀኑ ድማ፡ ኣብ መንጎ ሓቀኛን ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ዘዳለዎምን ትሕዝቶታት ዘሎ ፍልልይ ንምልላይ ኣጸጋሚ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።
ካብዚ ቀጺሉ 13 ዝተፈላለዩ ስእልታት ቀሪቦም ኣለዉ።
ካብዞም 13 ስእልታት፡ ክንደይ ዝኣክል ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ከም ዝተዳለዉ ክተለልዩ ትኽእሉ?
ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ዝዳለዉ ትሕዝቶ ሃጓፍ ክህልዎም ከም ዝኽእል ዝተፈልጠ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዩ።
ሽልማት ሶኒ ዎርልድ ፎቶግራፊ፡ ዝተፈላለዩ ሓቀኛ ሰኣልቲ ዝሳተፉሉ ዓመታዊ ውድድር እዩ።
እንተዀነ ጀርመናዊ ስነጥበባዊ ቦሪስ ኤልግጋን፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ዝተዳለወት ምስሊ ሒዙ ቀሪቡ።
ኤልጋሰን ዘቕረባ ስእሊ ተዓዋቲት እቲ ውድድር ኰይና ተመሪጻ።
ንሱ ግን፡ ካብቶም ዳያኑ እቲ ውድድር “[እታ ምስሊ] ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ዝተዳለወት ምዃና ከለልዩ ወይ ክጥርጥሩ ዝኽእሉ” እንተዀይኖም ንምፍላጥ ጥራይ ዘቕረባ ምዃና ብምግላጽ ነቲ ሽልማት ኣይተቐበሎን።
“ኣብ ከምዚ ዝበለ ሽልማት፡ ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ዝተዳለዉ ምስልታትን ስእልታት ንሓድሕዶም ክወዳደሩ የብሎምን” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ገለ ካብዞም ስእልታት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ‘ናይት ካፌ’ (Night Cafe) ብዝርከብ ናይ ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ መአዘዚ ኮምፕዩተር (ሶፍትዌር) ዝተዳለዉ ወይ ዝተሰኣሉ እዮም።
መስራቲ እዚ ትካል ኣንግስ ራስል ይበሃል።
ንሱ፡ “ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ሰባት ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ንኣሰልቻዊ ስራሕቲ ከም ዝትክእ፡ ፈጠራ ዝሓቱ ነገራት ግን ንነዊሕ እዋን ውሑስ ኰይኖም ከም ዝቕጽሉ ይዛረቡ ነይሮም” ይብል።
“ግን ብኣንጻሩ'ዩ ዝኸውን ዘሎ። ፈጠራዊን ኣብ ፍልጠት ዝተመርኰሱ ስራሕቲን ኣቐዲሞም ዝትክኡ ነገራት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።”
ኣሰናዳኢ ስእልታት ቢቢሲ ኒውስ ፊል ኩምስ፡ ናይ ሓሶት ወይ ዝተሰንዑ ምስልታት “ሓድሽ ነገር ኣይኰኑን” ብምባል ዕብየት ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ግን “ገለ ብድሆታት ከስዕብ” ከም ዝኽእል ይዛረብ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ “ዝተሰንዑ ስእልታት ንምልላይ ክሕግዙና ዝኽእሉ ብዙሕ መሳርሒታት” ኣለዉ።
"እዚኦም ድማ ኣብ ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ’ውን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።"
"ግን ምሉእ ብምሉእ ዝተረጋገጹ ኣይኰኑን፡ መብዛሕትኡ [እቲ ስራሕ] ድማ ሕጂ’ውን ኣብቲ ስእሊ ኣብ ዝግበር ጽኑዕ ስእላዊ መርመራ እዩ ዝምርኮስ።"
ዶክተር ዴቪድ ጋይማህ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርዲፍ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ምህዞ እዩ። ንሱ፡ በቲ ልዕሊ ዓቐን ክውንነት ናይዞም ምስልታት ይምሰጥ።
“ካብ ጽቡቕ ስእሊ ትጽበዮ ኩሉ ኣለዎም” ድማ ይብል።
“ብኻልእ መንገዲ [ከም ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ] ዝተዳለዉ ምዃኖም ክትኣምን ዝገብረካ ነገር የለን።”
እቲ ዶክተር፡ ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ዝተዳለወ ስእሊ ኣብ ጋዜጠኝነትን ጭቡጥ ትሕዝቶን ንሕማቕ ዕላማ ከይውዕል ኣብ ግምት ምእታው ከም ዝግባእ ይሓስብ።
“ቴክኖሎጂ ካብ ፖሊሲታት ቀዲሙ ኣብ ዝማዕበለሉ ዓለም ኢና እንርከብ። እዚ ድማ ናብ ኣዝዩ ዘይተረጋገጸ ኵነታት’ዩ ዘእትወና” ይብል።
“ንክፉእ ዕላማታት ክውዕል ይኽእል፡ እገዳታት ክህሉ ድማ ግድን ክኸውን ይኽእል'ዩ።”
"እንተዘይኰይኑ፡ ሰባት ብዕላማ ብካሜራ ከም ዘይተሰኣሉ ዝፈልጥዎም ምስልታት ከይጥቀሙ ከመይ ጌርካ ክተተግድዶም ትኽእል?”
ክንደይ ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ዝተዳለወ ምስሊ ኣለሊኹም
ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ዝዳለዉ ምስሊ እናማዕበለን እቲ ዝጥቀመሉ ኮድ ብቐሊሉ ዝርከብ ምንጪ እናዀነን ክኸይድ እንከሎ፡ ሓደ ስእሊ ናይ ብሓቂ ድዩ ወይስ ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ዝተዳለወ እዩ ኢልና ክንሓትት ክንግደድ ንኽእል ኢና።
እሞኸ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝቐረቡ ስእልታት፡ ክንደይ ዝክል ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ዝተዳለዉ ወይ ዝተሰኣሉ ክተለልዩ ክኢልኩም?
እቲ ቅኑዕ መልሲ ዋላ ሓንቲ ዝብል’ዩ።
ኩሎም እቶም 13 ስእልታት፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ‘ናይት ካፌ’ (Night Cafe) ብዝርከብ ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ናይ ኮምፕዩተር መአዘዚ (ሶፍትዌር) ዝተሰኣሉ እዮም።
ኩሎም ኣብቶም ስእልታት ዝረኣዩ ሰባት ድማ ናይ ሓቂ ኣይኮኑን፤ ፈጠራ ናይ ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ እዮም።