'ውጥነይ ኣብ ኢትዮጵያ ክፈሽል እዩ' ንኣፍሪቃ ብጉያ ዝዘውር ዘሎ ኪት ቦይድ

ምንጪ ስእሊ, PA MEDIA
ንመላእ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ጉያ ብምዛር ክብረወሰን ከመዝግብ ዝወጠነ ብሪጣንያዊ - ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ ብሰንኪ’ቲ ስግኣት ድሕነት "ውጥኑ ክፈሽል ከም ዝኽእል" ተዛሪቡ።
ኪት ቦይድ ንዝሓለፉ 270 መዓልታት ካብ ኬፕታውን ደቡብ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ ካይሮ ግብጺ ክጐይይ ጸኒሑ’ሎ።
እንተዀነ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም ፀጥታ ካብ ውጥኑ የተኣጓጒሎ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ። ቦይድ ብሰሜን ኢትዮጵያ ንምስጋር ዝገበሮ ሰለስተ ፈተነታት ኣይሰመረሉን።
ሓደ እዋን ብዕጡቓት ከም ዝተታሕዘን ካብ ጭውያ ብጸቢብ ዕድል ከም ዘምለጠን እውን ይዛረብ።
ብሪጣንያዊ-ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቦይድ፡ ዕጡቓት ንዕኡን ነቲ ካሜራ ሒዙ ዝስዕቦ ዝነበረ ማይክልን ክጨውይዎም ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን "መፈጸምታና ኣብዚ ኰይኑ’ሎ" ክብል ደምዲሙ ነይሩ።
"ካብ ጽርግያ ኣውጺኦም ናብ ወሰን ክወስዱና ከለዉ ዝነበረ ኵነታት ክሳብ ሕጂ የባህርረኒ" ይብል።
ወሲኹ "ንማይክል ‘መንገዲ እንተሒዝና ፖሊስ ወይ ወተሃደራት መጺኦም ከድሕኑና እዮም’ ኢለ እየ ዝነግሮ ነይረ" ክብል ይዝክር።
እቲ ኵነታት ዳርጋ ናብ "ፍሉይ ጭውያ" ክሰጋገር በጺሑ ከም ዝነበረ ብምሕባር፡ እንተዀነ "ብዘደንቕ መንገዲ ከም ዝተፈትሐ” የረድእ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን "ሃርደስት ጊዘር" ብዝብል ሳጓኡ ዝፍለጥ ራስል ኩክ፡ ንኣህጉረ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 352 መዓልታት ብጉያ ዘይሩ ከምዝዛዘመ ይዝከር።
ሽዑ ንሱ’ውን ልክዕ ከም ቦይድ ብዕጡቓት ዝምታ ተፈጺምዎ።
ቦይድ ነቲ ዝተረፎ 500 ኪሎ ሜተር ብሰላም ንክዛዝሞን ስሙ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ንኸስፍርን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓለዋ ንክገብረሉ ሓቲቱ ኣሎ።
"ነተን ዝተረፋ ኪሎ ሜተራት ብዘይምዝዛምና ነቲ ክብረወሰን ናይ ምስባር ዕድልና እንተተኣጓጒሉ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ። ድሕሪ 26 ዓመታት ነቲ ክብረወሰን ንምስባር ኣብ ጫፍ በጺሕና ሕልምና እንተቕሂሙ ዘጕሂ እዩ" ክብል ገሊጹ።
እቲ ጎያዪ ወሲኹ "ሕጂ ኵሉ ነገር ብኢትዮጵያውያን እዩ ዝውሰን። ነዚ ክብረወሰን ክሰብሮ ድየ ኣይሰብሮን ዝብል ንሳቶም እዮም ዝምልስዎ። ሚኢቲ ሚኢታዊት ኣብ ኢዶም እየ ዘለኹ" ኢሉ።
ቦይድ ኣብ 7 ግንቦት 2024 ንጉያኡ ብምዝዛም ነቲ ክብረወሰን ዓለም ብ30 መዓልታት ከመሓይሾ ዕላማ ኣለዎ።
“ኣነ ወዲ 57 ዓመት ረጒድ ሰብኣይ ነቲ ን26 ዓመታት ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብረወሰን ከመሓይሽ እንተኽኢለ እሞ ድማ ኣብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ከቢድ ዝበሃል ቦታ፤ ንስኻትኩም መናእሰይ እንተተበጊስኩምከ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉ ሕሰብዎ” ክብል ምዒዱ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







