ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዘርፌ ወንድማገኝ ስለምንታይ ን5 ዓመት ካብ ውድድር ተኣጊዳ?

ኣትሌት ዘርፌ ሓንቲ ካብቶም ተስፋ ዘለዎም ኣትሌታት ምንባራ ኣብ 2021 ዝወጸ ጸብጻብ ኣትሌቲክስ ዓለም የመልክት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣትሌት ዘርፌ ሓንቲ ካብቶም ተስፋ ዘለዎም ኣትሌታት ምንባራ ኣብ 2021 ዝወጽአ ጸብጻብ ኣትሌቲክስ ዓለም የመልክት

ዝተኸልከሉ መነቓቕሒ መድሃኒታት ወሲዳ ዝተረኸበት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዘርፌ ወንድማገኝ ንሓሙሽተ ዓመት ካብ ውድድር ኣትሌቲክስ ከም ዝተኣገደት ተገሊጹ።

እታ ኣብ ማእከላይ ርሕቀት እትወዳደር ጓል 21 ዓመት ኣትሌት፡ ብ'ኣትሌቲክስ ኢንቴግሪቲ ዩኒት' ዝተባህለ ኣካል ኣትሌቲክስ ዓለም እያ ተኣጊዳ።

እቲ ትካል ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ኣትሌት ዘካየዶ መርመራ ስዒቡ፡ ኣትሌት ዘርፌ ክልተ ዝተኸልከሉ ንጥረ ነገራት ምውሳዳ ከም ዝተኣመነት ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ዚ ዘርፌ፡ ቴስቶስትሮንን ኢፒኦን ዝበሃሉ ስፖርተኛታት ኣብ ደሞም ኦክስጅን ንምብራኽ ዝጥቀሙሉ ንጥረ ነገራት ከም ዝወሰደት ተኣሚና።

ዘርፌ ኣብ ቶክዮ ኦሎምፒክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 3000 ሜትሮ ስቲፕልቸስ 8ይ ደረጃ ሒዛ ከም ዝዛዘመት ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ 2023 ድማ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ’ያ።

እታ ኣትሌት ሰለስተ ግዜ እዩ መርመራ ተገይሩላ።

ካብዚኦም እቶም ክልተ ኣብ ሃንጋሪ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከም ዝተገብሩን ውጽኢታ ከም ዝተሰረዘን ማዕከን ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ (ኤፒ) ሓቢሩ።

እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ፡ ኣትሌቲክስ ኢንቴግሪቲ ዩኒት ብመሰረት ካብ ሓኪም ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እታ ኣትሌት ንዋሕዲ ደምን ቁስሊ ኩሊትን ብዝብል ኢፒኦ ዝተባህለ ንጥረ ነገር ከም ዝተዋህባ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነዚ ዘረጋግጽ ፌርማ ዘለዎ ደብዳበ ነታ ኣትሌት ከም ዝበጽሓ እውን ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ኣትሌት ኣብ ኢትዮጵያ ንሳልሳይ ግዜ መርመራ ከም ዝተገብረላ ገሊጹ።

እታ ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ደማ ዝተኸልከለ መነቓቕሒ መድሃኒት ተረኺቡ ብዝብል ጥርጣረ ከም ዝተኸሰሰት እቲ ትካል ይሕብር።

ዋዳ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ጸረ-መነቓቕሒ መድሃኒት ኣብ 2023 ዘውጽኦ ዝርዝር፡ እታ ኣትሌት ዝወሰዶቶ ንጥረ ነገር ሕጊ ዝጥሕስ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ኣትሌቲክስ ኢንቴግሪቲ ዩኒት፡ ኣትሌት ዘርፌ ነቲ ውሳነ ተቓዊማ ይግባይ ክተቕርብ ድሌት እንተሃልይዋ መሰላ ሕልው ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ሻምፕዮን ዓለም 2019፡ ኣብ መበል 16 ዓመታ፡ ንኢትዮጵያ ወኪላ ዝተሳተፈት ዘርፌ ወንድማገኝ፡ ኣብ 3000 ሜትሮ መሰናኽል ካብቶም ተስፋ ዘለዎም ኣትሌታት ሓንቲ ከም ዝነበረት ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ 2021 ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ዘርፌ ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃን ሻምፕዮን ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ተሳቲፉ ብሩር መዳልያ ተዓዊታ እያ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ኣብ ልዕሊ ብቕዓት ዘበርኹ መድሃኒታት ዝወስዱ ስፖርተኛታት ዕቱብ ቁጽጽር የካይድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።