'ኰነ ኢሎም' ቻይናዊ ኣትለት ክዕወት ዝገበሩ ኣትሌታት ኢትዮጵያን ኬንያን ተኸሲሶም

ምንጪ ስእሊ, BEIJING SPORT BUREAU
ሓደ ኢትዮጵያዊን ክልተ ኬንያውያንን ኣትለታት ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን በይጂን ንሓደ ቻይናዊ ጐያዪ ንኽዕወት ሓጊዞም ብዝብል ኣብ ልዕሊኦም ምጽራይ ክካየድ ጀሚሩ።
ኣዳላዊ እቲ ውድድር ቤት ጽሕፈት ስፖርት በይጂን ነቲ ፍጻመ ይምርምሮ ከም ዘሎ ንማዕከን ዜና ፈረንሳ-ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ደጀኔ ሃይሉ በቂላ ከምኡ’ውን ኬንያውያን ሮበርት ኬተርን ዊሊ ማናንጋትን እቲ ቻይናዊ ኣትለት ንኽዕወት ዝገበሩሉ ኵነታት ዝረኣዩ ቻይናውያን "ስፖርታዊ ስነምግባር ዝጠሓሰ ዘሕፍር ተግባር" ክብሉ ገሊጾሞ።
እቶም ሰለስተ ኣትለታት ካብ ምጅማር ውድድር ክሳብ መወዳእታ፡ ንቻይናዊ ኣትሌት ሂ ጂ ዓጂቦም ይጐዩ ነይሮም።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ቪድዮ እቶም ሰለስተ ምብራቕ ኣፍሪቃውያን ኣትለታት ኣብ መወዳእታ እቲ ውድድር ፍጥነቶም እናነከዩን እቲ ቻይናዊ ኣትለት ክሓልፎም ብኢዶም ምልክት ክህብዎን የርእይ።
ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኣብ ውድድር መላእ ጸወታታት ኤስያ ኣብ ማራቶን ወርቂ መዳልያ ዝረኸበ ቻይናዊ ኣትሌት፡ ነቶም ሰለስተ ኣትሌታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስዒቡ ብሓንቲ ካልኢት ጥራይ ነቲ ውድድር ተዓዊቱሉ።
ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ንመርምር ኣለና፤ ምርመራና ምስተዛዘመ ውጽኢት ከነፍልጥ ኢና” ኢሎም።
ምዝዛም እቲ ውድድር ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ወይቦ ኣብ ዝተባህለ ናይ ቻይና ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ብዙሓት ሰባት እቲ ቻይናዊ ንኽዕወቱ ኣቐዲሙ ዝተመቻቸወ ኵነታት ዘርኢ እዩ ይብሉ።
ሓደ ወሃቢ ርእይቶ፡ "እዚ ዓወት ንኣትለት ሂ ጂ ኣብ መዋእሉ እቲ ዝኸፍአ ዘሕፍር ዓወት ኰይኑ ክምዝገብ እዩ" ኢሉ።
ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ከኣ "ኣብ ሓደ ደረጃኡ ዝሓለወ መድረኽ ውድድር ስፖርታዊ ጨዋነት ከምዚ ክወርድ ምርኣይ ዘሕፍር'ዩ" ይብል።
ኣትለቲክስ ኣብ ቻይና ብፍላይ ኣብ ማእከላይ እቶት ዘለዎም ዜጋታት እታ ሃገር ኣቓልቦ ዝረክብ ዘሎ ስፖርት ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ውድድራት ምትላል ምርኣይ ድማ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን።
ኣብ 2018 ኣብ ደቡባዊ ቻይና ከተማ ሸንዘን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ካብ ዝተሳተፉ 258 ኣትሌታት እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኣቋራጭ መንገዲ ብምጥቃም ከምዘታለሉ እዩ ተፈሊጡ።
እቶም ኣትሌታት ኣቋራጭ መገዲ ተጠቒሞም ኣብ ውሽጢ ጫካ ክጎዩ ካሜራታት ትራፊክ ኣቃሊዐን።
ኣብ 2019 ከኣ ኣብ ዙዋንዡ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ተወዳዳሪት ብሽክለታ ተኻርያ ንፍርቂ እቲ ውድድር ክትኸዶ ተራእያ።
ኣብቲ ናይ ሰንበት ውድድር፡ ቻይናዊ ሂ ጂ ብ1፡03፡44 ሰዓት ነቲ ውድድር ብቐዳምነት ክዛዝም ከሎ፡ ኢትዮጵያዊ ደጀነ ሃይሉ ካልኣይ፡ ኬንያውያን ኣትለታት ድማ ብማዕረ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም።
ኣትሌት ሂ፡ ድሕሪ እቲ ውድድር ምስ ቻይናዊት ግሎባል ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንኦሎምፒክ ፓሪስ እውን ክሕግዞ ኣበርቲዑ ክዳሎ ከምዝጸንሐን በዚ ዓወት ከምዝተሓጐሰን ገሊጹ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







